ኣየርላንዳዊ ግዳይ ግህሰት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ተራኺቡ ኣየርላንዳዊ ግዳይ ግህሰት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ተራኺቡ   (@Vatican Media)

ኣየርላንዳዊ ግዳይ ግህሰት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ተራኺቡ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኣብ ኣየርላንድ ኣብ ዝርከብ ተቕዋም ብላክሮክ ተማሃራይ ዝነበረ ዴቪድ ራያን ተራኺቦም፡ ብዛዕባ እቲ ንሱን ነፍስሄር ሓዉ ማርክን ኣብ ካቶሊካዊ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዘሕለፍዎ ግህሰት ዝገልጽ ታሪኽ ከም ዘካፈሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ጾታዊ ዓመጽ ዝደሓነ ኣየርላንዳዊ ዴቪድ ራያን ከም ተራኸቡን፡ ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ RTÉ Radio 1 ኣብ ዝተሰምየ መደብር ተለቭዥን ብዛዕባ ንሱን ነፍስሄር ሓዉ ማርክን ኣብ ካቶሊካዊ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተማሃሮ እንከለዉ ዘጋጠሞም ግህሰት ዝገልጽ ሰነዳዊ ፊልም ከም እተመሓላለፈ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ተቕዋም ብላክሮክን ኣብ ካውንቲ ዳብሊን ዝርከብ መሰናድኦ ቤት ትምህርቲ ዊሎው ፓርክን ካብ 12 ክሳብ 17 ዓመት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ተማሃሮ ከም ዝነበሩን፡ ራያን ድሕሪ እቲ ርክብ ምስ ቅዱስነቶም ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ ዘጋጠሞ ግህሰት ዝገልጽ ጸብጻባት ብዕምቆት ከም ዝፈልጥዎ ብቐረባ ከም ዘስተውዓለን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ሰባትን ስድራቤቶምን ዘለዎም ድንጋጽን ሓልዮትን ብምግላጽ ቅርበቶም ከም ዘረጋገጹሉ ኣፍሊጡ፡ "ብዛዕባ ስቓየይን ስቓይ ስድራ ቤተይን ነቶም ገና ዘይመጹ ኻልኦት ብህይወት ዝተረፉ ሰባትን ምስ ሰምዑ ኣዝዩ ከም ዝሓዘኑን፡ እቲ ርክብ እውን ሓቀይና ናይ ስቓየይን ናይቶም ከማይ ዝኣመሰሉ ዘሕለፍዎ ስቓይ ከም ዝሕምሞም ምስትውዓለይ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ብምግባረይ ኣዝየ ሕጒስ እየ" ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ እዋን እቲ ርክብ ምስ ቅዱስነቶም ይብል ራያን፡ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ናይታ ዕለት 1 ለካቲት ዓመታዊ ክብረ በዓል እተብዕለላ ናይ ቅድስቲ ብሪጂዳ በዓልቲ ኪልዳር ምስሊ ከም ዝለገሰሎም ሓቢሩ፡ ብተወሳኺ እውን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስእሊ ናይቲ ኣብ ብላክሮክ ኮለጅ ማህሰይቲ ዝወረዶ እሞ ኣብ 2023 ኣብ መበል 62 ዓመት ዕድሚኡ ብሃንደበት ናይ ዝዓረፈ ሓዉ ማርክ ከም ዘርኣዮምን፡ እቲ ምስ ቅዱስነቶም ዘካየዶ ርክብ ድማ ዘይርሳዕ ተመክሮ እንክብል ብምግላጽ፡ ቅንዕናኦምን ሓልዮቶምን ብቐረባ ከም ዘስተውዓለን ስቓየይ ከም እተሰመዖምን እቲ ስቓይ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ በቲ ስቓይ ዝሓለፈ ጥራሕ ዝፈልጦ እኳ እንተኾነ ኣነን ስድራ ቤተይን ዘሕለፍናዮ ስቓይ ይፈልጥዎ እዮም፡ ቅርበቶም ድማ ብሓቂ ተስፋ ዘስርጽ እዩ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 Feb 2026, 15:57