ድለ

2026.02.05 Sacerdoti e Monaci delle Chiese Ortodosse Orientali 2026.02.05 Sacerdoti e Monaci delle Chiese Ortodosse Orientali  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፣ ንካህናትን መነኮሳትን ጽብሓውያን ኦርቶዶክስ 'ኣብ ሓባራዊ እምነት ክዓብዩ' ተማሕጺኖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመንእሰያት ካህናትን ፈለስትን ካብ ጸብሓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ንዝመጹ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ነቲ ሓባራዊ ውርሻኦም ብምድጋፍ፣ 'ኣብቲ ናይ መወዳእታ ምንጪ ሰላምና ዝዀነ ክርስቶስ ዘሎና ሓባራዊ እምነት ምእንቲ ኽዓብዩ’፣ ንሓድሕዶም ንምድጋገፍ ጻዕርታት ክገብሩ ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"እቲ ኣብ ኣብያተ-ክርስትያንና ዘሎ ታሪኻውን ባህላውን ፍልልያት ዘደንቕ ሞዛይክ ናይቲ ሓባራዊ ክርስትያናዊ ውርሻና ዘመልክት ኢዩ፣ ነዚ ድማ ኵላትና ከነማስወሉ እንኽእል ነገር ኢዩ" በሉ ቅዱስ ኣቦና።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሓሙስ ዕለት 05 ለኻቲት፣ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ነዚ ሓሳባት እዚ ብምክፋል፣ ነቶም ካብ ጸብሓውያን ኦርቶዶክሳውያን ቤተ-ክርስትያን ንዝመጹ መንእሰያት ካህናትን መነኮሳትን፣ ኣብቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ክርስቲያናዊ ሓድነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር እተወደበ ናይ መጽናዕትን ዑደትን መደብ ንዝሳተፉ ዘለዉ ተቐቢሎም መደረ ኣቕረቡሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ ካብ ንኣርመንያ፣ ግብጺ፣ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ከምኡ ውን ሲሮ ማላንካራን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ተወኪሎም ንዝመጹ ካህናትን መነኮሳትን ቃል ሰላምታ እንከቕርቡሎም፣ ነቲ ቅዱስ ጴጥሮስ "ንኹልኹም ብክርስቶስ ዘሎኩም ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን" ብምባል ሓንጐፋይ ቢሎም ተቐበልዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተወከልቲ ካህናትን መኮሳትን ጸብሓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስትያን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተወከልቲ ካህናትን መኮሳትን ጸብሓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስትያን   (@VATICAN MEDIA)

ንሓድሕድኩም ተደጋገፉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደረኦም ኣብዚ ቐረባ እዋን ቤተ-ክርስትያን ንክርስትያናዊ ሓድነት እትጽልየሉ፣ ቅነ ጸሎት ከም ዘለፈት ብምዝካር፣ እቲ ፍረ ነገር ናይቲ ቅነ ጸሎት ካብቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፎ መልእኽቲ እተወስደ ቃል ኢዩ ዝንበረ፣ ኣብኡ ድማ ሓዋርያ ጳውሎስ፣ "ከምቲ ናብ ሓደ ተስፋ ዝተጸዋዕኩም፣ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን ኣሎ" ብምባል ኣብ እምነት ሓድነት ምምስራት ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕልሑ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መላእ እስራኤልን ንእሽቶ እስያን ሶርያን ምድሪ ዓረብን ኣውሮጳን ዝገበሮ ሰፊሕ ጕዕዞታት ኣስተንተኑ። ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ፣ እዚ ጕዕዞታት እዚ ንቅዱስ ጳውሎስ፣ ብዛዕባ ፍሉይ ባህርያት ነፍሲ ወከፍ ቤተ-ክርስትያንን፣ እንተላይ ብዛዕባ ዓሌታዊ ድሕረ-ባይታን ልምድታቶምን ፍሉይ ብድሆታቶምን፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን እዞም ማሕበረሰብ እዚኣቶም ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያቶም ኪጥምቱ ወይ እምብዛ ኣብ ዜተሓሳስቦም ነገራት ኬተኵሩ ንዝገብሮም ነገራት ብዝያዳ ኸም ዝፈልጥ ገበሮ።

በዚ ምኽንያት እዚ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ "ኣብ ብምሉኡ መልእኽትታቱ ቅዱስ ጳውሎስ ክፍሊ እቲ ሓደ ዝኾነ ምስጢራዊ ኣካል ክርስቶስ ምዃኖም ኬዘኻኽሮም ወሲኑ ነበረ" በሉ።  ቅዱስነቶም ወሲኾም፣ "ከምዚ ብምግባሮም ንሓድሕዶም ኪደጋገፉን ነቲ መልዕልተ ባርያዊ ዝኾነ ሓድነት ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ሓድነት እምነትን ትምህርትን ክዕቅቡ ኣተባብዖም" በሉ።

ንገዛእ ርእስና 'ኣጽዋር ምርጋፍ' ንመሃር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ኣብ ናይ ንግሆ ክፍለ ግዜ ዝረኸብዎም ተወከልቲ ጸብሓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያታተ ክርስትያን፣ ነቲ ዘለዎ ሓባራዊ ክርስትያናዊ ውርሻ ብምጥቃስ ነኣድዎም፣ ብሓባር ክንዓዪን ክንጽልን ኣድላዪ ምዃኑ ድማ ኣጕልሑ።

"ኣብቲ ቐንዲ ምንጪ ሰላምና ዝዀነ ክርስቶስ ዘሎና ሓባራዊ እምነት ምእንቲ ኽንዓቢ፣ ንሓድሕድና ብቐጻሊ ኽንደጋገፍ ኣሎና" ብምባል ድማ፣ እዚ ዕቤት እዚ ብኸመይ 'ኣጽዋር ከም እነራግፍ' ምልምማድ ከም ዚሓትት ገለጹ።

ብሓድነትን ልግስን እናዓበየ ይኸይድ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደረኦም፣ ነቶም ኢቁመናዊ ፓትርያክ ቍስጥንጥንያ ንዝነብሩ "ፊተውራሪ ኢቁመናዊ ምንቅስቓስ" ቢሎም ብምጽዋዕ፣ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ ኣትናጎራስ ቀዳማዊ፣ "ቅኑዕ ክኸውን፣ ንኻልኦት ብምፍራድ ንገዛእ ርእሰይ መመኽነይታ ክረኽበላ ካብ ዝደልየሉ ዘበለ ኩሉ፣ ዕጥቀይ ኣራጊፈ እየ" ንዝበልዎ ቃል እውን ጠቒሶም። ኣብ ክንዳኡስ እዞም ኢቁመናዊ ፓትርያርክ ኣብቲ "ዝኸበደ ውግእ" ማለት "ምስ ርእስኻ ዝግበር ውግእ" ይሳተፉ ከም ዝነበሩ መስከሩ።

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ "ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጽልኢ ምስ ኣወጊድናዮን፣ ንልብና ምስ እነጽርዮን፣ ብጸጋ ኢና እንዓቢ፣ ብዝያዳ ብሓባር ንዓዪ ከምኡውን ነቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና ሓድነት ነደልድሎ"፣ በዚ ኸምዚ ድማ ክርስትያናዊ ሓድነት "ንሰላም ኣብ ምድርን፣ ንሕድሕዳዊ ዕርቅን" ከም ዝኸውን ንገበሮ ክብሉ ተላበዉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደምደምታ፣ ነቲ ዝገበርዎ ምብጻሕ ዘለዎም ምስጋና ብምግላጽ፣ ምስ ቅዱስነቶም ሓቢሮም ጸሎት ኣቦና ኣብሰማያት እትነብር ብሓባር ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕረቡሎም፣ ንጐይታ ድማ ክባርኾምን ክሕልዎምን ብምጽላይ መደረኦም ዛዘሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ምስ ተወከልቲ ካህናትን መነኮሳትን ጸብሓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያት ክርስቲያን
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ምስ ተወከልቲ ካህናትን መነኮሳትን ጸብሓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያት ክርስቲያን   (@Vatican Media)
06 Feb 2026, 15:23