ድለ

2025.12.12 Celebrazione eucaristica nella Memoria della Beata Vergine Maria di Guadalupe 2025.12.12 Celebrazione eucaristica nella Memoria della Beata Vergine Maria di Guadalupe  (@VATICAN MEDIA)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14፦ ጓዳሉፐን ንወንጌል ኣብ ባህሊ ማህበረሰብ ምስራጽን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ካብ ዕለት 24 ክሳዕ ዕለት 26 ለካቲት 2026 ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ዝተኻየደ ሥነ-መለኮታውን ጕስነታውን ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ፍጻሜታት ጓዳሉፐ፣ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንእኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ከም ኣርኣያ ናይ ሓቀኛ ምስራጽ ወንጌላውነት ኣብ ባህሊ ምዃና ገይሮም ብምቕራብ፣ መለክዒ ተልእኾ ወንጌላውነት ናይ ቤተ-ክርስትያን ምዃና እውን ኣመልኪቶም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብጳጳሳዊ ሽማግሌ ላቲን ኣመሪካን፡ ብጉባኤ ጳጳሳት ሃገረ ሃገረ ሜክሲኮን፡ ፈረሰኛታት ኮሎምቦስን ከምኡውን ብጳጳሳዊ ኣህጉራዊ ተቕዋም ማርያማዊ ሥነ-ትምህርቲ እተወደበ ስነ-መለኮታውን ጕድነታውን ዓውደ ጉባኤ ተኻይዱ፣ ነቲ ኣብ 2031 ዝዝከር ዓመተ ኢዮቤል መበል 500 ዓመት ግልጸት ድንግል ማርያም ንዣን ዴየጐ ንምድላው ብዛዕባ ፍጻመ ግልጸት ጓዳሉፐን ዘሎ ኣስተንትኖታት ንምሕዳስን ዝጽዕር ድማ ኢዩ ዝንበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ብዕለት 5 ለካቲት ዝጸሓፍዎ መልእኽቶም፣ ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ታሪኽ ብኸመይ ከም ዝገለጸን፣ እዚ ግልጸት እዚ ሓሳባዊ ጥራይ ዘይኮንስ፣ ዘይኰነስ ኣብ ሰብኣዊ ተመክሮን ሓርነትን ብምእታው ዝኾነ ግልጸት ምዃኑ ኣስተንተኑ። ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ ወንጌላውነት ኪበሃል ከሎ ንጐይታናንን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ህልው ብምግባርን ምስኡ ውልቃውን ሓባራውን ህይወት ዝቐርጽ ህያው ርክብ ምምዕባልን ማለት እዩ ክብሉ ኣስመሩሉ።

ጓዳሉፐ፦ ምስ ክርስቶስ ናይ ምርኻብ ኣርኣያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ብዛዕባ ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ብምጥቃስ ሓቀኛ ኣርኣያ ስብከተ ወንጌል ኣብ ባህሊ ምኹኑ ገሊጾም፣ ወሲኾም ድማ ንባህሊ ሕብረተሰብ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘየጥፍኦ ወይ ከም ዘይነጽጎ ኣመልኪቶም። ኣብ ክንዳኡስ ምስ ክርስቶስ ዝራኸቡሉ ቦታ ምእንቲ ኪዀኖም ከም ዘለውዎ ይወስዶምን የንጽሆምን እዩ። እቲ ኣብ እምባ ተፐያክ ዝኾነ ፍጻሜ ንምልኣትን ሓድሽነትን ክርስትያናዊ ግልጸት ብምዕቃብ ብዘይ ኣስገዳድ ወንጌል ንምስባኽ መርኣያ ኸም ዝኸውን ገለጹ።

ምስራጽ ወንጌል ኣብ ባህልታት ኣዝዩ ኸቢድ መስርሕ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ንወንጌል ኣብ ባህልታት ምስራስ ኣድካምን ዘንጽሕን መስርሕ ምዃኑ ገሊጾም። እዚ መስርሕ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ባህልታት ዘሎ "ዘርኢ ቃል ኣምላኽ" ኣፍልጦ ምሃብ ንዝብል ኣምር ዘጠቓልል እዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ክውንነት በቲ ካብ ምሥጢረ ፋሲካ ክርስቶስ ዝወጽእ ጸጋ ከም ዝበርህን ከም ዝቕየርን ምግባር እውን የጠቓልል። ዝዀነ ይኹን ባህሊ ሃብታም እኳ እንተ ዀነ፣ ናይ መወዳእታ መለክዒ እምነት ክኸውን ግን ኣይክእልን እዩ ።

ኣብ ዘመናዊ ከተማታትን ባህሊ ብዙሓውነትን ዘሎ ዅነታት ምትሕልላፍ እምነት ኪግመት ከም ዘይክእል እውን ኣስተንቲኖም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ምስቲ ናይ 2007 ሰነድ ኣፓሬሲዳ ብምቕጻል ነቲ ሎሚ ዘሎ ባህላዊ ብድሆታት ክዋጽኡሉ ዝኽእሉ ብስለትን ሕልናዊ ብቕዓትን ሓደ ወደ መዝሙር ንምምዕባል ንትምህርተ-ክርስቶስ ከም ቀንዲ ዕማም ቤተ-ክርስትያን ብምውሳድ፣ ሓድሽ ቍርጺ ፍቓድ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቡ።

25 Feb 2026, 14:49