ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ናይ ውግእ ተሓተቲ ዝኾኑ ክርስትያን ንሕልናኦም ይምርምሩ ዶ?
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዓርቢ ዕለት 13 መጋቢት ኣብቲ ጳጳሳዊ ቤተ ኑዛዜ ኣብ ዘዳለዎ መበል 36 ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ሕንጸት ዝተሳተፉ 400 ተጋባእያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፡ እቲ ዓውደ ሕንጸት ንካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን፡ ምስ ምስጢረ ንስሓ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ብዝምልከት ዝተናውሐ ሕንጸት ዝወሃበሉ ኮይኑ፡ ከምቲ በቢ ዓመቱ ዝግበር ድማ ምስ ር.ሊ.ጳ. ብምርኻ ዝዛዘም ከም ዝኾነ ኣዘካኺሩ፡ ነቶም ካብ ዕለት 9 – 13 መጋቢት ኣብቲ ዓውደ ህንጸት ዝተሳተፉ ካህናትን ናይ መጻኢ ኣናዘዝቲ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኑዛዜ ኣብ ሰብኣዊ ኣባይቲ ስድራ ሰላምን ሓድነትን ንምምዕባል ዘለዎ ሓይሊ ከም ዘስተንተኑን፡ “ሓደ ሰብ፡ እቶም ኣብ ዕጥቃዊ ውግእ ከቢድ ሓላፍነት ዘለዎም ክርስትያን፡ ንሕልናኦም ብዕቱብ ኪምርምሩን ናብ ምስጢረ ንስሓ ክቐርቡን ትሕትናን ትብዓትን ኣለዎም ድዩ?” እንክብሉ ሕቶ ብምቕራብ፡ ምሥጢረ ንስሓ - ምስጢረ ዕርቂ፡ ምስ እግዚኣብሔር ሓድነት ስለ ዝመልስን ኣብቲ ዝናዘዝ ሰብ ድማ ዝቕድስ ጸጋ ስለ ዘውሕዝ፡ “ናይ ሓድነት ቤተ ምርመራ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ኑዛዜ ንሰባት ኣብ ነንሕድሕዶምን ምስ ቤተ ክርስቲያንን ብሓድነት ክነብሩ እውን ይምህር፣ ነቲ ዝመልሰና ውሽጣዊ ሓድነት ይሓንጽ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ቤተ ክርስቲያንን ምስ ገዛእ ርእስናን ናይ ሓድነት ምንቅስቓስና ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰላም ንኽህሉ ቅድመ ኩነት እዩ። “ዝተዓረቐ ሰብ ጥራይ እዩ ዕጥቁ ብዝፈተሐን ዕጥቂ ብዘፍታሕን መገዲ ክነብር ዝኽእል። ናይ ቅልጽም ትምክሕቲ ደርብዮም ብይቕረታን ምሕረትን እግዚኣብሔር ክሕደሱ ዝፈቕዱ ክርስትያን፡ ኣብ መዓልታዊ ሕይወቶም መጋበርያ ዕርቂ ይኾኑ - ቢሎም - ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ምስ ኣምላኽ ዝተዓረቑ ሰባት ነቲ “ዘይተፈጸመ መብጽዓታት ልጓም ዘይብሉ ሃልኪን ካብ ሓቂ ዝተፈልየ ናጽነት ዘሕፍር ተመክሮን” ብቐሊሉ ይፈልጥዎ። ብመለኮታዊ ምሕረት ክርስቶስ ኣብ ውሽጥና ናይ ዘይምሉእነት ስምዒት የበራብር፣ እዚ ድማ ነቲ ዝዓሞቐ ድሌታትና ምሉእ ብምሉእ ክምልስ ዝኽእል ክርስቶስ ባዕሉ ጥራይ ምዃኑ ንኽንርዳእ ዝሕግዙና ናይ ህላወ ሕቶታት ኣብ ቅድመና ጋህዲ ይገብሮ። "ኣምላኽ ንኸድሕነና ሰብ ኰነ፣ ነዚ ድማ ነቲ 'እንነብረሉን እንንቀሳቐሰሉን ህላወናን' ምእንቲ ኽንቅበሎ ሃይማኖታዊ ልቦናናን ንሓቅን ፍቕርን ዘሎና ዘይጠፍእ ባህግና ብምህናጽ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ኣገዳስነት ምሥጢረ ንስሓ ተመሊሶም፡ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ዝነበራ ጥንታዊ ስነ መለኮታዊ ርድኢት ብዛዕባ ኑዛዜ ዘኪሮም፡ እዚ ድማ ምስ ግዜ እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎን ነፍሲ ወከፍ ካቶሊክ እንተወሓደ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ምስጢረ ንስሓ ክቕበል ዝጠልብ እዩ። ይኹን እምበር ብዙሓት ሰባት ነቲ ውህበት ጐይታ ዝኾነ ምስጢረ ንስሓ ብገርሀይና እምነትን ልብን ኣክንዲ ዝቕርብዎ ካብቲ "ማእለያ ዘይብሉ ሃባታም ምሕረት ቤተ-ክርስትያን" ምርሓቕ ይመርጹ፣ ናይ ሕጂን ናይ መጻኢን ካህናት ብምስጢረ ንስሓን - ምስጢረ ዕርቂ ኣቢሎም ምህረትን ይቕረታን ኣምላኽ ናይ ምቕራብ ዓቢ ሓላፍነቶም ብዕምቆት ከስተውዕሉ ድማ ዓዲሞም፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ምስራዕ ምስጢረ ንስሓ ናብ ቅድስና ዝበጽሑ ከም ከም ቅድስት ጆቫኒ ሜሪ ቪያነ ቅዱስ ሊዮፖልድ ማንዲች ኣብዚ ቐረባ ግዜ ድማ ቅዱስ ፒዮ ብዓል ፒየትራልቺናን ብፁዕ ሚካሎ ሶፖቺኮን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ካህናት ብምዝካር፡ ምስጢረ ንስሓ ንውሽጣዊ ሓድነት ነፍሲ ወከፍ ሰብን፡ ንቤተክርስትያን ከም ዝሓንጽን፡ ምስ ሕብረተሰብን ዓለምን ክትዋሳእ ሓድሽ ጸዓት ከም ዝህባ ኣረጋጊጾም፡ ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣናዘዝቲ ካህናት ኣገልገልቲ መለኮታዊ ምሕረት፡ ገዛእ ርእሶም “ብእሙን ቀዋምነት” ምስጢረ ንስሓ ዝቕበሉ ክኾኑ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
