2026.02.08 Personale dei Servizi della Floreria e dell'Edilizia 2026.02.08 Personale dei Servizi della Floreria e dell'Edilizia  (@VATICAN MEDIA )

ር. ሊ. ጳ.፦ ንሰራሕተኛታት ሃገረ ቫቲካን ስለቲ ስዉርን አገዳስን ኣገልግሎቶም ኣመስገንዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ቀቅድሚ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ዘዕርግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚባሔር ምስ ኣመሓደርትን ሰራሕተይናታትን ቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ህጸት ሃገረ ቫቲናን ኣባላት ስድራ ቤቶም ተራኺቦም ቃል ሰላምታ ኣካፈልዎም፣ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝለገሱሎም ቃል "እምነትን ጸሎትን ንዅሉ እንገብሮ ስራሓት ምሉእ ትርጕም ከም ዝህቦ" ክዝክሩ ድማ ተማሕጸንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኣመሓደርትን ሰራሕተይናታትን ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ህንጸት ቫቲካን ተራኺቦም ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን፣ ኣብ ውሽጢ ሃገረ ቫቲካን ስነ-ስርዓትን ድሕንነትን ንምዕቃብ ሰለ ዝገበርዎ ጻዕሪ ምስጋናኦም ገለጹሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደረኦም፣ "ከም ኣመሓደርትን ሰራሕተይናታት ከምኡውን ኣገልገልትን ናይዘን ክልተ ክፋላት ከተማ ቫቲካን መጠን፣ ብፍላይ ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ እተዛዘመ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ብኣገልግሎትኩም ዓብዪ ተወፋይነት ኣርኢኹም ኢኹም" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣጕልሑ።

ብምኽንያት ተወፋይነቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት በቲ ቕዱስ ኣፍ ደገ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቢሎም ብምሕላፍ "ብስርዓትን ህድኣትን ኣብ ጽምብላትን መሥዋዕተ ቅዳሴን ካልእ መደባትን ብፍረ ዘለዎ መንገዲ ብምስታፍ" ንግደት ከካይዱ ፍልይ ኣጋጣሚ ኸም ዝረኸቡ ኣመልከቱሎም።

ንመጻኢ ምጥማት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስለ ጻዕሮም የመስግንዎም እኳ እንተ ኾኑ፣ ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ክትግበር ተራሒዙ ዝሎ ውጥናት እውን ኣተባብዕዎም። ብፍላይ ነቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ኣኼባታት መደባትን ንጸሎትን ተባሂሉ እተዳለወ ቦታታትን፣ ብፍላይ ከኣ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዝተተሓዘዘ ብቐጻሊ ምምሕያሽ ተክኒካዊን ሎጅስቲካዊ ኣገልግሎትን ክንክንን ክገብሩ ከም ዘለዎም ኣመልከቱሎም።

ብተወሳኺውን ክብሪ ናይዞም ቦታታትን ንጽህናኦምን ኩነታት ህንጻታትን ብምምልካት "ንመንፈሳውነት  ምእመናን ከምኡውን ንጕስነታዊ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ምድጋፍ ዝለዓለ ትርጕም ከም ዘለዎ" ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ኣመሓደርትን ሰራሕተይናታትን ሕንጸን ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ኣመሓደርትን ሰራሕተይናታትን ሕንጸን ሃገረ ቫቲካን   (@VATICAN MEDIA)

ብፍላይ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ "ናይ ኣስተንትኖን ተዘክሮን መንፈሳዊ ኣድናቖትን ቤተ መቕደስ" ጌርካ ኽዕቀብ ዘለዋ ቕዱስ ስፍራ ምዃኑ ኣትሪሮም ኣመልከቱሎም። እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ቅርዐት በቲ ዓዕኑድ ኣቢሉ ንዅሉ ሰብ ንምቕባል ኣእዳዉ ዝዝርግሕን፣ "ከምቲ እንብሎ 'ናይ ዕድመ ቀረቐት' እቲ ዅላትና ከም እንቕበሎ እዩ።"

ኵላትና ሓድነት ኣሎና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ንኣባላት ቤት ጽሕፈት ስፍራ ኣታኽልቲ ቫቲካንን ንኣገልግሎት ህንጸት ቫቲካንን መዓልታዊ ዕዮኦም ኪፍጽሙ ኸለዉ፣ ብዛዕባ እቶም ናብቲ ንሳቶም ዝከናኸንዎ ቦታታት ዝመጹ ዅሎም ኪሓስቡን ምእንታኦም ኪጽልዩን ጻውዒት ኣቕረቡሎም። ኣስዕብ ኣቢሎም እውን "እምነትን ጸሎትን ንዅሉ እቲ እንገብሮ ነገራት ምሉእ ትርጉም ኢዩ ዝህቦ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ኣመሓደርትን ሰራሕተይናታትን ሕንጸን ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ኣመሓደርትን ሰራሕተይናታትን ሕንጸን ሃገረ ቫቲካን   (@VATICAN MEDIA)

ብተወሳኺውን ቅዱስ ኣቦና መዓልታዊ ዕዮኦም "ብርግጽ ንሃዋርያዊ ተልእኾ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምስትውዓልን ክቡርን ኣገልግሎትን ምዃኑ" ኣፍልጦ ሃብሉ። እዚ ክፍሊ ናይቲ ኣብ ምሕደራ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ሰፊሕ ዕዮን ከምኡውን ኣመሓደርቲ መሰረተ ልምዓትን ኣገልግሎሮምን ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን እተዋህቦም ብዙሕ ዕዮታት ብጥንቃቐ ስለ ዝቈጻጸርዎ ዘለዉ ነኣድዎም።

"ነፍሲ ወከፍና ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ግደ ብፍላይ ከኣ ኣብ ግዜ ፈተና ከም ኣባላት ሓደ ኣካል ምዃንና ኽንዝክር ኣሎና" ብምባል እውን ኣጕልሑ። ስለዚ ዕላማና ንወንጌል "ከም ትእዛዝ እቲ ሕያዋይ ጓሳን ርእሲ ቤተ ክርስትያንን ዝዀነ ጐይታ" ንምምስካር እዩ ክብሉ ድማ ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።

09 Feb 2026, 14:23