ር.ሊ.ጳ.፦ ኣብ ዞባታት ድኽነትን ውግእን ኣገልግሎትኩም ቀጽሉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሰንበት ዕለት 22 ለካቲት ኣብ ሮማ ከባቢ ካስትሮ ፕሪቶርዮ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ሓውጾተ ኖልዎ ዘካየዱ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ድሕሪ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስቶም ነቲ ቁምስና ዘምሓድሩ ኣባላት ማሕበርሰብ ሳሊዢያን ከም እተራኸቡን ኣብቲ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ "መንእሰይ እንኮለኹ፡ ቅድሚ ናብ ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ምእታወይ፡ ናብ ማሕበረሰብ ሳሊዥያን በጺሐ ነይረ፡ ካልእ ግዜ ተመስለ ይቕሬታ! ዝብል መልሲ ከም እተወሃቦም ብፍሽኽታ ዘኪሮም፡ ኣስዒቦም ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም፡ “ውግእ ካብ ዝካየደሉ ግጭትን ድኽነትን ኣብ ዝረኣየሉ ከባቢ ኣብቲ ኢየኡስ ክህልወሉ ኣብ ዝመረጾ ሰብኣዊ ኩነታት” ተዋፊሮም ንዘቕርብዎ ኣገልግሎቶም ብምድናቕ ከም ዘመስገኑን ኣብ ጎደናታት ሮማ እውን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ክርስቶስን ጭቡጥ ዝኾነ ቅርበት፣ በቲ ብናይቲ ቍምስና ቤት ምኽሪ ሓዋርያዊ ጉስነት ዝምራሕ ንጥፈታት ግብረ ሰናይ ኣቢሎም ንዘሳልጠዎ ኣገልግሎት እውን ብልቢ ከም ዘመስገኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ምስ ኣባላት ማሕበር ሳሊዢያንን ምስቲ ናይቲ ቍምስና ቤት ምኽሪ ሓዋርያዊ ጒስነትን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ጠቕላሊ ዓቃቤት መንበር ሰበኻ ሮማ ካርዲናል ባልዶ ረይና እውን ክም ዝሓበሩ ኣፍሊጡ።
እቲ “ዘይተጻሕፈ ምልክታት” ግብረ ሰናይ
ሳላ እቲ ቅዱስ ጆቫኒ ቦስኮ ብትምኒት ክልተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ ታሽዓይን ልዮን መበል 13ን ተደሪኹ ክህነጽ ዝገበሮ ቤተ ክርስቲያን - ባዚሊካ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ንሓውጾተ ኖልዎ ዝተረኽቡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናይ ማሕበር ሳሊዥያን ዓቢይ ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ፋቢዮ ኣታርድ ድሕሪ ዘቕረብዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ሰላምታ፡ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 20 ዝተወስደ “ኢየሱስ . . . ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ዘይተጻሕፈ ካልእ ብዙሕ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ” ዝብል ቃል ጠቒሶም፡ "ንስኻትኩም ክፍሊ እቲ ኣብ ልቢ ኢየሱስ እተጻሕፈ እምበር ኣብ መጽሓፍ ዘይተጻሕፈ ተኣምራት ኢኹም፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ኣብ ብዙሕ ኵርናዓት ዓለም ኣብ ውግእ ኣብ ዘለዎ ኣብ ድኽነት ኣብቲ ኢየሱስ ኪህልወሉ ኣብ ዝሓርዮ ቦታ ነዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣገልግሎት እዚ ትቕጽልዎ ኣለኹም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ነቶም መንግስተ ሰማያት ናቶም ዝኾነት “ጽጉማትን ድኻታትን” ዝቐርብ ሓገዝ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣስዒቦም ንማሕበረሰብ ሳሊዢያንን ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልዎ መንፈሳዊ ውህበትን ዘለዎም ቅርበት ኣስሚሮም፦ “ንመንእሰያት እትህብዎ ኣገልግሎት፡ ብፍቕሪ ኣገልግሎት ሕንጸትን ትምህርትን ብኻልእ እተፈላለየ ዓይነት ኣገልግሎት እውን ኣቢልኩም እትምስክርዎ ፍቕሪ እትነብርዎ ናይ ማሕበርኩም መንፍሳዊ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ትርከቡ . . .ነቶም መንግስተ ሰማያት ናቶም ዝኾነት ድኻታትን ጽጉማትን ዘለኩም ቅርበት ዘረጋግጽ ሓባራዊ እምነትኩም ምሳኹም ሓቢረ ከብዕሎ ምኽኣለይ ነዚ ቅርበት እዚ ምሳኹም ሓቢረ እነብሮ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
“ልቢ” ኢየሱስን ናይ ከተማ ሮማን
ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሓዋርያዊ ጒስነት ባዚሊካ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ከም እተራኸቡን፡ እዛ ባዚሊካ እዚኣ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ብዝርከብ ናይ መጓዓዝያ ባቡር ዝሓልፉን ተጠቕመትን ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡን ልክዕ ከም ልቢ ኢየሱስን ልቢ ከተማ ሮማን ብምዃን ቤቶም ክትከውን ዘራጋግጽ እትነብርዎ ኣግለልጎት አመስግነኩም፡ “ብፍቕርን ምሕረትን ዝመልአ ልቢ ኢየሱስ ምንባር ብሓቂ ጽቡቕ እዩ - ቢሎም - ምሕረት ብብዙሕ ኣገልግሎታት ብብዙሕ ዓይነት ልግሲ ኢየሱስ ክርስቶስን ኣቢልኩም ቤተ-ክርስትያን ምስ ኵሎም እዞም ሰባት ዘለዋ ቅርበት ትምስክሩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
“ብሓባር ምጉዓዝ”
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መጻኢ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብቲ ቁምስና ንኸካይዱ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ቤት ምኽሪ ሓዋርያዊ ጉስነትን ትምህርታውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ንዘሳልጡን ኮሎም ማሕበረሰብን ብመንፈስ ሳሊዢታዊያን ተመሪሖምን ዘገልግሉ፡ “ብሓባር ምጉዓዝ” ዝብል ትርጉሙ “ሲኖዳውነት” ባህሪ ዝነብሩ ምዃኖም ገሊጾም፡ “ስለዚ ድማ ንስኻትኩም ንብዙሕ ጽላታት፣ ብዙሓት ማሕበረሰባት፣ ብዙሓት ክውንነታት ናይዚ ሰበኻ እትውክሉ፣ ኣብዚ ተኣኪብኩም፣ ብሓባር እተገልግሉ፣ ነዚ ጽቡቕ ሸነኽ ናይ ዓቕለሲያዊ ሕይወትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወትን እውን ትውክሉ . . . ስለ እትገብርዎ ኩሉ የቐንየልና” እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
