ር. ሊ. ጳ.፦ እቲ ተበጃዊና ንቝስሊ ታሪኽ ይልውጦ ኢዩ!
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ምርኩስ ብምግባር፣ ተኣምራዊ ምልዋጥ ትርኢት ኢየሱስ፣ "ጽላሎት ብርሃን ፋሲካ እዩ፣ እዚ ድማ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ወድሰብ፣ እቲ ብዓመጻ እተገረፈ፣ ብቓንዛ እተሰቕለ፣ ወይ ኣብ ጸበባ እተጠንጠነ ኩነት ወድሰብ፣ ዝገልጽ ፍጻመ ሞትን ትንሳኤን፣ ጸልማትን ሓድሽ ብርሃንን እዩ" በሉ።
እቶም ንጐታን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሰንይዎ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ፣ ነቲ ብኽብሪ እተገልጸ ግርማኡ እኳ እንተ ረኣዩ፣ ነቲ ዝረኣይዎ ንኺርድእዎ ግን ግዜ ወሲዱሎም እዩ፣ እዚ ድማ "ቃሉ ብጽሙና ዝሰምዑሉ፣ ምስ ጐይታ ምእንቲ ኺሕጐሱ ድማ ናይ ዝርርብ ግዜ ምህላው ኢዩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ትምህርቶም፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ስጋ ዝዀነ ቃል፣ ማለት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጎ ሕግን ነብያትን፣ ማለት ሙሴን ኤልያስን ደው ኢሉ ኸም ዝረኣይዎ እውን ዘከሩ።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፣ "ከምታ ኣብ ዮርዳኖስ እተጠምቀላ ዕለት፣ 'እዚ እቲ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ' ዝብል ድምጺ ኣቦ ስማዕና፣ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ንኢየሱስ ብብሩህ ደበና' ከሊልዎ ረአና ክብሉ መስከሩ" በሉ።
እዚ መግለጺ እዚ፣ ነቲ "ሰብኣዊ ግርማ ኣምላኽ" ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ዝገለጸሎም፣ "ነቲ ብዓብዪ ናይ ማሕርሮ ግልጸት ደኣ እምበር፣ ብዙሓት ካልኦት ዝርእይዎ ትርኢት ዘይኮነስ፣ ትሕትና ዘለዎ ኽብሪ ንኺሓስቡ" ኣኽኢልዎም ኢዩ።
እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ እከይ ኣብ ቦትኡ እናሃለወ ኽነሱ፣ "ብኽብሪ ኣምላኽ" ዜንጸባርቕ ተኣምራዊ ምልዋጥ፣ ስጋ ኢየሱስ እቲ ተበጃዊ "ንኣእምሮናን ንልብናን ብምብራህ፣ ንቝስሊ ታሪኽ ከም ዝቕይሮ ይሕብር። መግለጺኡ ድማ ውህበት ምድሓን እዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ወሲኾም፣ "እዚ ራኢይ እዚ ይማርኸና ድዩ? ነቲ ሓቀይና ገጽ ኣምላኽ ብኣንጻራዊ መንገድን ብፍቕርን ክንርእዮ የኽእለና ዲዩ?" ክብሉ ውን ሓተቱ።
ኣብ መደምደምታ ድማ፣ "እግዚአብሔር ኣቦ ንተስፋ ቍርጸትን፣ ንእግዚአብሔር ኣልቦነትን ዝሃቦ ምላሽ፣ ውህበት ወዱ ከም መድሓኒ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ዘለኣለማዊ ሕብረትን ህይወትን ጸጋን ብምሃብ ድማ ካብ ጽምዋ ኣልቦ መርትዖ ንህላዌ እግዚአብሔር ንዝብል ኣግኒስቲሳዊ ኣተሓሳስባ ይብጀወና። ነታ ድኽመት እምነትና እውን ምላሽ ብምሃብ ተስፋ ትንሳኤ ነገረና" ክብሉ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።
