ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ነቲ ኣገዳሲ ሕመረት ክርስትያናዊ መልእኽቲ ዳግማይ ክንረኽቦ ይግባእ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሃገር ቫቲካን ንኣኽበርቲ ሕጊ ናይ ከተማ ሮማ ኣባላት ወተሃደራዊ ሓይሊ ጸጥታ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ነቶም “ኣብ ከተማ ሮማን ኣብ መላእ ዞባ ላዚዮን ስርዓትን ጸጥታን ኣብ ምሕላው ዘገልግሉ” ሰባት ኣብ ምቕባልን ምስ ሰባት ንምርኻብን ዕድል ብምርካቦም ገሊጾም፡ ዓመተ ኢዮቤል ብፍላይ ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት እኳ እንተነበረ፡ ኣባላት ወተሃደራዊ ኣኽበርቲ ጸጥታ ብውልቅን ብሞያን ዘሀብትም ተመክሮ ክህልዎም ብምግባሩ ድማ ዝተሰምዖም ሓጎስ ኣካፊሎም፡ "ብሓቂ ንኹላትና ኣብ ሮማ እንነብርን ንኣኻትኩም ኣብ ሓለዋ ጸጥታ ንተገልግሉ ናይ ብዙሓት ነጋዲያን ምስክርነት ኣበርቲዑናን ኣነቓቒሑናን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቀዳሞት ዘመን ክርስትና
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ሓሳቦም ናብቲ ኣብ ሮማ ዝነበረ ናይ መጀመርታ ዘመን ክርስትና ኣቕኒዖም፣ ብስራት ኢየሱስ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት፣ እንተኮላይ ኣብ ሓይሊ ምክልኻል ክፍልታት እውን ከም ዝሰፈሐን። እዚ ብስራት እዚ “ሓድሽ ኣነባብራን ኣተሓሳስባን: ፍቕርን ምሕረትን ይቕረታን ዝዀነ ኣምላኽ: ኣብ መንጎ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ንዅሉ ማሕበራውን ዓሌታውን ፍልልይ ዝሰግር ሕውነት” እዩ ነይሩ።
ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣኽበርቲ ሕጊ ኢጣልያ ዝኾነ ብክራቢኒየር ዝጽዋዕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጸጥታ ራብዓይ ጨንፈር ሓይሊ ምክልኻል ኢጣሊያ ምዃኑ ብምዝካር ድማ፡ ሃይራርቅን ወይ ድማ ስርዓተ - ስልጣንን፡ ትእዛዝን ተኣዛዝነትን እንታይ ማለት ምዃኑ ዝፈለጥ ምዃኑ ኣጉሊሖም፡ ብተመሳሳሊ ወንጌል፣ ኣብ ምሉእ ዘመናት፣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ዝኣተዎ ስልጣነታት ኣቃውማን መትከላትን ቅዲ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ብዕምቆት ከም ዝጸለዎ ኣብሪሆም፡ ኰይኑ ግና፡ “ከምዚ ዝገበረ ሰውራዊ ዓመጽ ዘይኰነስ፡ ብሰላማዊ ምልዋጥ ካብ ውሽጢ፡ ብሕልናን ምልዋጥ ልብን እዩ። በዚ ኣቢሉ ድማ ወንጌል ብዛዕባ እግዚኣብሔርን ሰብኣውነትን ሓድሽ ርድኢት ኣምጺኡ፣ እዚ ድማ ብፍጹም ኣኽብሮት ሕይወትን ንነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብን ዝተለለየ፣ ምስቲ ናብ ኣምላኽ ጥራይ ዝቐንዐ ኣምልኾ ዝሓበረ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ኩሉ ዘመን ኣብ መላእ ዓለም
ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "እዚ ኣብ ኵሉ መዋእል ኣብ ዓለምን ኣብ ሮማን እውን ከይተረፈ ክፍጸም ዝኽእል ዶ ምዃነ?" እንክብሉ ሓቲቶም፡ እወ ዝከኣል እዩ ነይሩ፣ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከምኡውን ትምህርትታትን ኣብነታትን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ዘረጋግጽ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡
ነዚ ንምግባር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሉ ሰብ "ኣገዳሲ ማእከል ክርስትያናዊ መልእኽትን መንፈስን እታ ቐዳመይቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኣዝዩ እተፈልየን ኣዝዩ እተሓላለኸን ኵነታት ዓለምና ንኼንጸባርቕ" ተማሕጸኖም። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ "ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎሚን ንዘለኣለመም ሓደ እዩ" ቢሎም፡ ንወተሃደራዊ ሓለዋ ጸጥታ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ቫቲካንን ኣብ ከተማ ሮማን ስለቲ ዝገበርዎ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም። ኵሉ ሳዕ ሓላፍነቶም "ብቕኑዕ ሕልና ንመትከልን ስርዓታትን ወተሃደራዊ ሓለዋ ጸጥታን ከም ክርስትያናት መጠን ከኣ ነቲ ንዅሉ ዕላማን ኵሉ ተግባርን ብጸጋ ክርስቶስ ዚመልኦ ወንጌልን እሙናት ኪዀኑ" ኣተባብዖም። ንኣባላት ወተሃደራዊ ሓይሊ ጸጥታን ስድራ ቤቶምን ንሓለዋ ማርያም (ፍልዩ ናይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጸጥታ መለለዪ) ድንግል Virgo Fidelis - ተኣማኒት ድንግል ኣማሕጺኖም፡ ንነፍሲ ወከፎምን ንስድራቤቶምን ኣገልግሎቶምን ባሪኾም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
