ር. ሊ. ጳ. ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ናብ ቍምስናታት ብምክያድ ናብ ሊዶ ኦስቲያ በጺሖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ልዮን መበል 14፣ ትማሊ ሰንበት ዕለት 15 ለካቲቲ፣ ዘመነ ጾም ቀቅድሚ ምጅማሩ፣ ኣብ ክፍለ ከተማ ሮማ ኦስቲያ ጕስነታዊ ምብጻሕ ኣካይዶም። ነቲ ኣብ ብምሉኡ ዘመነ ጾም ዘካየድዎ ምብሳሕ ቍምስናታት ሰበኻ ሮም ኣብ ዘፈለሙሉ፣ ኣብ ከባቢ ሰዓት 3፡45 ድሕሪ ቐትሪ ናብቲ ቍምስና ሊዶ ኦስትያ ዝኾነት ደብረ ቅድስተ ማርያም ንግስተ ሰላም ምብጻሕ ኣካይዶም።
ቅዱስነቶም ብዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሮማ ብፁዕ ካርዲናል ባልዶ ሬይናን፣ ቆሞስ እቲ ደብሪ ዝኾኑ ክቡ ኣባ ጆቫኒ ፓታኔን ድማ ምውቕ ተቕባል ተገብረሎም። እቲ ኣብ ዙርያ እታ ቍምስና ዝነበረ ህዝቢ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳስት፣ ነቲ ብመንፈሳዊ ውርሻ ቅዱስ ኣጐስጢኖስን ኣዲኡ ቅድስቲ ሞኒካን ዝፍለጥ ቦታ ብምምልካት ብድሙቕ ሰላምታ ተቐበልዎም።
"እዚ ጉስነታዊ ምብጻሕ እዚ ኣብ ዘመነ ጳጳስናይ፣ ናብ ሰበኻ ሮማ ካብ ዝገብሮ ዘሎኹ ዑደት እቲ ናይ መደመርታ ምጽሕ እዩ። ኣብዚ ኣብ ቍምስና ኦስቲያ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ንቅድስት ማርያም ንግስተ ሰላም እተወፈየ ደብሪ ክጅምር ብምኽኣለይ ከአ ኣዝየ እየ ዝሕጐስ፣ እዚ ኵስሚ እዚ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና እዋን ኣዝዩ ትርጕም ዘለዎ ስያሜ እዩ" ድማ በሉ።
"ህሉውን ዘቍስልን" ዓመጻ
እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምብጻሕ ዘካየዱሉ ኸባቢ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ገበንን ዓመጽን ዝፍጸመሉ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣርእስተ ዜና ኮይኑ ዝርከበሉ ብምዃኑ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ቍምስና ተረኺቦም ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ኣብዚ ከባቢ እዚ ዓመጻ "ህልዉን ዘቝስልን" እዩ። እዚ ዓመጻ እዚ ሓድሓደ ግዜ ኣብ መንእሰያት ይወርድ፣ "ምናልባት ብኣጠቓቕማ ዕጸ ፋርስ እተለዓዓለ" ወይ ከኣ በቶም ንውልቀ-ሰባት ዝምዝምዙ ኣካላት፣ ናብ ገበናት ዘምርሕን ከምኡውን "ብዘይሕጋውን ብዘይስነ-ምግባራውን መገድታት ዘይፍትሓዊ ረብሓታት" ዝደሊ ናይ ገበነኛታት ውድባት ብዘካይድዎ ምንቅስቓሳት እዩ ዝምራሕ።
በዚ ምኽንያት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዅሉ ሰብ ብተስፋ ናብ ላዕዕልን ናብ ታሕትና ናብ ኩሉ ወገናት ሕብረተሰብን ክጥምቱ ኣተባብዕዎም።
ንህዝቢ ዝቕበል ባህሊ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳባት፣ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ልባዊ ቃላቶም፣ ንእተፈላለዩ ሰባት ማለት ንቘልዑን መንእሰያትን ስድራ ቤታትን ስደተኛታትን ድኻታትን ሕሙማትን ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣሕዋትን ኣሓትን ወለንተኛታትን ጕስነታዊ ኣገልገልን ተወከልቲ ሲቪላዊ ትካላትን እዩ ዝነበረ። ቅዱስነቶም ቅድሚ ምምጽኦም ቅድሚ ሰዓታት ኣቢሎም፣ ምእመናን ኣብ እተፈላለየ ቦታታት እቲ ቍምስና፣ ማለት ኣብ ናይ ስፖርት ሜዳ ኣብ ኣዳራሻት ሰበኻ ከምኡውን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ተኣኪቦም ነበሩ።
"ንስኻትኩም ተስፋ ኢኹም"
እቲ ቐዳመይቲ ጕጅለ ቅዱስነቶም ዝረኸብዎም፣ ኣብ ቅርዓት እቲ ቍምስና ተኣኪቦም ዝንበሩ ቈልዑን መንእሰያትን ካብ ኣብያተ ትምህርትን፡ ማእከላት መንእሰያትን፡ ካብ ማሕበራት ተሓድሶ ኒዮካተኩሜኖን ከምኡውን ስካውት ዩሮፓ ምስ ዘተቓለለ ጕጅለ መንእሰያትን ቈልዑን ህጻናትን ተራኹቦም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘካፈልዎም ሓሳባት፦ "ሓደ ካህን ወትሩ ተስፋ ዝህብ ቃላት ከካፍሎም ኣሎኒ ኢዩ ዝብል፣ እዚ ተስፋ እዚ ግን ንስኻትኩም ኢኹም! ኣብ ልብኹም ኣብ ህይወትኩም ኣብ ንእስነትኩም ንሎምን ንጽባሕን ዝኸውን ተስፋ ኸም ዘሎ ኽትግንዘቡ ኣሎኩም" ድማ በልዎም።
ቅዱስነቶም ኣባኡ ብምርካቦምን "ኣብ ክርስቶስ ዘሎና እምነት እነሐድሰሉ" መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምዕራግን ኣጋጣሚ ብምርካቦም እተሰምዖም ሓጐስ ገሊጾም። "ጐይታናን መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባና ህያው እዩ ዘሎ፣ ብሰላምን ፍቕርን ዕርክነትን ናይ ምንባር ተስፋ ድማ ይህበና ኣሎ" ድሕሪ ቢሎም፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ፣ ሰላም ከም ትምኒቱ ገይሩ ንዅላትና ኣቕረበልና፣ "ኣብ ስድራ ቤትና ሰላም ይኹን... ጐይታ ንዅለን ስድራ ቤትና ይባርኽ። ሰላም ድማ ኣብ መንጎና ይነግሥ" ክብሉ ድማ ለበዋኦምን ቡራኬኦምን ኣካፈልዎም።
ኣብ መንጎ ስፖርተኛታትን ብዕድመ ዝደፍኡን ከምኡውን ሕሙማት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካየድዎ ምብጻሕ ብምቕጻል፣ ነቶም ኣብ ናይ ስፖርት ኣዳራሽ እተረኽቡ ምእመናን እንውን ረኸብዎም፣ ኣብኡ ድማ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ጕጅለታት ኵዕሶ ሰኪዐት እውን ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሰላምታ ድሕሪ ምቕራቦም፣ ኣብ ኵዕሶን ናይ ስፖርት ማልያታቶምን ክታሞም ኣንበሩሎም፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ሕሙማን ንምቕባል ድማ ደው ቢሎም ሰላምታ ኣቕረቡሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብዚ ቍምስና እዚ ብምርካቦም ክሳዕ ክንደይ ሓጐስ ከም እተሰምዖም ገለጹሎም፣ "እዚ ምልክት ሓቀይና ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ እዩ ... ኵላትና 'መርሓባ' ኢልና ንሰባት ምቕባል ንመሃር። እዚ ድማ ብቃል ጥራይ ዘይኰነስ በዚ መንፈስ እዚ ኸኣ ንዅሉ ሰብ ማዕጾና ይኸፍተሎም ኣሎና" ክብሉ እውን ምስጋናኦም ገለጹሎም።
ብዛዕባ ስፖርት ኣመልኪቶም ኣብ ዝለገሱሎም ሓሳብት ድማ፣ "ስፖርት ኣሕዋትን ኣሓትን ክንከውን ፍልልያትና ሓዲግና ኵላትና ብጕጅለ ኽንዓዪ ንደሊ ምዃና ዝርኢ ኢዩ" በሉ።
ንልባዊ ንስሓ ዝቐረበ ጻውዒት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እዋን መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ነቲ እዚ ቍምስና እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን መበል ሚእቲ ዓመት ምስረታኡ ዝዝክረሉ ኣጋጣሚ ይቀርብ ከም ዘሎ ብምዝካር፣ ነቲ እዚ ቁምስና እተመስረተሉ ክቡር ናይ እምነት ስጉምቲ ኣዘኻኸሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም ኣስዒቦም፣ "ንኻልኦት ክንፈርድ ወይ ክንንዕቕ ከሎና እቲ ኣብ ዓለም እንርእዮ እከይ መበቈሉ ኣብኡ ኸም ዘሎ ንዘክር፣ እዚ ኸኣ ንልቢ ዝሑልን ተሪርን ንምሕረት ዝደኸመን እዩ ዝገብሮ" በሉ።
ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም፣ ኦስቲያ እዚ ሓቂ እዚ ኸም ዘጋጠማ ኣፍልጦ ሃቡሉ፦ ዓመጽ ኣብ መንእሰያት ይዝርጋሕ ኣሎ፣ እዚ ድማ ብንግዲ ዕጸፋርስ ወይ ጉጅለ ገበነኛታት እተለዓዓለ እዩ። ግናኸ ይብሉ ቅዱስነቶም፣ ነዚ ማሕበረሰብ ኣብ ጐደናታትን ኣባይትን ዘርኢ ወንጌል ብምዝራእ "ብልግስን ብትብዓትን" ስጕምቲ ክውደድ ከም ዘለዎ ተማሕጺኖም።
"ንባህሊ ዓመጻ ወይ ምጕዳል ፍትሒ" ኢዶም ከይህቡ እውን ተላብዮም። ኣብ ክንዳኡስ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ "ንኣጽዋር ቋንቋታትን ብምርጋፍ፣ ሓይልን መኽሰብን ኣብ ትምህርቲ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንእሰያት ብምውፋር ጀሚርካ ኢዩ ኣኽብሮትን ስኒትን ዘስፋሕፍሕ" በሉ።
እዚ ቍምስና "ካብ ዶባት ወጻኢ ዝዀነ ፍቕሪ" ናይ ቅንዕናን ተቐባልነት ፍቕርን ቤት ትምህርቲ ክኸውን ከም ዝኽእል እውን ገለጹ። ኣስዕብ ኣቢሎም እውን እቶም ባሮት እከይ ዝዀኑ እውን ከይተረፉ፣ በቲ ብእምነት ኣቢሎም "ንልቢ ሓራ ዘውጽእን ብሓቂ ዝሕጐስን ኣምላኽ ፍቕኽ" ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም ክብሉ እውን ኣመልከቱ።
ናብ ሰላም ዝመርሕ ጻውዒት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ስብከቶም ብምቕጻል፣ እዚ ደብሪ እዚ ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 15፣ "ኣብ ሰማይ ዓረር ኲናት ጩራ ብርሃን" ክኸውን ከም እተመስረተ ገለጹ። ይኹን እምበር ሎሚ እውን ብዙሕ ደበናታት ንዓለም ከም ዘጸልምትዋ ዘለዉ ኣስተንተኑ፣ ከመይሲ ምስ ወንጌል ዝጻረር ስነ-ሓሳባት ንሓያላት ልዕል ከም ዘብልን ንዝዀነ ይኹን ዋጋ ዓወት ከም ዜስፋሕፍሕን እውን ገለጹ።
"ነዚ ምንቅስቓስ እዚ ብሓይሊ ትሕትና ንቃወሞ፣ ሰላም ንምርካብ ከምኡውን ውህበት ሰላም ብጽንዓትን ብትሕትናን ንምቕባል ንጽናዕ" ክብሉ ድማ ንዅሎም እቶም ኣብኡ እተረኽቡ ኣተባብዕዎም።
ርክብ ምስ ቤትምኽሪ ሓዋርያዊ ጕስነት
ቀቅድሚ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ቤት ምኽሪ ሓዋርያዊ ጕስነት እውን ተራኺቦም፣ እዚ ልምዲ እዚ ኣብ ሃገረ ፔሩ ኣብ ዝገብርዎ ዝንበሩ ምብጻሓት ዘካየድዎ ዝንበሩ እውን እዩ ዝነበረ። ሓቀይና ማሕበረሰብ ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ እንተ ዘይኰይና፣ ንጥፈታትና ባዶ ኪኸውን ከም ዝኽእል ብምግላጽ፣ ጸሎትን ህያው ምስክርነት እምነትን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕልሑ።
ቅዱስነቶም ድማ "ቍምስና ሰባት መጺኦም ክስምዑሉ ዝኽእሉ ቦታ ክኸውን ኣለዎ ... ኣብ ውሽጥኹም ኣይትተዓጸው፣ 'እቶም ዚመጹ ይኣኽሉ' እውን ኣይትበሉ። ፈጺሙ እኹል ኣይኰነን፣ ዓድምዎም ምስ መጹ ድማ መርሓባ ኢልኩም ተቐበልዎምን ኣሰንይዎምን" ክብሉ ድማ ተላበውዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብሓባር ኪወጹን ክኸዱን ጻውዒት ብምቕራብ ድማ፣ ምዉቕን ክውንነታውን ጽኑዕን ጻውዒት ብዝተሰነየ ሓዋርያዊ ጕስነት ዘካየድዎ ምብጻሕ ዛዘሙ፦ ኦስቲያ ንዘይፍትሓዊ ተግባራት ኢዳ ኽትህብ የብላን። ተስፋኣ ህያው እዩ፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ መንእሰያት ክሰርሕ ኣለዋ ክብሉ ድማ ተላበዉ።
