ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ከካይዱ ትጽቢት ከም ዘሎን እዚ ድማ ካልኣይ መገሻ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ኣብ ዘመናዊ መዋዕል ድማ ናብ ሞናኮ ዘካይድዎ ቀዳማይ ሓዋርያዊ መገሻ ከም ዝኸውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ እዋን እዚ ር.ሊ.ጳ. ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ ከካይድዎ ዝበሃል ዘሎ ምብጻሕ ኣብ ግምት ከም ዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ፍክሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 10 ጥሪ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እንከመላኽት፡ እቲ ምብጻሕ ናይ ሓደ መዓልቲ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ከም ዝኸውንን ሓቢሩ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ኢጣልያ ወጻኢ ንፈለማ እዋን ዝገበርዎ ጕዕዞ ካብ ዕለት 27 ሕዳር - 2 ታሕሳስ 2025 ኣብ ቱርክን ሊባኖስን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኮይኑ፡ ባዕሎም ቅዱሰንቶም ካብዚ ጉዓዞ እዚ ኣብ ምምላሶም ኣብ ዝተጓዓዙላ ነፋሪት ብዛዕባ ቀጻሊ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዝምልከት ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ ኣብቲ ምስ ቅዱስ ኣጉስጢኖስ እተተሓሓዘ ቦታታት ንምብጻሕ ከምኡውን ኣብ መንጎ ክርስትናን ምስልምናን ዓለም ዝካየድ ዘተ ንምትብባዕን ኣሚቶም ናብ ኣልጀርያን ከምኡ እውን "ብንጹር ንላቲን ኣመሪካ ክበጽሖ እደሊ" ከም ዝበሉን እዚ ድማ ናብ ኣርጀንቲናን ኡሩጓይን ከምኡ እውን ኣብታ ፈለማ ወንጌላዊ ልኡኽ ደሓር ድማ ጳጳስ ኮይኖም ኣብ ዘገልገሉላ ሃገረ ፐሩ ክበጽሑ እውን ድላይ ከም ዘለዎም ባዕሎም ገሊጾም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዕለት 17 ጥሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንናይ ሞናኮ ልኡል ኣልበርት ዳግማዊ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ልዑል ኣልበርት ዳግማዊ ካብ ቅዱሰንቶም ተሰናቢቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላት ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ተራኺቦም ብዛዕባ ሰናይ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሞናኮን ከምኡ እውን ኣበርክቶ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማሕበራዊ ህይወትን ሓልዮት ምህዳርን ሰብኣዊ ሓገዝን ከምኡ እውን ምክልኻልን ምድንፋዕን ሰብኣዊ ክብርን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ብዛዕባ ኣህጉራዊ ምዕባለታትን ብፍላይ ድማ ንሰላምን ደሕንነት ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ከም እተመያየጡ ዜና ቫቲካን ኣብቲ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ ሓቢሩ ከም ዝነበረ ይዝከር።

12 Feb 2026, 09:00