ር. ሊ. ጳ.፦ ቃል ኣምላኽ ንጽምኢ ትርጕም ህይወትን ሓቅን ምላሽ ይህብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፣ ኣብ መንጎ ቃል ኣምላኽን ቤተ-ክርስትያንን ዘሎ ጥብቅ ምትእስሳር ብምግላጽ ከምኡውን ብዛዕባ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምስትንታን ንምእመናን ምስ ኣምላኽ ንክዘራረቡ ብኸመይ ከም ዝሕግዞም የጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቃል ኣምላኽ ንህይወት ነፍሲ ወከፍ ምእመናን ይዛረብ፣ ምስ ጐይታ ኣብ ዝርርብ ንኽንኣቱ ከም ዘኽእለናን፣ ንቤተ-ክርስትያን ድማ ኣብ ተልእኾኣ ከም ዘበራትዓ ብምግላጽ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ተረኺቦም ኣስተምህሮ ኣካፈሉ።

ካብዚ ብምቕጻል ምኡእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዘካፈልዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም!

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሩኽ መዓልቲ!

ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ኣብ መንጎ ቃል ኣምላኽን ቤተ-ክርስትያንን ዘሎ ዓሚቝን ኣገዳስን ምትእስሳር ክንርኢ ኢና፣ እዚ ድማ ኣብ ሻድሻይ ምዕራፍ ናይቲ ደግማዊ ቅዋም “ቃል እግዚብሔር” (Dei Verbum) ተገሊጹ ዘሎ ምትእስሳር እዩ። ቤተክርስትያን ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ማዕከን ኢያ። መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ካብ ህዝቢ ኣምላኽ ዝመነጨ እዩ፣ ንህዝቢ ኣምላኽ ድማ እዩ ተሰናድዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ድማ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ምሕደሩ ይረክብ፣ እወ ኣብ ህይወትን እምነትን ቤተ-ክርስትያን ትርጕሙ ዝግለጸሉን ሓይሉ ዝረኣየሉን ቦታ ይረክብ።

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከም ዝገለጾ፣ "ቤተክርስትያን ልክዕ ከምቲ ንስጋ ጐይታ እተኽብሮ ገይራ ንመለኮታዊ ዝኾነ ቅዱስ መጽሓፍ እውን ወትሩ ከተኽብሮ ትነብር ኣላ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ካብ መኣዲ ቃል ኣምላኽን ስጋ ክርስቶስን ንናይ ህይወት እንጌራ ብዘይምቍራጽ ትቕበልን ትምገንብ እያ፣" ብምባል የዘኻኽረና። ብተወሳኺውን "ኵሉ ሳዕ ምስ ቅዱስ ትውፊት ኣተሓሒዛ ከም ዝለዓለ ሕጊ እምነት ገይራ ትከናኸኖን እያ" (DV 21)።

ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ኣገዳስነት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ካብ ምስትንታን ኣተቛርጽን ኢያ። ድሕሪ እቲ ጉባኤ ኣብዚ መዳይ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ህሞት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2008 ዝኾነ ኢዩ፣ "ቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወትን ተልእኾን ቤተ-ክርስትያን" ዘርእስቱ ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ድማ ተኻይዱሩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ ድሕሪ ሲኖዶስ ዝጸሓፍዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን “ቃል ኣምላኽ” (Verbum Domini) ብዕለት 30 መስከረም 2010 ከም ፍረ ናይቲ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣዊጆም። "እቲ ኣብ መንጎ ቃልን እምነትን ዘሎ ውሽጣዊ ምትእስሳር ሓቀይና ቅዱስ መጽሓፋዊ ትርጓሜ ኣብ ውሽጢ እምነት ቤተ-ክርስትያን ጥራይ ከም ዝርከብ ንጹር ይገብሮ። እቲ ቐንዲ መአረምታ ቅዱስ መጽሓፋዊ ትርጕም ህይወት ቤተ-ክርስትያን ከአ እዩ" (ቁ.29)።

ስለዚ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ ፍሉይ ዝኾነ ዕዮኦም ዚፍጽመሉን ዕላማኦም ዝወቕዑሉን ቦታ ይረክቡ፣ እዚ ኸኣ ንክርስቶስ ንምፍልጣን ምስ ኣምላኽ ኣብ ዘተ ንምኽፋትን እዩ። እወ "ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይምፍላጥ ብዛዕባ ክርስቶስ ዘይምፍላጥ እዩ።" እዚ ፍሉጥ መግለጺ ቅዱስ ጀሮም፣ ነቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምንባብን ምስትንታንን ኢዩ የዘኻኽረና፣ ንክርስቶስ ምፍላጥን ብእኡ ኣቢልካ ምስ ኣምላኽ ርክብ ንምምስራት ከም ዝርርብን ዘተን ክንርድኦ ድማ ንኽእል ኢና። ዶትማዊ ቅዋም (Dei Verbum) ከኣ ነቲ ግልጸት ኣምላኽ ንሰባት ከም ኣዕሩኽ ገይሩ ዘቕርቦ ንኽንርድኦ ይገብረና (DV 2)። እዚ ኸኣ ንቅዱስ መጽሓፍ ብመንፈስ ጸሎት ከነንብቦ ከለና እዩ ዚፍጸም፣ ብኣታቶም ኣቢሉ ከአ ኣምላኽ ናባና መጺኡ ምሳና ይዘራረብ።

እቲ ንቤተ-ክርስትያን ብሕድሪ እተዋህበን ብእኣ እተዓቀበን እተገልጸን ቅዱሳት ጽሑፋት፣ ንጡፍ ግደ ኣለዎ፣ ብርግጽ ብውጽኢታውነቱን ሓይሉን ንማሕበረሰብ ክርስትና ይድግፍን የበራትዕን እዩ። ኵሎም ምእመናን ካብዚ ዓይኒ ማይ እዚ ክሰትዩ ድማ ተጸዊዖም እዮም፣ ብቐዳምነት ድማ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴን ካልኦት ምሥጢራትን ኪሰትዩ እውን ተጸዊዖም እዮም። ንቅዱሳት መጻሕፍቲ ምፍቃርን ምስኦም ምፍላጥን ነቶም ኣገልግሎት ቃል ኣምልኽ ዝፍጽሙ ጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ጓሶት ነፍሳትን ክመርሖም ኣለዎ። ዕዮ ዕላማን ቅዱስ መጽሓፋዊ ስነ-ፍልጠትን ብዋጋ ዘይሽነን ኣይኮነን፣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከኣ ኣብ ስነ-መለኮት ማእከላዊ ቦታ ኣለዎን፣ እዚ ድማ መሰረትን ነፍስን ሥነ መለኮት ኣብ ቃል ኣምላኽ ክንዲ ዝኾነ ኢዩ።

ቤተክርስትያን ቃል ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ኣባላታ ኺበጽሖን ናይ እምነት ጕዕዞኦም ኬማዕብልን ልባዊ ትምኒት ኣለዋ። ቃል ኣምላኽ ግና ንቤተ-ክርስትያን ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺኣ ንኽትከይድ ርድግፋ፣ ወትሩ ናብ ኵሎም ደቅሰባት ዘለዋ ተልእኾ ድማ ይኸፍተላ። እወ ብብዙሕ ቃላት ተኸቢብና ኢና እንነብር ዘለና፣ እንተዀነ ግን ክንደይ ካብዚኣቶም ባዶ ቃላት ጥራይ እዮም! ሓድሓደ ግዜ ንናይ መወዳእታ መጻኢና ዘይጸልዎ ጥበባዊ ቓላት እውን ንሰምዕ ኢና። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ቃል ኣምላኽ ነቲ ብዛዕባ ህይወትና ዘሎ ሓቂ ንምፍላጥ ዘሎና ጽምኢ የርውየልና እዩ። ኵሉ ሳዕ ሓድሽ ዝዀነ እንኮ ቃል ንሱ ጥራይ እዩ፣ ምሥጢር ኣምላኽ ዝገልጸልናን ዘይውዳእ ሃብቱ ኻብ ምሃብ ድማ ዘየቋርጽን እዩ።

ፍቑራት ኣሕዋተይ፣ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንምንባር ሓደ ሰብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምሉእ ብምሉእ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ብኸመይ ከም ዝዛመድ ይመሃር፣ በዚ ኸምዚ ድማ ዓሚቝ ምኽንያት ዋጋኡን ሓይሉን ምዃኑ ይፈልጥ። ክርስቶስ ህያው ቃል ኣቦ እዩ፣ ቃል ኣምላኽ ንሰብ ዝፈጠረ ቃል እዩ። ኲሎም ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንነፍሲ ወከፍናን ንዅላትናን ደቂሰባትን ንምድሓን ህላወ ኣምላኽ ዝእውጅ እዩ። ስለዚ ኣብነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ቤተክርስትያን ብምስዓብ ነዚ ውህበት እዚ ንምቕባል ልብናን ኣእምሮናን ንኸፍት።

12 Feb 2026, 07:47