ኣባ ፓዞሊኒ፡ ኣብዚ ውግእ ዝዓብለላ ዓለም፡ ሕውነት ርእየት ዓለም ዘይኮነስ ሓላፍነት እዩ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ሰባኬ ቤት ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓሶሊኒ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዘቕረብዎ ካልኣይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፡ “ዝኾነ ሰብ ብክርስቶስ እንተሎ ሓድሽ ፍጥረት እዩ” ዝብል ኣብቲ ናይ ለመዘበን ዓቢይ ጾም ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ መርሕ ሓሳብ ተመርኲይዞም፡ ኣብ “ሕውነት – ጸጋን ሓላፍነትን ሕውነታዊ ሓድነት” ኣብ ዝብል ቅውሙ ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፡ ሕውነት፡ ተውሳኽ መንፈሳዊ ህይወት ኣይኮነን፣ ሓደ ሰብ ብቐሊሉ ብጸጋ ክዓብየሉ ዝኽእል ምቹእ ኩነታት ጥራይ እውን ኣይኮነን! ለውጢ ብሓቂ ዝፍጸመሉ ቦታ፡ እቲ ዝኸበደ ናይ ፍተና ቦታ፡ ወንጌል ኣብ ህይወትና እንታይ ክዓምም ከም ዚኽእል ዚሕብር ኣዝዩ ንጹር ምልክት እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብነት ናይ ቀዳሞት ማሕበረሰባት ፍራንቸስካውያን
ኣባ ፓዞሊኒ ንህይወት ናይቶም ቀዳሞት ማሕበረሰብ ፍራንቸስካውያን መሰረት ገይሮም፣ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ብዘይ ናይ ስልጣን ወይ ልዕልና ዝምድናታት ክህልዉ ምድላዩ ምስቶም ቀዳሞት ክርስትያን ማሕበረሰባት ህይወትን ተግባርን ዝመሳሰል እዩ። እዚ ቦታ እዚ "ህድእ ንምባል ዕቝባ ዚረኽቡሉ" ቦታ ዘይኰነስ፡ ንሰባት ምስ ኵሉ ዘለዎም ኣበርን ጭንቀቶምን "ናብ መዓሙቝ ልቦም" ዚመርሖም ስፍራ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ "ኣሕዋት ውህበት ጐይታ እያቶም። በዚ ምኽንያት እዚ ግን ኣብ ጕዕዞና ናይ ምሕጋዝ ወይ ናይ ምጽዋር ሓላፍነት ጥራይ ኣይኰኑን ህይወትና ምእንቲ ኽቕየር ሕድሪ ዝተዋህቦም እዮም።”
“እቲ ካብ ሓንቲ ማህጸን ዝመጽእ”
ሓው ዝብል ቃል— adelphós፡ ስነ ቓል ትርጉሙ ድማ = “ካብ ሓንቲ ማህጸን ዝመጸ” ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ኣሕዋት "መን ምዃንና" ጥራይ ዘይኰነስ ናብ ለውጢ ኸም ዚጽውዑና ኣስተብሂሎም፡
ኣብ ፍልልያቶምን ድሩትነቶምን ሓድሓደ ግዜ እውን ኣብ ቓልሶም እውን ከይተረፈ ኣምላኽ ኣብ ሰብኣውንትና ዝሰርሓሉ ጭቡጥ ቦታ ይዀኑ፣ ድርቅንናን ትረትናን ይፍታሕን ዝያዳ ናይ ፍቕሪ ክእለትን ዘለዎ ሓቀይና ልቢ ክንነብር ይሓንጸና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣቤልን ቃኤልን፡ “ናይ ኣረኣእያ ጸገም”
ሓደ ካብቲ ነዚ ተቓውሞታት እዚ ብዝበለጸ ዝገልጽ ዛንታታት፡ ኣብ መንጎ ኣቤልን ቃኤልን ዝነበረ “መሪር ዝምድና” እዩ። እቲ ስብራት ካብ “ናይ ኣረኣእያ ጸገም” ከም ዝፍጠር ድማ ኣብሪሆም፡ ኣብ ጸብጻብ ዘፍጥረት እቲ ቀዳማይ ሓው ንበዅሪ መጓሰኡ ንኣምላክ የቕርብ፣ እዚ ድማ ኣምላኽ ‘ብሞገስ ዝጥምቶ’ መስዋእቲ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ገለ ፍረታት መሬት ጥራይ እዩ ዘቕርብ። እቲ ፍልልይ፡ ኣብ ጽፈት ናይቲ መስዋእቲ ዘይኮነስ፡ እቲ ዝቐርብ ብሓቂ ንህይወት ሰብ ይውክል ድዩ ኣይውክልን ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፡
"በዚ ምኽንያት እዚ እግዚኣብሄር ንህያብ ቃኤል ኣይቅበሎን፣ ንኽኹንኖ ዘይኮነስ ንኽቖጥዖ እዩ - ቢሎም -
"እቲ ምልክት ወፈያ ብሓቂ ዝበቅዕ ነገር ከም ዘይብሉ ዚኣምን ምግባር ማለት እዩ። ኣብ ክንዳኡስ ኣምላኽ ህይወቱ እውን ውህበት ክትከውን ከም እትኽእል ንኺኣምን ኪሕግዞ ዚደሊ እዩ ዚመስል።"
“ቃኤል ኣብ ውሽጥና መን እዩ?”
“ኣብ ውሽጥና ዘሎ ቃኤል መን እዩ - እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ቃኤል ቂምታ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክንደይ ቦታ ከም ዝሓዘ ንነብስና ክንሓትት ይጽውዓና። እቲ ዝለዓል ምረት መብዛሕትኡ ግዜ "በይንና ኣይኰንናን" ከምኡውን "ኵሉ ኣይኰንናን" ብዝብል ፍላጥ ዝምገብ ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ ምስዚ ክውንነት እዚ ሰላም ክንገብር እንተ ዘይክኢልና ህላወ እቲ ኻልእ ክንጻወሮ ዘይከአለና ክኸውን ይኽእል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ስነ-መጎት ምሕረት ኣብ ልዕሊ እቶም ዝወደቑ
ንቅዱስ ፍራንቸስኮ ሕውነት ክፍታሕ ዘለዎ ጸገም ዘይኮነስ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዝጋገ ጎረቤት ምሕረት ዝመልኦ ስነ-መጐት ወንጌል ንምምሃር ዕድል እዩ። ብተመሳሳሊ ኣብቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ሓጺር ግን ከኣ ጽዑቕ መልእኽቲ ናብ ፊልሞና እውን ከም እንረኽቦ ሓቢሮም፡ "ርክባት ምስ ዝነቅዕን ሓድነት ምስ ዝቑሰልን፡ ወንጌል መጀመርታ ንመሰል ገዛእ ርእስኻ ምክልኻል ዝሕብር ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡስ ዝዓበየን ኩሉ ግዜ ዝከኣልን ሰናይ ክንደልይ እዩ ዘተሓሳስበና ማለት ኣብቲ ካልእ ድሕሪ ደጊም ተጻባኢ ወይ ዕዳ ዘይኮነስ ብጐይታ ዝፍቶ ሓው ከነለሊ ዘኽእለና ሰናይ።”
ኣብ መንጎ ቁስልን ተስፋ ምቑራጽን ጽልእን ሕውነት ምቕባል
እዚ ክውንነት እዚ ካብ መዓልታዊ ናብራ ዝረሓቐ ክመስል ከም ዝኽእል ኣፍልጦ ዝሃቡ ኣባ ፓዞሊኒ - እንተዀነ ግን ርክባት ኣብ "ማእሰር ናጽነት" እተመስረተ ምስ ዝኸውን ኣብ ድንጋጽ ወይ ምቅርራብ ዘይኰነስ ኣምላኽ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኴንና ኣብ ቤተ - ክርስትያን ብሓባር ክንነብር ከም ዝመረጸናን ከም ዝጸውዓናን ዘረጋግጽ እዩ። "በዓለ ትንሳኤ ንኻልኦት ክቑሱሉና ተስፋ ከቑርጹና ከጕህዩና ወይ ከም ተጻረርቲ ክመላለሱ እንከለዉ እውን ከይተረፈ ክንቅበሎ ከም እንኽእል ምስ ፈለጥና ኣብ ውሽጥና ክዓዪ ይጅምር። "ብርቱዓት ወይ ጭዋታት ስለ ዝዀንና ዘይኰነስ ኣብ ውሽጥና ሓደ ነገር ድሮ ስለ ዝሞተን ሓድሽ ነገር ኪህሉ ስለ ዝጀመረን እዩ።”
ንኣድማስ አይምጥፋእ
ምልዋጥ ከም ርድኢት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ካብቲ ካልኦት ዝገብሩልና ነገራት ዋላ እውን ክጐድኡና ወይ ክፍትኑና ኸለዉ ዝምንጨው ምዃኑ ምርኣይ ኢዩ። እዚ ኸኣ ንኣረኣእያና ኣጸቢቑ የስፍሖ፡ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ሕውነት ዜጋጥም ቓልሲ ኸቢድ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ "በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነቲ ኣድማስ ፈጺምና ኽንርስዖ የብልናን። ብዛዕባ ዘለኣለም ህይወት ዘሎና ኣረኣእያ ምስ እነጥፍ ገሊኡ ጸገማት ፈጺሙ ተቐባልነት ዘይብሉ ይኸውን" እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ።
ሕውነት ከም ህያብን ሓላፍነትን ምቕባል
እምነት፡ ዝፈላልየና ዘይኮነስ “ካብ ልብና ክግለል ዝኽእል ሰብ ከም ዘየሎ የዘኻኽረና” ብትንሳኤ ኢየሱስ ኣቢልና ካብቲ ዝምድናታት ዝጠልቦ ጻዕሪ ዘይኮነስ ከምዚ ዓይነት ጻዕሪ ዘይጠቅም እዩ ካብ ዝብል ጥርጣረ ሓራ ንወጽእ። በዚ ምኽንያት ኣብዘን መዓልታት ዓቢይ ጾም፡ ታሪኽ ዓለም ምግምማዕን ውግእን ግጭትን እናሃለወ ኽነሱ ንሕና ክርስትያን ብዛዕባ ሕውነት ከም ሓደ ክብጻሕ ዘለዎ ሓሳብ ጌርና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። በንጻሩ ከም ህያብ ክንቅበሎ፡ ኣብ ሓደ እዋን ከኣ ከም ኣዝዩ ዕቱብን ህጹጽን ሓላፍነት ጌርና ኽንወስዶ ንጽዋዕ” እንክብሉ ኣባ ፓዞሊኒ ዘቕረብዎ ካልኣይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም ይዛዝሙ።
