ድለ

ናይ ወርሒ ለካቲት ሓሳብ ጸሎት ር. ሊ. ጳ.፣ 'ምስ ዘይሓዊ ሕማማት ንዘለዉ ህጻናት ንጸሊ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ንወርሒ ለካቲት ዘቕረብዎ ሓሳብ ጸሎት፣ ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብሕማም ዝሳቐ ዘሎ ህጻን ገጽ ኣምላኽ ምእንቲ ከለልዩን፣ ምስ ቅዱስነቶም ሓቢሮም ክጽልዩን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንርሓዊ ሓሳብ ጸሎት ኣብ ንዘካፍልሉ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምጽላይ ዘርእስቱ ናይ ቪድዮ መልእኽቶም  "ኦ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ሕጻናት ኣብ ሕቝፍኻ ከም ዝተቐበልካዮምን፣ ብለውሃት ዝባረኽካዮምን፣ ሎሚ ድማ ነቶም ብዘይሓዊ ሕማማት ዝሳቐዩ ዘለዎም ቈልዑን ህጻናትን ኣብ ቅድሜኻ ነቕርቦም ኣሎና።” ብምባል  ምእንቲ እቶም ብሕማም ዝሳቐዩ ዘለዉ ቘልዑ ብምጽላይ መልእኽቶም ጀሚሮም።

እቲ "ተነቃፊ ኣካላቶም" ምልክት ህላወ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑን፣ ኣብ ማእከል ስቓይ ፍሽኽታኦም ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝምስክርን ድማ ገለጹ።

"ኦ ጐይታይ ግቡእ ሕክምናዊ ኽንክንን፡ ሰብኣዊ ርሕራሐን ቈላሕታን፡ ከምኡ ውን ደገፍ ናይቲ ብፍቕሪ ዘሰንዮም ዘሎ ማሕበረሰብ ከይጐድሎም ንልምነካ ኣለና" እውን ክብሉ ጸለዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ምእንቲ ስድራቤታት ናይቶም ዝሓመሙ ቈልዑን፣ ስለ ኣለይቲ ሕሙማትን ሓካይምን እውን ጸልዮም፣ መንፈስ ቅዱስ ንውሳነታቶም ከብርሆምን ትዕግስትን ለውሃትን ክህቦም ተስፋ ከም ዝገበሩ ድማ ገለጹ።

"ጐይታይ ኣብ ኵሉ ስቓይ ናይቲ ዝሓመመ ህጻን ንገጽካ ኸነለልዮ ምሃረና" ድማ በሉ። "ተኣፋፍነቶም ንርሕራሐና የበራብር፡ ብጭቡጥ ናይ ረድኤት ተግባራት ከኣ ክንከናኸኖምን ከነሰንዮምን ንኸነፍቅሮምን ይድርኸና" ድማ በሉ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንተነቃፊ ኩነታቶም ብኸመይ ከም እትድግፍን፣ ኣብ ማእከል ስቓይ ምንጪ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽኮኖምን ምእመናን ክጽልዪ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ምእመአንን ምእንቲ እቶም ዚሳቐዩ ዘለዉ ህጻናት ይጽልዩ

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ነቶም ብዘይሓዊ ሕማም ዝሳቀዩ ዘለዎም ቈልዑን ህጻናትን ኣብ ልቦም ሂዞም ይጽልዩሎም ከም ዘለዉ ኣመልከተ።

እታ ምስ ጸሎት ቅዱስነቶም እተተሓሓዘት ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ኣብታ ኣብ ሃገረ ቫቲካን እትርከብ ቤተጸሎት ቅዱስ ፔሌግሪኖ እተሰናደወት ኢያ ዝንበረት። እዛ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ቅዱስነቶም፣ ናይቶም ኣብ ሮማ ኣብ ዚርከብ ናይ ህጻናት ቤተ ሕክምና ኢየሱስ ህጻና ክንክን ዝረኽቡ ዘለዉ እተፈላለየ ሕማማት ዘለዎም ቈልዑን ህጻናት ዘርኢ ስእልታት እውን ሒዛ ትርከብ።

ብመሰረት እቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘውጽኦ መግለጺ ዓመታዊ ኣስታት 400,000 ዝኾኑ ቈልዑን ህጻናትን ብሕማም መንሽሮ ከም ዝሳቐዪ ዘለዉ የመላኽት፣ እዚ ድማ ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ጠንቂ ሞት ሕጻናትን መንእሰያትን ይገብሮ።

ማሕብር ሓልዮ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዩኒሴፍ ከም ዝገለጾ ልዕሊ 2.1 ቢልዮን ዝኾኑ ህጻናትን ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑን መንእሰያትን ብሕዱር ሕማም ወይ ናይ ነዊሕ ግዜ ጸገማት ጥዕና ይሳቐዩ ከም ዘለዉ የመላኽት። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድሚኦም 1 ሚልዮን ቈልዑ በዚ ሕማም እዚ ከም ዝሞቱ እውን ኣመልኪቱ።

ከምቲ ዳይረክተር ዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኾኑ ክቡር ኣባ ክሪስቶባል ፎንስ ዝበልዎ፣ "ኣብ ልዕሊ 90 ሃገራት ዝርከቡ ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ነዚ ሓሳብ ጸሎት እዚ ይሓብሩ ምህላዎም ምፍላጥና ተስፋ ዝሕብ እዩ። እዚ በዳህን ኣጸጋምን ክውንነት እዚ ንልቦም ይትንክፍን ተጸምዶኦም የደልድልን ኢዪ ዘሎ" ድማ በሉ።

ር. ሊ. ጳ.  ምእንቲ ዘይሓዊ ሕማም ዘለዎም ህጻናት ዝጸለይዎ ጸሎት

ኦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነቶም ሕጻናት ኣብ ሕቝፍኻ ዝተቐበልካቶምን ብለውሃት ድማ ዝባረኽካቶም፣ ሎሚ ነቶም ብዘይሓዊ ሕማማት ዝሳቐዩ ዘለዉ ህጻናት ኣብ ቅድሜኻ ነቕርብ ኣሎና።

እቲ ተነቃፊ ኣካላቶም ምልክት ህላወኻ እዩ፣ ፍሽኽታኦም ኣብ ማእከል ስቓይ እውን ከይተረፈ ምስክር መንግስትኻ እዩ፣ ኦ ጐይታ፣ ግቡእ ሕክምናዊ ክንክንን ሰብኣዊ ርሕራሐን ቈላሕታን ደገፍን ናይቶም ብፍቕሪ ዝከናኸውንዎም ማሕበረሰብ ከቶ ከይጐድሎም ንልምነካ ኣሎና።

ኣብ ማእከል ድኻምን ምጥርጣርን ንስድራ ቤቶም ብተስፋ ኣጽንዓዮም፣ ብዛዕባ እታ ብፈተና እትድልድል እምነት ድማ መሰኻኽር ግበሮም።

ዕዮኦም ወትሩ መግለጺ ንጡፍ ርሕራሐ ምእንቲ ክኸውን፣ ኣእዳው ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ባርኽ። መንፈስካ ኣብ ኵሉ ኸቢድ ውሳኔታት የብርሆም፣ ብኽብረት ንኼገልግሉ ድማ ትዕግስትን ለውሃትን ይሃቦም።

ኦ ጐይታ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስቓይ ዝመልኦ ቘልዓ ንገጽካ ከነለሊ ምሃረና። ተኣፋፍነቶም ንርሕራሐና የበራብር፣ ብጭቡጥ ናይ ምትሕግጋዝ ተግባራት ክንከናኸኖምን ከነሰንዮምን ንከነፍቅሮምን ይደርኸና።

ከምታ ብልባዊ ፍቕሪ እተለዓዓለትን ብጸሎትን ኣገልግሎትን ተደሪኻ ነቶም ተነቀፍቲ ብኸመይ ከም እትድግፍ እትፈልጥ ቤተክርስትያን ግበረና።
ኣብ ማእከል ስቓይ ከኣ ምንጪ ምጽንናዕን፡ ዘርኢ ተስፋን፡ መሰኻኽር ሓድሽ ህይወትን እትኸውን ቤተ-ክርስትያን ግበረና።
ኣሜን።

06 Feb 2026, 16:22