ድለ

ገበር መጽሓፍ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን" ገበር መጽሓፍ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን" 

ር. ሊ. ጳ. ልዮን 14፦ ፍትሓውን ነባርን ሰላም ኪሓንጹ ዚኽእሉ ሰላማውያን ልብታት ጥራይ ኢዮም

ካብ ዕለት 24 ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ቋንቋ እንግሊዝ ኣብ ዚዛረባ ሃገራትን ኣብ ዚርከብ ቤት መጻሕፍቲ ተዘርጊሓ እትርከብ፡ ብሃርፐር ኮሊንስ እተሓትመት "ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን!" ዘርእስታ መጽሓፍ፥ ኣብ መእተዊ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ዝቅረብዎ ጽሑፍ ተርጒምና ነቅርበልኩም ኣሎና።

ተርጓሚ ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ሰላም ሓደ ካብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዓበይቲ ጕዳያት እዩ፣ ህያብን ብተወፋይነት እትነብሮን ከኣ ኢዩ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ብሰብኡትን ኣንስትን እተሃንጸ ህያብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኢዩ። 

ኣብዛ ብብዙሕ ግጭታት እተጐድአት ብደማዊ ኲናት እተወቕዐት ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። መሪር ሃገራውነት ንመሰላት እቶም ድኹማት ይረግጽ ኣሎ። ኣብ ዓውዲ ዂናት ቅድሚ ምጭፍላቑ ግን፡ ንስስዐን፡ ህርፋንን ኢድና ምስ እንህብ፡ ከምኡውን ኣብ ክንዲ ናብ ሓባራዊ ረብሓ እንጥምት ናይ ወገን ረብሓታት ኪዕወት ምስ እንፈቕድ ሰላም ኣብ ልቢ ደቂ ሰብ ተሳዒሩ ማለት ኢዩ። ኣቀዲሞም ብዙሓት ጸሓፍቲ ዛንታታት ከም ዝበልዎ፡ ዛንታ ናይ ካልኦት ሰባት ምስማዕ ምስ ኣበና ኢዩ ንክብረቶም ከነጥፍኦ እንጅምር ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓውደ ውግእ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ንኻልኦት ምጥፋእ እዩ። ንኻልኦት ኣፍልጦ ምሃብ ከኣ በቲ ካልእ ሸነኽ፡ መርኣያ ናይ ሰላም እዩ ። ሓደ ሰብ ህቡብ ክኸውን እንተ ዀይኑ፡ ፈለማ ብኸመይ ከም ዘፍቕር ኪፈልጥ ኣለዎ። ቅዱስ ኣጎስጢኖስ "ብሕውነት እንተ ዘይኰይኑ ሓደ እኳ ፍሉጥ ሰብ ክኸውን ዝኽእል የለን" (ሰማንያን ሰለስተን እተፈላለያ ሕቶታት፣ 71) ይብል።

ኣብዚ ብዛዕባ ክልተ መዳያት ናይ ሰላም ከስተንትን ምደለኹ፣ ቀዳማይ ቀጥታዊ (ሰላም ካብ ላዕሊ ከም ዝተዋህበትና)፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ጎድናዊ (ሰላም ከም ሓላፍነት ነፍሲ ወከፍ ሰብ) ኢዩ።

ሰላም እግዚአብሔር ኣምላኽ ብልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ጌይሩ ንኵሎም ደቂ ሰባት፡ ሰብኡትን ኣንስትን ዝተዋህበና ህያብ እዩ። ኣምላኽ ሰብ ስለ ዝዀነ መላእኽቲ ኣብ ምድሪ ሰላም ኣወጁ። ንሰብኣውነት ብምልኣት ለቢሱ ድማ ብመስቀሉ ገይሩ ተጻብኦ ሓጢኣት ኣጥፍኦ። ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ከምዚ ክብል ጸሓፈ፦ "ንሕና እውን ድሕሪ ትንሳኤ ብመንፈሳዊ ሰብነትና ንክርስቶስ ክንቅበሎ ብደበና ልዕል ክንብል ከሎና፡ ኣብ ምድሪ ከሎና ብሰናይ ፍቓድ ምእንቲ ሰላም ብዝዓየናዮ መጠን ምንጪ ተወሳኺ ክብሪ ንኣምላኽ ክንከውን ኢና" (ስብከታት 193) ። ክብሪ ኣምላኽ ኣብቲ ደረት ዘይብሉ ሕያውነቱ ተሳተፍቲ ምእንቲ ክንከውን ናብ ምድሪ ወረደ። እዚ ህያብ እዚ ከኣ ከምቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ በዓል ሂፖ ዝጸሓፎ፡ ነቲ ናይ "ሰናይ ፍቓድና" ዝኾነ ኣወንታዊ መልስና ብሓላፍነት ናብ ተግባር ከነውዕሎ ይሓተና።

ኣብ ርእሲ እዚውን፡ ሰላም፡ እቲ ካብ ሞት ዝተንስአ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም ህያብ ኢዩ። እቲ ብስቅለት “ዝቆሰለ” እቲ ሰላም ዝኾነ ኢየሱስ ኢዩ፣ ምኽንያቱ ሰላም ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብቲ ፈቃር ልቡን፡ ብናይ ኵሉ ግዜን ቦታን ስቓይ ምእንቲ ክሳቀ ንገዛእ ርእሱ ዝሃበ ልቡን ኢዩ ዝፍልፍል። ከምቲ ዝሰማዕኩምዎ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስስቶ ንደቀ መዛሙርቱ ድሕሪ ትንሳኤኡ ምስ ተራእዮም “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” እና በለ ሰላምታ ኣቕረበሎም። እዚ ሰላምታ እዚ ከኣ ሓቀይና ሰላምን፡ ናይ ድሕነት ሰላምታን ኢዩ፤ እዚ ከኣ ሰላም ነቲ ቀንዲ ስሙ ካብ ድሕነት ስለዝረኸቦ ኢዩ። (ቅዱስ ኣጐስጢኖስ፡ ስብከታት 116) ።

ይኹን እምበር ሰላም ናይ ነፍሲ ወከፍና ግዴታን ሓላፍነትን እዩ። ሰላም ኪበሃል ከሎ ንሕጻናት ንካልኦት ኬኽብሩን፡ ኪጻወቱ ኸለዉ ንካልኦት ከይ ድንድኑን ምምሃር ማለት እዩ ። ሰላም ኪበሃል ከሎ ንብሕታዊ ትዕቢትና ምስዓርን፡ ኣብ ስድራ ቤትናን፡ ኣብ ስራሕናን፡ ኣብ ዓውዲ ስፖርትን፡ ንካልኦት ቦታ ምሃብ ማለት እዩ። ሰላም ማለት ልብናን ሕይወትናን፡ ብስቕታን፡ ኣስተንትኖን፡ ንኣምላኽ ምስማዕን ምስ ዝመልእ ኢዩ ዝርከብ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ንዓመጻ ፈጺሙ ኣይባርኽን፣ ንካልኦት ጅሆ ምሓዝን፡ ሓልዮት ፈጣሪ ንዝኾነ፡ ንፍጥረት ዘበላሹ ናብ ዕብዳን ዘድሃበ ግህሰት ሃብቲ ምድርን፡ ፈጺሙ ኣየፍቅድን።

ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ብዙሕ ውግኣት ሓይሊ ዘይብልና ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን ኢዩ። ነቲ "ኣድማሳዊ ስእነት ሓይሊ" ቢለ ንዝሰመኽዎ፡ ብእተፈላለየ መገዲ ምላሽ ክንህበሉ ንኽእል ኢና፦ ኣመንቲ ቅድሚ ኵሉ ናብ ጸሎት ክጽመዱ ኣለዎም፣ ጸሎት ንሓደ እኳ ከየግለለ፡ ሓባራዊ ረብሓ ጥራይ ዝደሊ "ዕጥቂ ኣልቦ" ሓይሊ እዩ። ብጸሎት ነቲ ናይ ገዛእ ርእስና ኣንነት ዕጥቁ ከምዝፈትሕ ንገብሮ፣ ብልግስን ብቅንዕናን ድማ ክንከይድ ንኽእል።

ኣብ ርእሲ እዚውን ልብና እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዓውዲ ኲናት እዩ ። ነቲ ኣብ ሞት ዝደፍእን፡ ንዅሉ ናይ ምዕብላል ዝንባሌን፡ ብዘይ ምፍሳስ ደም ግን ከኣ ኣገዳሲ ዝኾነ ዓወት ኣብኡ ኢና ክንመሃሮ ዘሎና፣ ምኽንያቱ ሰላማውያን ልብታት ጥራይ ኢዮም ሰላም ዝመልኣ ዓለም ክሓንጹ ዝኽእሉ። ብዛዕባ ክልኦት ምጥርጣር ናብ ሓባራዊ ርክብ ዝልወጠሉ ኣጋጣሚ ንምፍጣር፡ ዓመጻ ዘይብሉ ዓውደ መጽናዕቲ ብምስንዳው፡ ናይ ዕርቂ ባህሊ ክንለማመድ ኣሎና። ልቢ ምንጪ ሰላም እዩ፣ ኣብኡ ድማ ንሓድሕድና ኣብ ክንዲ እንጋጮ፡ ክንራኸብን፡ ክንተኣማመን እምበር ንዘይምትእምማን ከነወግድን፡ ኣብ ክንዲ ንገዛእ ርእስና እንዓጹ፡ ንካልኦት ክንሰምዕን ክንርዳእን ክንመሃር ኣሎና።

ኣብ መወዳእታ ፖለቲካን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ናይ ምይይጥን ዲፕሎማሲን ስነ-ጥበብ ተጠቒሞም ንግጭታት ናይ ምእላይ ሓላፍነት ኣለዎም። "ኦ እግዚኣሔር ኣምላኽ ሰላምካ ሃበና፣ ሰላም ናይ ዕረፍትን፡ ሰላም እታ ምሸት ዘይብላ ሰንበትን ሃበና።” በዘን ቃላት ናይ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ጌርና፡  ንእግዚአብሔር ኣቦና፡ ንዓለምና፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም እተረስዑን፡ ኣዝዮም ዚሳቐዩን፡ ፍትሕን፡ ነባሪ ሰላምን ክህበና ንለምኖ።

25 Feb 2026, 14:50