ድለ

TOPSHOT-MADAGASCAR-WEATHER-CYCLONE-DISASTER TOPSHOT-MADAGASCAR-WEATHER-CYCLONE-DISASTER  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ ግዳያት ህቦብላ ንፋስ ማዳጋስካር ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ምምርሖም፣ ምስቶም ኣብ ማዳጋስካር ብተኸታታሊ ዘጋጠመ ህቦብላ ንፋስ ዝሳቐዩ ዘለዉ 16,000 ዝዀኑ ሰባት ተመዛቢሎም ጥብቕ ቅርበት ከም ዘለዎም ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ደድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚባሔር ኣብ ዘካፈልዎ ቃል ሰምታን ምሕጽንታን፣ ነቶም ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብኽልተ ህቦብላ ንፋስ እተጐድኡ ሕዝቢ ማዳጋስካር ብምዝካር፣ ዘለዎም ጥብቕ ርክብ ገሊጾም። "ምእንቲ እቶም ግዳያትን ስድራቤቶምን ከምኡውን ምእንቲ ዅሎም እቶም ከቢድ ጕድኣት ዝወረዶም እጽሊ ኣለኹ" ድማ በሉ።

ሃገረ ማዳጋስካር ድሕሪ ዘጋጠማ ብርቱዕ ህቦብላ ጌዛኒን ፊትያን ኣህጉራዊ ረድኤት ክግበረላ ከም ዝሓተተትን፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ኣንጸላልዩ ከም ዘሎን ገሊጾም።

ህቦብላ ንፋስ ጌዛኒ ብዕለት 10 ለካቲት ናብ ምድሪ ማዳጋስካር ብምብጽሑ፣ ኣስታት 270,000 ንዝኾኑ ሰባት ሓደጋ ወሪድዎም ኣሎ፣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ ኣለዉ። ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር እንተ ወሓደ 40 ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት ኣቕሪቦም ይከቡ። ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መሻርኽቶምን ብምትሕብባር ድማ ሕዝቡ እታ ሃገር ንምድሓንን ንምውጻእን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምምልላስን ንምዕቋብን ከምኡ ውን መግቢ ካልእ ዘድሊ ሓገዛትን የወፍዩ ኣለዉ።

ሓድሽ ዓመት ኣውደ ዓዋርሕ እስያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ምብራቕ እስያን ካልኦት ክፋላት ዓለምን ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሕዝብታት ሓድሽ ዓመት ንምብዓል ብኸመይ ይዳለዉ ኸም ዘለዉ እውን ዘኪሮም። "እዚ ባህ ዜብል ጽንብል" እዚ "ዝያዳ ድልዱል ናይ ስድራ ቤት ርክባትን ዕርክነትን ኬተባብዕ ድማ ዘለዎም ተስፋ ገለጹ። ኣብ ኣባይትን ንሕብረተሰብን ህድኣት ዘምጽእ፣ ንመጻኢ ብሓባር ንምርኣይ ንዅሎም ሕዝብታት ሰላምን ብልጽግናን ንምህናጽ ኣጋጣሚ ይኹን" ክብሉ ድማ ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም።

ብዕለት 17 ለካቲት ሓድሽ ዓመት ዓውደ ኣዋርሕ እስያ ስለ ዝኸብር፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቡራኬ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ደቂ ሰብ ክወርድ ቅድስሚ ምጽላዮም ሰናይ ትምኒቶምን ፍቕሮምን ንዅሎም ነዚ ዓውደ ኣዋርሕ እዚ ዝኽተሉ ሕዝብታት ገሊጾም።

16 Feb 2026, 11:48