ድለ

2026.02.13 እናቴ ኒና ክራፒች ሓዳሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምኽትል ሓላፊት 2026.02.13 እናቴ ኒና ክራፒች ሓዳሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምኽትል ሓላፊት  

ር.ሊ.ጳ. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምኽትል ሓላፊት ሰምዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት በዓል መዚ እናቴ ኒና በነዲክታ ክራፒች ነታ ካብ ወርሒ ሓምለ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምኽትል ሓላፊ ኮይና ንዘገልገለት ብምትካእ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምኽትል ሓላፊት ንኽትከውን ከም ዝሰመይዋ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንእናቴ ኒና በነዲክታ ክራፒች፡ ዕለት 13 ለካቲት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ምኽልት ዋና ሓላፊ ኮይና ንኸተገልግል ከም ዝሰመይዋ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣስዒቡ፡ እዚ ድማ ነታ ካብ ወርሒ ሓምለ 2019 ኣትሒዛ ምኽትል ዋና ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኮይና ዘገልገለት ካብ ዝነበራ ሕላፍነት እትሰናበት ዘላ ክሪስቲያነ ሙራይ ንምትካእ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።

እናቴ ክራፒች ዕለት 7 ሰነ 1989 ኣብ ክሮኣሺያ ከተማ ሩዠካ ዝተወለደትን ኣብ 2015 ካብ መንበረ ጥበብ ሪጀካ ብሕጊ ቀዳማይ ናይ ትምህርታ ማዕርግ ዝርኸበት፡ ድሒራ ድማ ኣብ 2023 ኣብ መንበረ ጥበብ ዛግረብ ብስነ ፍልጠት ህዝባዊ ርክባት ካልኣይ ናይ ትምህርቲ ማዕርግ ኣመስኪራ ኣብ ማሕበር ደናግል ቅዱስ ቪንሰንት ደቂ ፍቕሪ ዕለት 13 ነሓሰ 2023 ዓቢይ መብጽዓ ከም ዝገበረትን ከም ጋዜጠይናን ኣማኻሪት ሕጊ ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ዝተገለሉ ውልቀሰባትን ኮይና ዘገልገለት፡ ብተወሳኺ ኣብ ርእሰ ሰበኻ ሪጀካ ሓላፊት ሽማግለ ጉዳያት ግብረ ሰናይ ኮይና እውን ከም ዘገልገለት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ካብ 2023 ኣትሒዛ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን በዓል መዚ ኮይና ኣብ ምግልግላ ከም እትርከብን ከምኡ እውን ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጎሪያና ብማሕበረሰብኣዊ ስነ ፍልጠት ናይ ሊቕነት ንምርግጋጽ ትምህርቲ ትከታተል ከም ዘላ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ጉዳያት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ፡ ነታ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሐምን ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ሓላፊት ኮይና ዘገልገለት ናይ ኣገልግሎት ዘመና ዘብቀዐት ክርስቲያን ሙረይ ስለ ኣገልግሎታን ተወፋይነታን ሞያኣን ልባዊ ምስጋና ድሕሪ ምቕራብ ብተመሳሳሊ ድማ ንእናቴ ኒና በነዲክታ ክራፒች ኣብቲ ዓቢይ ሞያውን ሰብኣውን ባህርያታ ብምትእምማን ፍረ ዘለዎ ስራሕ ከተበርክት ዘለዎም እምነትን ትምኒትን ድማ ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።

14 Feb 2026, 16:23