ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ካብ ጽንፈይናነት ንምርሓቕ ንቃል ኣምላኽ ኣብ ታሪኻዊ ትሕዝቶኡ ነንብቦ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ "ጽንፈይናነት ወይ ንክውንነት ኣብ ግምት ዘየእተወ" ንባብ ቅዱስ መጽሓፍ ካብ ምዝውታር ኣጠንቂቖም፣ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ንልቢ ሰባት ብዝትንክፍ ቋንቋ ንቓል ኣምላኽ ንምስባኽ ዘለዋ ተልእኾ ድማ ኣተባቢዖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘካፍልዎ ዘለዉ ተኸታታሊ ትምህርተ-ክርስቶስ ብምቕጻል፣ ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ክራከብ ከም ዝደሊ ገሊጾም።

ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዘካፈልዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም ሰናይ ምክትታትል፦

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ብሩኽ መዓልቲ!

ኣብዘን ሰሙናት እዚኣተን እነስተንትነሉ ዘለና ናይ ጉባኤ ዶግማዊ ቅዋም “ቃል እግዚአብሔር” (Dei Verbum) እቲ ኣብ ህያው ትውፊት ቤተክርስቲያን ዝንበብ ቅዱሳት ጽሑፋት፣ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ኵሉ ሳዕ ዝዛረበሉ ፍሉይ ቦታ ይሕብር። ይኹን እምበር እቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝርከብ ጥቕስታት ብሰማያዊ ወይ መልዕለተ-ሰብኣዊ ብዝኾነ ቛንቋ ኣይተጻሕፈን። እወ ከምቲ መዓልታዊ ናብራና ዝምህረና እተፈላለየ ቛንቋታት ዝዛረቡ ኽልተ ሰባት ንሓድሕዶም ኪረዳድኡ ኣይክእሉን ኢዮም፣ ኣብ ዝርርብ ኪኣትዉን፣ ርክብ ክምስርቱ እውን ኣይክእሉን እዮም። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ርእስኻ ንኻልኦት ምሃብ ናይ መጀመርታ ተግባር ፍቕሪ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ኣምላኽ ብቛንቋታት ሰባት ኪዛረብ ዝመረጸ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ እተፈላለዩ ጸሓፍቲ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ንቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝጸሓፉ። እዚ ጉባኤያዊ ሰነድ ከም ዘዘኻኽረና "እቲ ብቛንቋ ሰብ እተገልጸ ቃል ኣምላኽ፣ ልክዕ ከምቲ ቃል ዘላዓለማዊ ኣቦ ድኹም ስጋ ሰብ ንርእሱ ዝወሰደ ወልድ፣ ብዅሉ መገዲ ኸም ሰብ እተገልጸ፣ ቃል ኣምላኽ እውን ከም ቋንቋ ሰብ ኰይኑ ኢዩ" (DV 13)። ስለዚ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብትሕዝቶኡ ዘይኰነስ ብቛንቋኡ እውን ኣምላኽ ንሰባት ዘለዎ ምሕረትን ምሳታቶም ክቐራረብ ከም ዝደልን ዝገልጽ እዩ።

ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ኣብ መንጎ መለኮታዊ ደራስን ሰብኣውያን ደረስትን ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንዘሎ ርክብ መጽናዕቲ ተገይሩሉ እዩ። ንሓያሎ ዘመናት ብዙሓት ሊቃውንቲ ሥነ መለኮት፣ ነቲ መለኮታዊ መንፈስ ኣምላኽ ዘስተንፈሰሉ ቅዱስ መጽሕፍ ንምጥባቕ ይጭነቑ ነበሩ፣ ዳርጋ ንሰብኣውያን ደረስቲ ድማ ከም መሳርሒ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎም ዝነበሩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ርእሲ እዚ ኣስተንትኖ እዚ፣ ነቲ ጸሓፊቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝገበርዎ ኣበርክቶ እንደገና ተገምጊሙ እዩ፣ ንባዕሉ እዚ ጉባኤያዊ ሰንድ ብዛዕባ ኣምላኽ ከም ቀንዲ "ደራሲ" ቅዱሳት ጽሑፋት ገይሩ የስተምህር እኳ እንተ ዀነ፣ ንጸሓፍቲ ቅዱስ መጽሓፍ እውን "ሓቀይናታት ደረስቲ" ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክብል ይጽውዖም (DV 11)። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ዝነበረ ሓደ ንፉዕ ሊቅ ሥነ ቅዱስ መጽሓፍ ዝገለጾ፣ "ንንጥፈታት ደቂ ሰብ ናብ ሓደ ዝተባህሎ ጥራይ ዝጽሕፍ ወይ ካብ ሓደ ጽሑፍ ናብ ካልእ ቀዲሑ ዝግልብጥ ጥራይ ምቕያር ንመለኮታዊ ንጥፈታት ክብሪ ምሃብ ኣይኰነን" ይብል። ኣምላኽ ንደቂ ሰብን ንተኽእሎኦምን ፈጺሙ ኣይቐትሎን እዩ።

እምበኣር ቅዱሳት ጽሑፋት ቃል ኣምላኽ ብቓላት ሰብ እተጻሕፉ እንተ ደአ ዀይኖም፣ ንሓደ ኻብዞም ክልተ መዳያት ዕሽሽ ዝብል ወይ ዝኽሕድ ዝዀነ ይኹን ሰብ፣ በዚ ኩነት እዚ ኣብ ኣድልዎ እዩ ዝርከብ። ስለዚ ቅኑዕ ትርጕም ቅዱስ መጽሓፍ ነቲ ዝማዕበለሉ ታሪኻዊ ሃዋህውን፣ ነቲ እተጠቕመሉ ስነ-ጽሑፋዊ ኣገባብን ከወግዶ ኣይክእልን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ነቲ ኣምላኽ እተጠቕመሉ ሰብኣዊ ቃላት ካብ ምጽናዕ ምቍጣብ፣ ናብ ጽንፈይናነት ወይ ናብ መንፈሳዊ ጥራይ ዝኾነ ንጭቡጥ ኩነታት ግምት ኣብ ዘይህብ ንባብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክመርሕ ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ንትርጕሙ ዝጥሕስ ኣገባብ እዩ። እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብ ስብከት ቃል ኣምላኽ እውን ዘገልግል እዩ፣ ምስ ክውንነት ምስ ሰብኣዊ ተስፋን ስቓይን ዘለዎ ርክብ እንተ ደአ ኣጥፊኡ ንምርድኡ ዘጸግም ቋንቋ እንተ ተጠቒሙ፣ ዘይረዳዳእ ወይ ዘይቅኑዕ እንተ ዀይኑ፣ ውጽኢታዊ ኣይኰነን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘመን፣ ቤተ-ክርስትያን ንቃል ኣምላኽ ኣብ ታሪኽ ክትሕዞን ልቢ ክትንክፍ ብዝኽእል ቋንቋ እንደገና ከተቕርቦን ተጸዊዓ ኣላ። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስኮ ዘዘኻኽሩና "ናብቲ ምንጪ ንምምላስን ናብቲ ናይ መጀመርታን ሓድሽን ወንጌል ንምምላስን ክንጽዕር ከሎና፣ ሓደስቲ መገድታት ይኽፈቱ፣ ሓደስቲ መገድታት ፈጠራ እውን ይርከቡ፣ እተፈላለየ ዓይነት መግለጺታትን ዝያዳ ንጹር ምልክታትን ቃላትን ንናይ ሎሚ ዓለም ሓድሽ ትርጕም ክህብዎ ይርከቡ።"

ብኣንጻሩ ግን ንመለኮታዊ መበቈሉ ዕሽሽ ብምባል ከም ሰብኣዊ ትምህርቲ ብተክኒካዊ ኣረኣእያ ጥራይ ወይ ከም "ናይ ዝሓለፈ ጽሑፍ" ጌርካ እትርድኣሉ ንባብ እውን፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ ዘነኣእስ ወይ ኣትሒቱ ዝርኢ እዩ ዝኸውን።  ኣብ ክንዳኡስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብፍላይ ኣብ ዙርያ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ክስበኹ እንከለዉ፣ ነቶም ኣብዚ ዘመን እዚ ዘለዉ ምእመናን ንምዝርራብ፣ ንህሉው ህይወቶም ምስ ጸገማቶም ንምርኻብ፣ ብዛዕባ እቲ ክውሰድ ዘለዎ ስጕምትታትን ኪግበር ዘለዎ ዘለዎም ውሳነታትን ንምብራህ እዩ ዘድሊ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ኣመንቲ ነቶም ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ዘስተንፈሰሉ መንፈስ ቅዱስ ብምዃን ምስ ዘንብብዎን ዝትርጕምዎን ጥራይ እዩ (DV 12)።

ኣብዚ መዳይ እዚ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንህይወትን ልግስን ኣመንቲ ንምምዕባል የገልግሉ፣ ከምቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዝገለጾ ድማ "ሓደ ሰብ ... ንቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም እተረድኦም ዀይኑ ምስ ዝስምዖ፣ ይኹን እምበር ከምዚ ዝኣመሰለ ትርጕም ኣብኣቶም ምስ ዘንብር፣ ነቲ ንኣምላኽን ንብጻይናን ክህሉ ዘለዎ ክልተ ዓይነት ፍቕሪ ንምህናጽ ዝንባለ የብሉን፣ ከምቲ ዝግብኦ እውን ገና ኣይተረድኦምን ዘሎ።" መለኮታዊ መበቈል ቅዱሳት መጻሕፍቲ እውን፣ ማለት እቲ ንምስክርነት ናይቶም እተጠምቁ ብሕድሪ እተዋህበ ወንጌል፣ ንዅሉ ስፍሓት ህይወትን ክውንነትን ዝሓቘፈ እኳ እንተ ዀነ፣ ካብኡ ንላዕሊ ምዃኑ የዘኻኽረና ኢዩ፣ ናብ ግብረ ሰናይ ወይ ማሕበራዊ መልእኽቲ ጥራይ ክንኪ ከአ ኣይክእልን፣ የግዳስ እቲ እግዚአብሔር ኣቦ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃበና ምሉእን ዘለዓለማውን ህይወት ዘሕጕስ ብስራት እዩ።

ክቡራት አኅዋትን ኣሓትን ንጐይታ ነመስግኖ፣ ምኽንያቱ ብሕያውነቱ ንህይወትና መሰረታዊ መግቢ ዝኾነ ቃሉ ኣየጉደለልናን፣ ቃላትና ልዕሊ ዅሉ ድማ ህይወትና ነቲ ኣብኡ ተዘርዚሩ ዘሎ ፍቕሪ ኣምላኽ ከይሽፍኖ ድማ ንጸሊ።

04 Feb 2026, 15:26