ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቕዋም፡ ሓድሽ ሕግታት ደገፍቲ የላልየይ
ኣብ 1994 ዓ.ም. ብቅዱስ ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ ዝተመስረተ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ህይወት ዘጽደቖ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ይኹንታ ዝሃብሉ ሓድሽ ናይቲ ተቕዋም ቅዋም ሓድሽ ምድብ የተኣታቱ። እዚ ተቕዋም እዚ ክቡር ዋጋ ህይወት ወዲ ሰብን ክብሪ ሰብን ንምክልኻልን ንምድንፋዕን ዝኣመተ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ህይወት ነቲ ኣብ 2016 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝጽደቐ ዝኽተሎ ቅዋም ሓድሽ ብዛዕባ ደገፍቲ ኣካላት ዝምልከት ምድባት ብምትእትታው ከም ዘመሓየሾን እቲ ዘተኣታተዎ ተሓድሶ ምስ ትካላዊ ዕላማታት እቲ ተቕዋም ብምልላይ ስነ ትምህርታዊ ንጥፈታቱ ንምድንፋዕ ኣበርክቶ ዝገብሩ ውልቀ - ሰባት ዝምልከት ኮይኑ፡ እዞም ኣካላት እዚኣቶም ናይ ስነ ምርምር ተክለ ሰብነት ዘይብሎም ግን ከኣ ናይቲ ተቕዋም ሸቶታት ዘተባብዑን ክዕቅቡን ዝደልዩ ዝምልከት ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 27 ለካቲት 2026 ይኹንታ ዝሃብሉ ናይቲ ተቕዋም ሓድሽ ቅዋም መዋቕር ናይቲ ትካል፦ ኣቦ መንበር፣ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት፣ ኣባላትን ደገፍትን እንክብል ዝገለጽ ኮይኑ ነቲ ናይ ኣቦ መንበርን ምምሕዳራዊ ሓላፍነታት እውን ይገልጽ፡ ነቲ ፈጻምን ኣተሓባባሪ ግደን ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ድማ የረጋግጹ። ናይቲ ጳጳሳዊ ስነ ህይወት ተቕዋም ደገፍቲ ብዝብል ተራ ዝሕረይ ንሰለስተ ዓመት ዝሽየሙ ኮይኖም፡ እዚ ኣገልግሎት እዚ ክልተ ሳዕ ክሕደስ ዝከኣል እዩ እንክብል የፍቅድ።
02 Mar 2026, 16:24
