ድለ

2026.03.25 Monsignor Anthony Randazzo 2026.03.25 Monsignor Anthony Randazzo 

ኣቡነ ራንዳዞ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ናይ ሕጋዊ ሰነዳት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤጽሕፈት ህየተ ኮይኖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣንቶኒ ራንዳዞ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሕጋዊ ሰነዳት ቅድስቲ መነብር ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ኮይኖም ከገልግሉ መዘዝዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ነቶም ናይ ኣውስትራልያ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣቦ መንበርን፣ ናይ ሰበኻ ብሮከን በይ ኣውስትራልያ መጥሮጲሊሳዊ ሊቀጳጳሳት ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ፣ ንብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒ ራንዳዞ፣ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሕጋዊ ሰነዳት ቅድስቲ መንበር ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽህፈት ህይንተ ኮይኖም ከገልግሉ መዝነት ሃብዎም።  

ብፁዕ ኣቡነ ራንዳዞ ነቶም ብዕለት 26 መስከረም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ህየትነ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ጳጳሳት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ክኾኑ ዝሸሞምዎም ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፊሊፖ ኢያኖን ተኪኦም፣ ነቲ ኣቐዲሙ ካብ ወርሒ ጥሪ 2023 ክሳዕ ግንቦት 2025 ከገልግሉሉ ዝጸንሑ መዝነት ክትክእዎ ኢዮም።

ምስጋና ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ሊቀ ጳጳሳት ራንዳዞ ኣብ ወግዓዊ ናይ ፌስቡክ ገጾም ከም ዘመልከትዎ፣ "ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ስለቲ ኣባይ ዘሕደርዎ ምትእምማን ኣዝየ እየ ዘመስግኖም" ክብሉ ጸሓፉ።

ብተወሳኺውን ከም ጳጳስ ሰበኻን፣ ንናይ ሰበኻ ምእመናን ካህናትን ብሮከን በይ ምግልጋል ናይ ብሓቂ ዘሕጕስ ምዃኑ እውን ገለጹ።

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ራንዳዞ ነዚ ሓድሽ እተመዙሉ ተልእኾ ክዋጽኣሉ ዝኽእሉ ጸጋ ክህወሃቦም ኣብ ዘቕረብዎ ጸሎት፣ "ነቲ ንመጓሰኡ ክከናኸን ብሕድሪ ዝሃበኒ ኣምላኽ፣ ኵሉ ሳዕ አመስግኖ ኣሎኹ" በሉ።

እዞም ሊቀ ጳጳሳት ነዚ ሓድሽ እተዋህቦም ተልእኾ ንምጅማር ናብ ሮማ ቅድሚ ምግዓዞም፣ ኣብ ዝቕጽል ሰለስተ ኣዋርሕ ከም ሓዋርያዊ መስተናብር ዀይኖም ኣብ ብሮከን በይ ክጸንሑ ኢዮም።

26 Mar 2026, 15:23