FILE PHOTO: Inside the mine funding Congo's rebels FILE PHOTO: Inside the mine funding Congo's rebels 

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብሞት 200 ሰባት ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ምብራቓዊ ኽፋል ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ መዐደኒ ኮልታን ብዘጋተመ ሓደጋ ዝሞቱ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ብምዝካር ጸልዮን።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ምብራቓዊ ኣውራጃ ሰሜን ኪቩ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ መዐደኒ ኮልታን ብዘጋጠመ ምህማም ምድሪ ከቢድ ሓደጋ ኣጋጢሙ ይርከብ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ነቲ ኸባቢ ዝቈጻጸሩ ተቐናቐንቲ ወተሓደራት M23 እተመዘ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሰሜን ኪቩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብቲ መዐደኒ ሩባያ ብዘጋጠመ ሓደጋ እንተ ወሓደ 200 ሰባት ከም ዝሞቱ ኣመልኪቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዝብሔር ኣብ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ ነቶም ግዳያት እቲ ዘሕዝን ፍጻመን፣ ንስድራቤቶምን ዘለዎም ጥቡቕ ቅርበት ገሊጾም።

"ብዛዕባ እቶም ኣብ ሰሜን ኪቩ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝርከብ መዐደኒ ዘጋጠመ ምህማም ምድሪ ግዳያት ምእንቲ ዝኾኑ ብዙሓት ሰባት ጸሎተይ ከረጋግጽ እደሊ ኣለኹ" በሉ። "ጐይታ ነዚ ብዙሕ ስቓይ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ይድግፎ! ክብሉ ውን ናብ ኣምላኽ ምሕጽንታኦም ኣቕረቡ።

እቶም ብተቐናቐንቲ ወተሃድራት M23 እተሸሙ መራሕቲ፣ ኣብ ጥቓ እታ ኻብ ጎማ 50 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ሩባያ እትብሃል መዓደቲ ዝርከበላ ስፋታ ንግዜኡ ዕደና ኣቋሪጾም ኣለዉ።

መንግስቲ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ነቶም ግዳያት ከም ዝደገፈ እኳ እንተ ገለጸ፣ ነቶም ተቐናቐንቲ ወተሃደራት M23 ግን ንተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ናይቲ ዞባ ብዘይሕጋውን ብዘይድሕንነትን ብምምዝማሶም ክሲ የቕርበሎም ኣሎ።

ዲሞክራሲያዊት ኮንጎ ኣብ 2023 ዳርጋ 40 ሚእታዊት ቀረብ ዓለም ለኻዊ ኮልታን እተፍሪ ሃገር ኢያ፣ እዚ ኮልታን ዝተሰምየ ንጥረ ነገር ኣብ ምፍራይ ኮምፕዩተራትን ከምኡውን ሞተራት ነፈርርን ዘገልግል ማዕድን ኢዩ።

ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ዓደንቲ ንኣሶሺየትድ ፕረስ ከም ዝገለጽዎ፣ እቲ መዐደኒ ገለርያታት ብኢድ ዝኵዓትን ግቡእ ክንክን ዘይግበረሉን ዓበይቲ ጐዳጉዲ ከም ዝሓዘ ኣመልከቱ። ኣብ ርእሲ ርእሲ እተደራረበ ክንዲ ዝኾነ ድማ ሓደ ምስ ዝፈርስ ድማ ነቲ ካልእ እውን ኢዩ ዝልክሞ።

ኣብ ሞዛምቢክ ፖርቱጋል ኢጣልያ ምእቲ ግዳያት ምዕልቕላቕ ማይ ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ፖርቱጋልን ደቡባዊ ኢጣልያን ሞዛምቢክን ብዘጋጠመ ህቦብላ ንፋስን ምዕልቕላቕ ማይን እተጐድኡ ወገናት ዘኪሮም ጸልዮም።

ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ሞዛምቢክ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ድሕሪ ምኽሳቱ፣ እንተ ወሓደ 150 ሰባት ሞይቶም ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ድማ ብብርቱዕ ዝናምን ምዕልቕላቕ ማይን ተጐዲኦም ይርከቡ።

ኣብ ማእከላይ ፖርቱጋል ብምኽንያት ህቦብላ ክሪስቲን ኣብ ሰዓት ክሳዕ 202 ኪሎ ሜተር ዝፍጥነቱ ንፋስ ብውሕዱ ንሕይወት 6 ሰባት ቀዚፉ ይርከብ ኣሎ።

02 Feb 2026, 12:09