ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ እቶም ዝሳቐዩ ኣብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ሓቀይና ሰላም ይረኽቡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ እቶም ዝሳቐዩ ኣብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ሓቀይና ሰላም ይረኽቡ 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ እቶም ዝሳቐዩ ኣብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ሓቀይና ሰላም ይረኽቡ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምኽንያት ዕለት 11 ለካቲት ተዘኪሩ ዝውዕል መበል 34 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕሙማት ኣብ መካነ ንግደት ቅድስቲ ማርያም ንግስተ ሰላም ኣብ ቺክላዮ ፔሩ ብፍሉይ ዝካየድ መንፈሳዊ መደባት ፍሉይ ልኡኾም ኮይኖም ዝሳተፉ ብዘለዉ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ኣቢሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ንሕሙማት መከራኦም ንሰላም ዓለም ንዝኾነ ጐይታ ከቕርቡን ምስቶም ዝከናኸንዎም ሓቢሮም ብዛዕባ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ክምስክሩን ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መላእ ዓለም ምስ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዓልቲ ሕሙማን ብዝምስክር ናይ ጸሎት ሓድነት፡ ነቶም ብሕማም ምኽንያት ዝሳቐዩን ምእመናንን ብደገፍ ኣማልድነት ማርያም "ምእንቲ ሰላም እዛ ዓለም እዚኣ ንዅሉ ጸገማት ህይወቶም ብሕያውነት ነቲ መሓሪ ኣምላኽ ብማርያም ኣቢሎም ከቕርቡሉ፡ እጽልይ ቢሎም’፡ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ኣብቲ ኑዛዜ ዘርእስቱ ድርሳኑ “ነፍሲ ወዲ ሰብ ርግኣት የብላን፣ ኣብቲ ዘይንገር ፍቕሪ ኣምላኽን ኣብ ዕለታውን መንፈሳውን ህይወት ኣብ ምትግባሩን ጥራይ እዩ ሓቀይናን ነባርን ሰላም ክትረክብ እትኽእል” ዝበሎ ጠቒሶም ኵሉ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ትርጉም ይረክብ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምጽንናዕ ወንጌል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዕለት 21 ጥሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ንልኡኾም ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማይክል ቸርንይ፡ ነቶም ኣብ መዓልቲ ሕሙማን ንጸሎት ዝተኣከቡ ምእመናን - ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ዕለት 11 ለካቲት ኣብ ዓመታዊ ዝኽሪ ቅድስቲ ማርያም ዘሉርድ ዝዝከር ምዃኑን ምስ እዚ እተሓሒዞም - ብፍሉይ መንገዲ ድማ ንኹሎም ሕሙማት፡ “ካብቲ ኣብ ኵሉ ኵነታት፡ መዓልታዊ፡ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ምሳና ኪኸውን ቃል ካብ ዝኣተወ ክርስቶስ ዚመጽእ ወንጌላዊ ምጽንናዕን ምትብባዕን” ክረኽቡ ተማሕጺኖም፡ “ንናይ መለኮታዊ ሓይላንት ማለት እምነትን ተስፋን ፍቕርን ከምኡ’ውን ኣብ እዋን ጸገም ሰብኣውን ክርስትያናውን ቅርበት ክምስክሩ፣ ጾር ሓድሕዶም ተሰኪሞም በዚ ኸኣ ድላይ ክርስቶስ ክፍጽሙ” ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"ፍቕርቲ ሃግረ ፐሩ”

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም፡ ነታ ቅድሚ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ኣብታ ጳጳስ ኮይኖም ዘገልገሉላ ንቕድስቲ ማርያም ኣደ ኣምላኽ እተወፈየት ካቴድራል ሃገረ ፐሩ ብምዝካር፡ “ፍቕርቲ መሬት” እብክብሉ ኣብ ልቦምን ኣእእምሮኦምን ህልውቲ ምዃና ብምርግጋጽ፡ መበል 34 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሕሙማት "ብልክዕ ኣብዛ ሃገር ፔሩ ክኽበር ከም ዝደልዩ ኣጕሊሖም፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ንዅሎም እቶም ብእተፈላለየ ሕማም ዝሳቐዩ ሰባት ዘለዋ ሓልዮት ኣረጋጊጾም፡ ባዕሎም እውን ኣብቲ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያን ንግስተ ሰላም ኣብ ፐሩ ኣብ ዘገልገልሉ እዋን ተረኺቦም ንሓልዮት ኣምላኽ ዘዕረገዎ ጸሎት ብምዝካር፡ ኵሎም ምእመናን ኣብ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህሙማን ኣብ ጸሎት ክሓብሩ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 Feb 2026, 15:39