ቃል ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ምዝዛም ሱባኤ ዓቢይ ጾም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 27 ለካቲት ኣብ መዛዘሚ ናይ ሓደ ሰሙን ሱባኤ ዓቢይ ጾም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ነቲ ብጳጳስ ኤሪክ ቫርደን ዝቐረበ ስብከት ሱባኤ ዓቢይ ጾም ቅውሙ ሓሳብ ብምሕሳብ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ ነተን መዓልታት ሰሰነየ “ዓሚቝ መንፈሳዊ ተመክሮ ዝተነብረሉ ግዜ” እንክብሉ ገሊጾም፡ ንኹርያ ሮማና ኣብ ጉዕዞ ዓቢይ ጾም ዘሰንይ ብዛዕባ ገዳማዊ ህይወትን ምስክርነትን በርናርዶስ ብዓል ኪያራቫለ ተማእኪሉ ዝቐረበ ኣስተንትኖ ዘማእከለ ምንባሩ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣስተንትኖ ዝዕድም ህሞት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ብዕምቆት ዝተንከፎም ህሞታት ብምጥቃስ ብዛዕባ ምርጫ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኤጀኒዩስ ሳልሳይ ዝቐረበ ኣስተንትኖ ብምዝካር፡ ቅዱስ በርናርዶስ “እንታይ ኢኹም ዝገበርኩም? እግዚኣብሔር ምሕረት የውርደልኩም” ዝበሎ ጠቒሶም፡ ብድሕሪኡ ነቲ ሱባኤ ዝተኻየደሉ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ዘሎ ቤተ ጸሎት ቅዱስ ጳውሎስ እናሓሰቡ፡ ንሶምን ኣሕዋቶም ካርዲናላትን ዕለት 8 ግንቦት ብሓባር መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረጉላ መዓልቲ ዘኪሮም፥ ኣብቲ ቤት ጸሎት ዝተጻሕፈ ካብ መልእክቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊፒሲዩስ ዝተወስደ “ንዓይ ምንባር ክርስቶስ እዩ፡ ምሟት ከኣ ረብሓይ እዩ” ዝብል ጠቒሶም፡ “ኣብዚ ኵነታት እዚን በዚ ናይ ሕብረት መንፈስን እዚ፡ ኩላትና ተኣኪብና ኢና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዝተፈላለየ ሓላፍነትና ምኽንያት እንነብር እኳ እንተ ዀንና፡ ጎኒ ንጐድኒ ኢና ንሰርሕ፡ ብጸሎት ምርኻብ “ኣብ ህይወትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ህሞት” እዩ፣ ንውልቃዊ ህይወትን ንቤተ ክርስቲያንን ኣገደስቲ ዝኾኑ ሕቶታት እነስተንትነሉ እዋን ምዃኑ እውን ወሲኾም ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኒውማን፡ ናጽነት፡ ተስፋ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብቶም ኣብቲ ናይ ሱባኤ ሰሙን ብጳጳስ ቫርደን ዝመረጹ ቁዉም ሓሳባት፡ ከም መወከሲ ሊቕ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማንን ሕልሚ ጀሮንቲየስ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረሶ ግጥሚ ጠቒሶም፡ ኒውማን ንሞትን ፍርድን “ከም ስሉስ ኩርናዓዊ ቅርጺ” ከም ዘቕርቦ ኣመልኪቶም፡ በዚ ኣቢሉ ድማ ኣንባቢ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስ ፍርሕን ዘይብቑዕነት ይገጥም ቢሎም፡ ሓርነትን ሓቅን እውን ኣብ እዋን ኣስተንትኖታት ዝተተንከፉ ኣገደስቲ ሸነኻት ህይወት ክርስትና ኮይኖም ጐሊሖም ከምዝረኣዩ ወሲኾም ሓቢሮም። ናብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊልጲሲዩስ ምልስ ቢሎም፡ ነቲ ሃዋርያ ኣብ መንጎ እቲ ምስ ክርስቶስ ናይ ምዃን ባህግን ኣብ መንጎ "ዕቤትን ሓጐስን ብእምነት" ንኽትጸንሕ ኣብ ዘቐረቦ ጻውዒት ዘሎ "ከቢድ ጸቕጢ" ኣስተብሂሎም፡ ነቲ ጳውሎስ “ንወንጌል ክርስቶስ ብቑዕ ብዝኾነ መገዲ ጥራይ ተማላለሱ” ዚብል ምዕዶ ኣጒሊሖም፡ “እዚ መልእኽቲ እዚ ኣብ መወዳእታ እዘን መዓልታት ጸሎትን ኣስተንትኖን ዝግበር ዕድመ እዩ፣ ቃል ኣምላኽ ንኹላትና ዝምልከት መልእክቲ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ምስጋናን ህያብ ሙዚቃን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ንጳጳስ ቫርደን ስለ እቲ ዘቕረብዎ ስብከት ዓቢይ ጾም፡ ኣስተንትኖኦምን ጥበቦምን ምስክርነቶምን ምስ ናይ ቅዱስ በርናርዶስ ገዳማዊ ሕይወት ሓቢሮም ነባሪ ምንጪ በረኸትን ጸጋን ምዃኖም ገሊጾም። ንቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሊጡርጊያ ቅድስቲ መንበር ንዝፈጠሮ ሃዋሁን መዘምራንን ሱባኤ ኣመጊኖም፡ “ሙዚቃ ኣብ ጸሎትና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ . . . ቃላት ክገልጾን ክበጽሖን ብዘይክእል መንገዲ ይሕግዘና፣ መንፈስና ናብ ጐይታ ልዕል የብል” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
