ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጳጳሳት ፈረንሳ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጳጳሳት ፈረንሳ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ  (AFP or licensors)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጳጳሳት ፈረንሳ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ጉባኤ ጳጳሳት ፈረንሳ ኣብ ሉርድስ ናብ ዘካየዶ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ጳጳሳት ካቶሊካዊ ትምህርቲ ክከላኸሉ፣ ግህሰት ኣብ ምግጣም ጽኑዓት ኮይኖም ክቕጽሉን ኣብ ጥንታዊ ሊጡርጊያ - Vetus Ordo ኣዚዮም ንዝተኣሳሰሩ ማሕበረሰባት ተቐብልቲ ኩኒ እንክብሉ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ መኽፈቲ እቲ ካብ ዕለት 24 – 26 መጋቢት ናብ ዝተኻየደ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ፈረንሳ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ትምህርቲ፡ ግህሰትን ስርዓተ ኣምልኾን (ሊጡርጊያ) ዝብሉ ዝክረ ነገራት ኣማእኪሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምክልኻል ካቶሊካዊ ትምህርቲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘጋጠመ ግህሰት ዝፈጥሮ ህዝባዊ ሻቕሎት እናሃለወ ኽነሱ "እናዓበየ ዚኸይድ ዘሎ ጽልኢ" ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ንትምህርቲ ካቶሊክ ኣብ ምክልኻል ጽንዓት ክህልዎም ተማሕጺኖም፡ ናይ ካልኦት እምንቶ ብምኽባር ብፍላይ ከኣ ክርስትያናዊ መንነት ምዕቃብ ህጹጽ እዩ እንክብሉ ጻውዒት ከም ዘቅረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ግህሰት፡ ምሕረት ንኹሉ

እቶም ጳጳሳት ኣብቲ ኣኼባ ዝተዘራረብሉ ካልኣይ ርእሰ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝፍጸም ግህሰት ዝምልከት ኮይኑ፡ ኣብ ፈረንሳ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ቅልውላው ንምግጣም ቀጻሊ ጻዕርታት ከም ዘካየደትን ተካይድ እውን ከም ዘላን፣ ብፍላይ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. ብዛዕባ ጾታዊ ግህሰት ዝምልከት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ዓውደ ጉባኤ ድሕሪ ምዝዛሙ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታ ዕለት 8 ለካቲት 2019 ጾታዊ ዓመጽ ዝከታተል ሽማግለ ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፣ ነዚ ዓመጽ እዚ ብዝተፈላለየ ደረጃ ኣብ ምግጣም ከም እትርከብን ኣብቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተካየደ ዓውደ ጉባኤ ብዝዕባ ጾታዊ ዓመጽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቤተ-ክርስትያን ነቲ "ዝተዓፈነን ጽሞናውን ኣውያት" ግዳያት "ጽን ምባልን ምስማዕምን ግዴታ እዩ” እንክብሉ ዝስመሩሉ ሓሳብ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምዝካር፡ ነዚ ብምድጋፍ ንጳጳሳት ፈረንሳ ነቶም ግዳያት ምስማዕን ምክንኻንን ክቕጽሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ናይ ምክልኻል ስጕምትታትን ምሕረት ኣምላኽ ናብ ኵሉ ሰብ ምስፋሕን ከም ዘድሊ ኣጕሊሖም፡ ወሲኾም "እቶም በዚ ገበን እዚ ተሓተትቲ ዝዀኑ ካህናት ካብዚ ምሕረት ክውገዱ የብሎምን፡ የግዳስ ንኣተስተንትንዎ ሓዋርያዊ ጒስነት ርእሰ ጉዳይ ክኾኑ ኣለዎም፡” እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ንጳጳሳት ፈረንሳ፡ ብዙሓት ሰባት በቲ ገሊኦም ካህናትን ብዝፈጸምዎ ግህሰት "ኣጸቢቖም ከም እተተንከፉ" ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብኣቶም ዘለዎም እምንቶ ከም ዘሐደሱ ኣፍሊጡ።

ሊጡርጊያን ስርዓተ ቅዳሴ ትረንቶ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ብፍላይ ኣቓልቦ ዚግበረሉ" ጕዳይ ከኣ ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ምስ ጥንታዊ ስርዓተ ቅዳሴ (ብመሰረት እቲ ኣብ ቅድሚ ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካን ዚዝውተር ዝነበረ ስርዓተ ቅዳሴ ብቋንቋ ላቲን) ዝተሓሓዙ ማሕበረሰባት ኮይኑ፡ በዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እዚ ዅነታት እዚ "ኣብ ውሽጢ ቤተ - ክርስትያን ብዛዕባ ሊጡርጊያ ዘሳቒ ቝስል" ኪኸፍት ከም ዚኽእል ኣተሓሳሲብዎም ከም ዝነበረን እቲ ዘገድስ ሓድነት ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ቤተ - ክርስትያን ንደቃ እትከናኸን ኣደ እንተ ዀይና ቍስሊ ከተሕውን ንኻልኦት "ብሓድሽ ምርዳእን ብዝያዳ ተሃዋስነትን" ክትርእዮም ከም ዘለዋ ገሊጾም፡ ስለዚ ንጳጳሳት ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ነቶም ምስ Vetus Ordo - ጥንታዊ ስርዓተ ሊጡርጊያ ብቕንዕና ዝጣበቑ ንመምርሒታት ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካን እሙናት እናዀኑ ብልግሲ ዝሓቑፎም "ጭቡጥ መፍትሒታት" ከናድዩ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንጹር ምልክታት ተስፋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንቤተ - ክርስትያን ዘጋጥም ዘሎ "ጽንኩር እዋን" ኣፍልጦ ሂቦም፡ "ምልክታት ተስፋን ህላወ ኣምላኽን ኣብ ልቢ ሰባት" ጠቒሶም። ሓደ ኻብዚ ምልክታት እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ቍጽሪ ንኡሳን ክርስቲያን ዘርእዮ ዘሎ ዕብየት ከም ኣብነት ኣቕሪቦም፡ ቍጽሪ እቶም ዕለት 4 ሚያዝያ ኣብ በዓል ትንሳኤ ዘእግዚእነ ምስጢረ ጥምቀት ዝቕበሉ ክብ ከም ዝበለን ኣብ ቀረባ እዋን ዋዕላ ጳጳሳት ፈረንሳ ብዝሒ እስቶም ንኡሳን ክርስቲያን ብወግዒ ክሕብር ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ 2025 17,800 ንእሳን ክርስቲያን ከም ዝነበሩን፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ድማ እቲ ቝጽሪ ልዕሊ 20,000 ኪኸውን ከም ዝኽእል ግምት ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ብምሕባር፡ እዚ ሓድሽ መንፈሳዊ ተገዳስነት ዜንጸባርቕ እኳ እንተ ዀነ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ዚኣክል እናነከየ ዚኸይድ ዘሎ ቅጽሩ ዝውለዱ ህጻናትን ምስጢረ ጥምቀት ዝቕበሉ ቆልዑን ግን ክርአ ዘለዎ ምዃኑ ይሕብር ይብል።

26 Mar 2026, 16:22