ድለ

2026.03.11 ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሮማ ንር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ተወፋይነት ወንጌላዊ ተልእኾ ንምሕባር 2026.03.11 ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሮማ ንር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ተወፋይነት ወንጌላዊ ተልእኾ ንምሕባር 

ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሮማ ንር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ተወፋይነት ወንጌላዊ ተልእኾ ንምሕባር

እናቴ ሱራቢላ ህንዳዊት መነኮስ ኣባል ማሕበር ደናግል ኽርስቶስ ምምሳል ዕለት 11 መጋቢት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተሳስተፈት ኣብ ምዝዛም ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ቅዱስነቶም ተራኺባ ኣብ ኣብ ኢትዮጵያ "ፈውሲ፡ ተስፋን ፍቕርን ንምቕራብ፡ ኣብ ሓደ ካብ ዝደኸዩ ዞባታት ዓለም ጥዑይ ዝምድና ንምህናጽ" ቃል ዝኣተወትሉ ኣገልግሎታ ከም ዘካፈለቶም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ንዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ከም ፈውሲ፡ ተስፋን ፍቕርን ንምምስካር ቃል ዝኣተወት ህንዳዊት ኣባላ ማሕበር ደናግል ንኽርስቶስ ምምሳል እናቴ ሱራብሂላ ኣብ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ዞባታት ዓለም ጥዑይ ዝምድናታት ንምህናጽ ብተወፋይነት ኣብ ሃስፍሆተ ወንጌል እትህቦ ኣገልግሎት ብዘለዋ ናይ ሕክምና ሞያ ንህሙማን ኣብ ምእላይን ብዘይመኽሰባውያን ትካላት ግብረ ሰናይ ተደጊፋ ንኣሽሓት ኣባይቲ ስድራ እተቕርቦ ሓገዝን ከምኡ እውን ሕርሻዊ ተበግሶታት ኣብ ምስፋሕ እተቕርቦ ኣገልግሎት ንር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ከም ዘካፈለቶም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ትብዓት

ኣብ ህንዲ ዞባ ኬራላ ዝተወልደት ኣባል ማሕበር ደናግል ንኽርስቶስ ምምሳል ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ጉራጌ ንዝርከቡ ሕሙማት ኣብ ምግልጋል እትርከብ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ እተገልግለሉ ኣብ ዝነበርትሉ እዋን ጭውያ እውን ኣጋጢምዋ ከም ዝነበረን ድሕሪ ናጻ ምልቓቓ እውን ነቲ ዓሚቕ ውሽጣዊ ስንባደ ክትሰግሮ ክትፍትን ናብ ህንዲ ተመሊሳ ከም ዝነበረትን፡ ድሕሪኡ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሳ ትብዓትን ሓይልን ረኺባ፡ ኣብኡ ድማ ኣብ ቡራት ክሊኒክ መስሪታ ህሙማን ኣብ ምግልጋል ከም እትርከብን ሎሚ ድማ ሳላ ቍጠባዊ ደገፍ ዝተፈላለያ ትካላት ግብረ ሰናይ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ብፍልጠት ክዓቢ ትሕግዝ፡ ነቲ ዝጸንሐ ንጥፈታት ሕርሻ ብምድልዳል ሕዝቢ ገዛእ ርእሱ ብመግቢ ክውሕስ ኣብዚ መዳይ እውን እተቕርቦ መደብ ህንጸት ንር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ከም ዝሓበረቶም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 Mar 2026, 15:45