ድለ

2025.09.14 Commemorazione dei martiri e testimoni della fede del XXI secolo 2025.09.14 Commemorazione dei martiri e testimoni della fede del XXI secolo  (@Vatican Media)

ክሳዕ በዓለ ትንሳኤ ዘሎ ዓውደ ኣዋርሕ ሊጡርጊያዊ መደባት ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14

ሃገረ ቫቲካን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ክሳዕ በዓለ ትንሳኤ ዘሎ ግዜ ከካይድዎ ዝመደቡ ናይ ሥርዓተ ኣምልኾ መደባት ዝሃዘ ዓውደ-ኣዋርሕ ኣሕቲሙ ይርከብ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ሓሙሽተ መደባ ምብጻሕ ቁምስናታት ከተማ ሮማን ዜጠቓልል ክኸውን እዩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ሓሙሽተ ኣብያተ ክርስትያን ከተማ ሮማ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክገብሩን ምስ ናይ ሰበኻ ሮማ ኩሪያ ሓቢሮም ኣብ ሃገእ ቫቲካን ኣብ ዝካየደ መንፈሳዊ መደባት ዘመነ ጾም ክሳተፉን ከምኡውን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ዮሓንስ ላተራንን ናይ በዓለ ትንሳኤ ጽምብላት ክመርሑን ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መብል 14 ካብ ሰንበት ዕለት 15 ለካቲት ክሳዕ ሰንበት ዕለት 15 መጋቢት ናብ ሓሙሽተ ቍምስናታት ሰበኻ ሮማ ተኸታታሊ ምብጻሕ ከካይዱን ምስ ምእመናንን ቆመሳትን ጳጳሳቶምን ዘለዎ ጥብት ርክብ ክገልጹ ኢዮም።

እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ርሑቕ ቦታታት እታ ርእሰ ከተማ ኣብዝርከብ ከባቢታት ኢዮም ከካይድዎ፣ ምስቲ መንፈሳውነት ዘመነ ጾምን ጽምብላት በዓለ ትንሳኤን ብምትሕሓዝ ድማ ኢዮም ከካይድዎ።

ኣብ ሓሙሽተ ሰንበቲ ዝካየድ ምብጻሕ ቁምስናታት

ብመሰረት እቲ ብዕለት 3 ለካቲት ካብ ቤት ጽሕፈት ጳጳሳዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝወጸ ዓውደ-ኣዋርሕ ከም ዘመልክቶ፣ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ክግበር ኢዩ፣ መሥዋዕተ ቅድሴ ድማ ልክዕ ሰዓት 5፡00 ድሕሪ ቐትሪ ከዕርጉ ኢዮም።

ይኹን እምበር ብዕለት 22 ለካቲት ንግሆ ናብቲ ኣብ ካስትሮ ፕሪቶሪዮ (ጥቓ መደበር ተርሚኒ) ዝርከብ ደብረ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ምብጻሕ ከካየዱ ኢዮም፣ ኣብኡ ድማ ልክዕ ሰዓት 9፡00 ናይ ንግሆ ክበጽሑ  ትጽቢት ይግበረሎም ኣሎ።

እታ ናይ መጀመርታ ዝበጽሕዋ ቍምስና ብዕለት 15 ለካቲት ኣብ ቍምስና ንግስተ ሰላም እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘኦስቲያ ሊዶ ክትከውን ኢያ።

ብዕለት 1 መጋቢት ኣብ ክፍለ ከተማ ኣሌሳንድሪኖ ናብ ደብረ ዕርገት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክበጽሑ ድማ ተመዲቡ ኣሎ። ብዕለት 8 መጋቢት ኣብ ክፍለ ከተማ ቶረቬቺያ ናብ ደብረ ቅድስት ድንግል ማርያም፤ ብዕለት 15 መጋቢት ከአ ኣብ ፖንተ ማሞሎ ኣብ ዝርከብ ደብር ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ክበጽሑ ኢዮም።

መንፈሳዊ ሱባኤ ምስ ኩሪያ ሮማና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዕለት 18 ለካቲት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ባዚሊካ ቅድስት ሳቢና ኣብ ኣቨንቲን ሂል ብዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ መደባት ዘመነ ጾም ክጅምሩ እዮም፣ ቀቅድሚኡ ድማ ካብታ ኣብ ጥቓኡ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ኣንሰልም ዚነቕለ ናይ ፍኖተ መስቀል መደብ ብምክያድ ክጅምሩ እዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብቲ ካብ ዕለት 22 ክሳዕ ዕለት 27 ለካቲት ኣብቲ ኣብ ሓዋርያዊ ህንጻ ዝካየድ ዓመታዊ ናይ ዘመነ ጾም መንፈሳዊ ሱባኤ ምስ ኩርያ ሮማና ብምሕባር ከካይዱ ኢዮም።

በዓል ትንሳኤን ሣልስቲ ትንሳኤን

ዕለት 29 መጋቢት ንግሆ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅድሴ ከዕርጉ ኢዮም።

ጽንብላት በዓል ትንሳኤ ድማ ካብ ጸሎተ ሓሙስ ዕለት 2 ሚያዝያ ንግሆ ጅሚሮም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን፣ ምሸት ድማ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራን ካቴድራሎም ከም ናይ ሮማ ጳጳስ መጠን ብዝዓርግ ብዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክጅምሩ ኢዮም።

ኣብ ዓርቢ ስቕለት ዕለት 3 ሚያዝያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ሥርዓተ ስግደት ሕማማት ጐይታ ክመርሑን፣ ጸኒሖም ከኣ ኣብ ኮለስየም ኣብ ዝካየድ ልሙድ መደብ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ክካፈሉን እዮም።

ድሕርዚ ኣብ ቀዳም ሥዑር ዕለት 4 ሚያዝያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ምእመናን ኣብ ቤተ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም።

ንበዓለ ትንሳኤ ድማ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሰንበት ትንሳኤ ብመሥዋዕተ ቅዳሴ ክዛዘም ኢዩ፣ ብድሕርዚ ድማ ካብ ማእከላይ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ልሙድ ሓዋርያዊ ብራኬ “ንከተማን ንመላእ ዓለምን” (Urbi et Orbi) ብምክያድ መደባቶም ክዛዝሙ ኢዮም።

04 Feb 2026, 15:24