ድለ

ሃገራት ሳሕል ሃገራት ሳሕል   (AFP or licensors)

ሓዲስ ሕጊ ተቕዋም ረድኤት ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ንሃገራት ሳሕል ጸዲቁ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ንሓዲሽ ሕጊ ተቕዋም ረድኤት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ሃገራት ሳሕል ኣጽዲቆም። እቲ ተቕዋም ብ1984 እተመስረተ ኰይኑ፡ ነቶም ኣብዚ ዞባ እዚ ዚነብሩን ብደርቅን፡ ምድረ በዳነትን፡ ጥሜትን እተጐድኡን ሰባት ዜጋጥሞም ስቓይ ንምቅላል እተመስረተ ኢዩ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ብዕለት 29 ጥሪ 2026 ምስ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ነቲ እተመሓየሸ ሕግታት "ተቕዋም ረድኤት ዮሓንስ ጳውሎስ ንሃገራት ሳህል" ኣጽዲቖምዎ። ቀኖናዊ ደረጃኡ ድማ ምስ ህሉው መምርሒታት ኩርያ ሮማናን ፡ ምስ መምርሒታት ሓዋርያዊ ውርሻሻታት ቅድስቲ መንበርን ብምስምማዕ ኢዩ ተሓዲሱ።

እዚ ድማ ብሓሙስ ዕለት 5 ለካቲት ብክፍሊ ዜናን ማሕተምን ናይ ቅድስቲ መንበር ኣብ እተሓትመ ጽሑፍ ተገሊጹ ።

ታሪኽ እቲ ትካል ረድኤት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ብዕለት 10 ግንቦት 1980 ኣብ ኡጋዱጉ፡ ርእሲ ከተማ ናይ ሃገረ ላዕለዋይ ቮልታ ሎሚ ቡርኪናፋሶ ተባሂላት እትጽዋዕ ዘላ፡ ብዝተዛረብዎ ቃላት ኢዩ፡ ነቲ ክሳዕ ሕጂ ብስሞም ዚጽዋዕ ዘሎ ተቕዋም ረድኤት ሳሕል ንምቛም ዚመርሕ ተበግሶታት ተለዓዒሉ።

እቶም ሃገረ ፖላንድ ዝኾነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ፡ ነቲ ዓቢይ ሕጽረት ማይን ምግብን ዘጋጠሞ፡ ምድረ በዳነት ከኣ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዞባ፡ ነቲ ዘጋጥም ዝነበረ ጕዳያት ምላሽ ንምሃብ፡ ብገዛእ ርእሶም "ምእንቲ እቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ብምዃን፡ ድምጺ ናይቶም ማይን እንጌራን ስለ ዘይነበሮም ዝሞቱ ንጹሃት ሰባት ብምዃን፤ ድምጺናይቶም ደቆም ስለምንታይ ይሞቱ ከም ዘለዉ ዘይተረድኦም ኣቦታትን ኣዴታትን ብምዃን ኢዮም” ነቲ ጻውዒት ኣቕሪቦሞ።

እቲ ተቕዋም ብፍቃድ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዕለት 22 ለካቲት 1984 መስሪቱ። እዚ ከኣ እቲ ናቶም ጻውዒት ናብ ተግባራዊ ክኸውንን፡ ነቶም ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘለዉ ኣሕዋቶም፡ ኣሓቶምን ዘለዎም ፍቅሪ ግብራዊ ምልክት ከኸውን ኢዩ ተመስሪቱ።

እቲ ሕግታቱ ድማ ምቲ ብሕገ ቆኖናን፡ ብስቪላዊ ሕጊ ቅድስቲ መንበርን ዝመሓደር፡ ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ዝተተሓሓዘ ኰይኑ፡ ብቀጥታ ብቫቲካን ዝመሓደር ኢዩ።

እቲ ተቕዋም ሕጋዊ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ቫቲካን ኰይኑ፡ ናይ ስራሕ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ድማ ኣብ ኡጋዱጉ ይርከብ።

እቲ ሓድሽ ሕጊ ውጽኢት ናይ ነዊሕን ሓባራውን ናይ ምሕዳስ መስሪሕ ኢዩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉደያት ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ ሓጐሱ ድሕሪ ምግላጽ “ውጽኢት ናይ ነዊሕን ሓባራውን መስርሕ ናይ ትካላዊ ምሕዳስ” ክብል ገሊጽዎ። እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ብፁዕ ጳጳስ ፍሎረንት ሃሳ ኮኔ (ጳጳስ ናይ ሳን፡ ሃገረ ማሊ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ናይቲ ትካል) ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተወካሊ ናይቲ ትካል ኰይኖም ከም ዝተሾሙ ይገልጽ። እዚ ከኣ  "ምስ ቅድስቲ መንበር ብቐጻሊ ኣብ ዝግበር ዝርርብ ነቲ ናይ መወዳእታ ደረጃታት እዚ መስርሕ ንምስምማዕ እዩ ተገይሩ" ይብል።

ከምኡውን እቲ መግለጺ፡ ነዚ መስርሕ እዚ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉደያት ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ ምስ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበርን፣ ምስ ቤት ጽሕፈት ቍጠባ ቅድስቲ መንበርን ተሓባቢሩ ብኸመይ ከም ዝፈጾሞ የጕልሕ።

በቲ ሓድሽ ሕጊ "እቲ ተቕዋም ቅልጡፍን ቀጻልን ዕቤት ንምምጻእ ተዓጻጻፍነት ብዘለዎ መስርሕ ክኸይድ፡ ከምኡውን ኣብቲ ዞባ ዘጋጥሞ ንዘሎ ብዙሕ ብድሆታት ብፍሉይ ዕላማ ኣብ ዝተብረሉ ቦታታት ክዋፈርን፡ ምስታ ዜበታዊት ቤተክርስትያን ብቀረባ ክሰርሕ ክኽእል ኢዩ።"

ብመንፈስ ሓፈሻዊ ሰብኣዊ ሓልዮት ምስራሕ

እቲ ተቕዋም ካብ ዞባ ሳሕል ትሽዓተ ሃገራት ማለት ቡርኪናፋሶ፣ ኬፕ ቨርደ፣ ጋምብያ፣ ጊኒ-ቢሳው፣ ማሊ፣ ማውሪታንያ፣ ኒጀር፣ ሰኔጋልን ቻድን የጠቓልል።

እቲ ሕጊ ከም ዝገልጾ "ቀንዲ ዕላማ እቲ ትካል፡ ንሃገሮምን፡ ንኵሎም ሰባትንን፡ ብዘይ ኣድልዎ ብመንፈስ ሰብኣዊ ዕብየትን ሓድነትን፡ ንከገልግሉ፡ ንምድረ በዳነትን፡ ዜስዕቦ ሓደጋታትን ንምቅላስ፡ ከምኡውን ነቶም ግዳያት ድርቂ ዝኾኑ ኣብ ሃገራት ሳሕል ረድኤት ንምሃብ ርእሶም ዝወፈዩ ውልቀ-ሰባት ስልጠና ንምሃብ ኢዩ።"

ስለዚ እቲ ትካል ንስልጠና ናይቲ ከባቢ ኣወሃሃድትን ክኢላታትን ከምኡውን ኣብ ዝስዕቡ መዳያት ፕሮጀክትታት ንምድጋፍ ቀዳምነት ይህብ፣ ተክኒካዊ ምዕባለ፡ ማሕበራዊ ክንክን ጥዕና፡ ማሕበራዊ-ሕርሻ ማሕበራውን ቍጠባውን፡ ሓፈሻዊ ምዕባለን፡ ኣከባብን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንረብሓ ሳሕል ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ብምውህሃድ ዝተወፈየ ሓገዝ የቅርቡ።

ኣመሓደርቲ ናይቲ ተቕዋም፡ ፈጻሚት ሽማግለ፡ ኣቦ መንበርን፡ ምክትል ኣቦ መንበርን፡ ዋና ጸሓፊን፡ ተቘጻጻሪን፡  ተሓዝ ገንዘብን ኢዮም። ኣብ መፋርቕ ለካቲት ኣኼባ ፈጻሚት ሽማግለ ኣብ ዳካር ሰኔጋል ክካየድ ኢዩ።

06 Feb 2026, 18:27