ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት 'ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት' ክብሉ ይኹንኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት 'ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት' ክብሉ ይኹንኑ  (©yupachingping - stock.adobe.com)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት 'ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት' ክብሉ ይኹንኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምኽንያት ዕለት 8 ለካቲት ተዘኪሩ ዝውዕል መበል 12 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነዚ “ከቢድ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት” ክትገጥምን ከብቅዕን ኣብ ዝግበር ኵለ መደያዊ ጻዕሪ ዘለዋ ተዋፍይነት ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ መበል 12 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎትን ንቕሓትን ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ነቲ ኣብ መርበባት ሕብረተሰብና ዝያዳ ዘጨንቕ ቅርጺ ዝረኸበ ዘመናዊ ጊልያነት ኣብቲ ብምኽንያት ዕለት 8 ለካቲት ዝኽበር ዓለምለኻዊ መዓልቲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝኾነኑ ቅዱሰንቶም፣ ቤተ-ክርስትያን "ነዚ ኸቢድ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ንምቅላስን ደው ክብልን ህጹጽ ጻውዒት" ተሓድስ - ቢሎም - ኣብቲ ዝተንስአ ክርስቶስ "ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን" ብምባል ዘቕርቦ ሰላምታ ኣተኲይሮም፣ እዘን ቃላት እዚኣተን "ናብ ሓድሽ ሰብኣውነት ዝመርሓ መገዲ እያተን። ናይ ሓቂ ሰላም ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ክብረት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣፍልጦ ብምሃብን ብምዕቃብን እዩ ዚጅምር - ይኹን እምበር ኣብቲ ዓመጻ እናገደደ ዚኸደሉ ዘሎ መዋእል ብዙሓት ሰባት ሰላም በጽዋር ክደልዩ ይፍትኑ፡ ደቂ ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንፖለቲካዊ ወይ ቁጠባዊ ረብሓታት ስለዝስውኡ፡ ኣብ ኲናት ከም ጎናዊ ጉዱኣት ተገይሮም ይቑጸሩ” እንክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም። ዕጡቃዊ ግጭትን ፖለቲካዊ ስነ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ዘይምርግጋእን ነቶም ንግድ ሰብ ዘዋፈሩ ገበነይናታት ኣብ ምንቅስቓስ ንዘለዉ ሰባት ንምምዝማዝ ኣጋጣሚ ስለ ዝፈጥር፡ ንህይወት ደቂ ሰብ ዕሽሽ ምባል ንንግድ ደቂ ሰባት የጐሃህሮ - ቢሎም - ኣብ ውሽጢ እዚ እተሰብረ ረባሕታ እዚ ደቂ ኣንስትዮን ቈልዑን በዚ ዘስካሕክሕ ንግዲ እዚ ዝያዳ እተጸልዉ እዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም፡ "መርበባዊ ጊልያነት" እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣስተብሂሎም፣ እዚ ኸኣ ሰባት ኣብ ከም ንግድ ዕጸ ፋርስን ምትላልን ዝኣመሰለ ገበናዊ ንጥፈታትን ከም ዚስሕቡ ዘርኢ እዩ።

"እቲ ግዳይ ከም ገበነይና ግደ ንኽሕዝ ይግደድ፡ እዚ ድማ ንመንፈሳዊ ቍስሉ የጋድዶ። እዚ ዓይነት ዓመጻ እዚ ዝተነጸለ ፍጻመታት ዘይኰነስ፡ ምልክታት ናይቲ ክርስቶስ ከም ዘፍቅሮ ብኸመይ ከም ዘፍቅርን ዝረስዐ ባህሊ ኢዩ" እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስቓይን ማሕበራዊ ብድሆታትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክርስትያን ናብ ጸሎትን ምስትውዓልን ክምለሱ ኣለዎም፡ ጸሎት ዘይፍትሓውነትን ዘይምግዳስን ንኽንቃወም ብርታዐ ዝህበና "ንእሽቶ ሃልሃልታ" ከም ዝኾነን፡ ምስትውዓል ድማ ኣብ ማሕበረሰብን ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ቦታታትን ዘሎ ናይ ምዝመዛ ስርዓታት ንምልላይን ንምብዳህን ይሕግዘና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"ኣብ መወዳእትኡ ዓመጽ ንግድ ደቂ ሰብት ዝብዳህ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ከም ፍቑር ውሉድ ኣምላኽ ገይሩ ብዝርእዮ ሓድሽ ራእይ ጥራይ ኢዩ" እንክብሉ ኣብሪሆም፡ ነቶም ግዳያት ንግዲ ደቂ ሰብ ንምሕጋዝ ዝሰርሑ ብዙሓት ሰባትን መራኸቢታትን ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጸሎትን ምስትውዓልን ኣንጻር ንግድ ደቂ ሰብ ንኣማላድነት ቅድስት ጆሴፊን ባኪታ ኣወኪፎም፡ ህይወታ "ኣብቲ ክሳዕ መወዳእታ ዘፍቀራ ጐይታ ሓያል ምስክር ተስፋ" ከም ዝዀነ ገሊጾም፡ "ኵላትና ሰላም ውግእ ዘይምህላው ጥራይ ዘይኰነስ 'ኣጽዋር ዘፍትሕን ኣጽዋር ዝፈተሐን' ንኽብሪ ዅላቶም ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምኽባር እተመስረተ ዓለም ብሓባር ንጓዓዝ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 Feb 2026, 17:02