ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ክርስትያናዊ ሕንጸት ትዕግስቲ፡ ምዕጃብ፡ ምሕላው ይሓትት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም ኣብቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘካየዶ ሳልሳይ ምሉእ ዓመታዊ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ዕለት 6 ለካቲት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ “ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰባትና ንህይወት ደቂ ሰባት ኣብ ኩሉ ምዕራፋቱ ንምኽባር ዝዓለመ መዳያት ህንጸት ምምዕባል ኣገዳሲ እዩ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ትሕቲ ዕድመን ኣብ ልዕሊ ተቓላዕቲ ሰባትን ዝፍጸም ዓመጽ ንምክልኻል ዝሕግዙ፣ ከምኡ’ውን ንግዳያት ዘሰንዩን ዝድግፉን” እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፡ እቲ ሳልሳይ ምሉእ ዓመታዊ ዓውደ ጉባኤ፡’ክርስቶስ ኣባኻ ክሳብ ዝቕረጽ' (ገላ 4፡19) ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣተኲይሩ፡ ሕንጸት ዓለማውያ ምእመናን ኣብ ክርስትያናዊ ሕይወትን ተመክሮ ዓለም ሓቆፍ ኣኼባታትን" ዝዳህሰሰ ከምዝነበረን ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ነቶም ኣብዚ ኣገዳሲ ዕማም ዝተዋፈሩ ከም “ናይ ሓባር ሸነኽ” ዝኣመሰሉ ክጠቕሙ ዝኽእሉ ሓያሎ ኣገደስቲ ባእታታት ክርስትያናዊ ሕንጸት ከም ዘስተንተኑን ይሕብር።
ንእምነት ቤተ ክርስቲያን እያ እትፈጥሮ
"ከምቲ ሕይወት ወዲ ሰብ ብፍቕሪ ሰብኣይን ሰበይትን ዝመሓላለፍ፡ ክርስትያናዊ ህይወት ብፍቕሪ ሓደ ሕብረተሰብ'ውን ይመሓላለፍ፡ እምነት ዘመንጩ ካህን በይኑ፡ ወይ መምህር ትምህርተ ክርስቶስ፡ ወይ መንፈሳዊ መራሒ ዘይኮነስ፡ ብስድራ ቤት፡ መንእሰያት፡ ውልቀ ሰባትን ብውፉያት ሰባትን ዝቖመት፡ ብግብረ ሰናይ ህያው ዝኾነት፡ ስለዚ ድማ ፍርያም ክኸው ህንጡይ ዝኾነት፡ ናብ ኩሉ ሰብ፡ ብፍላይ ናብ ሓደስቲ ወለዶታት፡ ነቲ እትነብሮን እተስተማቕሮን ሓጐስን ምልኣትን ትርጉምን ከተመሓላልፍ እትኽእል ቤተ ክርስቲያን፡ ህያው ቤተ ክርስቲያን እያ” እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፡ “ወለዲ ንደቆም ህይወት ክህቡ ድሌት ክህልዎም ዝገብር ነገር እንተሃልዩ፡ ሓደ ነገር ክህልዎም ዝብል ኣድላይነት ዘይኮነስ፡ እቲ ኣብ ውሽጦም ዝነብር ፍድፋድ ፍቕርን ሓጐስን ንምክፋል ዘለዎም ድሌት እዩ። እዚ ሱር ናይ ነፍሲ ወከፍ ናይ ሕንጸት ተበግሶ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ህንጸት ከምቲ ወለዲ ንእምነት ናብ ደቆም ዘመሓላልፍዎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወለዲ ንደቆም ዘለዎም ፍቕሪ ብዝምልከት ኣርእስቲ እውን ሓድሓደ ግዜ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከም መምህር መጠን እቲ ዝሃንጽ ክእለት ንኸመሓላልፍ ዘይኮነስ "እምነት ከሕድር ዝኽእል “ኣቦነት' ቀዳምነት ክህበሉ ከም ዝግባእ ኣስተቢሆም፡ "ሰረተ-እምነትን ክፍጸም ዘለዎ ስርዓትን ስነ-ምግባርን ምትሕልላፍ" እኹል ከም ዘይኰነ ኣትሪሮም ብምዝኽካር፡ የግዳስ ሃነጽቲ፡ ሰባት "ነቲ እንነብረሉ ነገራት ብልግሲ ንነፍሳት ልባዊ ፍቕሪ ናይ ካልኦት መከራ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ምግባር ፍቓደይናታት ብምዃን ከምኡውን ከምቶም ምእንቲ ደቆም ኢሎም ርእሶም ዘወፍዩ ወለዲ ብዘይ ደረት ወፈያ ኺገብሩ እዮም ዝተጸውዑ - ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቅዱስ ጳውሎስ ከም ኣርኣያ ብምምልካት፣ እዚ ሓሳብ እዚ ኣብቲ እቲ ሳልሳይ ምሉእ ዓመታዊ ዓውደ ጉባኤ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ መልእኽቲ ሓዋርያዊ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ምዕራፍ 4 ፍቕዲ 19 'ክርስቶስ ኣባኻ ክሳብ ዝቕረጽ' ዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዝገበሮ ቅዉም ሓሳብ እውን ዝንጸባረቕ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተስፋ ዘይምቝራጽ
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ሃነጽቲ “ናብ ጥምቀትን ቅዱሳት ምስጢራትን ዝመርሕ ቅኑዕን መሳጥን ብሕታውን ናይ ሕይወት መንገድታት ከስፍሑ ከምኡውን ነቶም እምነቶም ዝረኽቡ ሰባት "ከም ስራሕን ርክባትን መዓልታዊ ኣካይዳን ዝኣመሰሉ ብሕታዊ ይኹን ማሕበራዊ መዳያት ህይወት ዘጠቓልል ሓድሽ ብስለትን ጽንዓትን ክህልዎም መታን" ክሕግዝዎም ከም ዘለዎም ኣጕሊሖም፡ “ከምቲ ንርእዮ ዘሎና ስነ ጥበብ ህንጸት ቀሊል ኣይኮነን፣ ሃንደተባዊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ንገለ ኣገደስቲ ቅዱሳን ከም በዓል ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘ ሎዮላ፣ ቅዱስ ፊሊፖ ነሪ፣ ቅዱስ ጆሰፍ ካላሳንዝ፣ ቅዱስ ጋስፓር ደል ቡፋሎ፣ ቅዱስ ጆን ሊዮናርዲ፣ ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ጠቒሶም፡ ከም ብውልቃውን ብማሕበረሰብን ደረጃ ትዕግስቲ ምስማዕ ምስናይን ምምርማርን ምግምጋምን ኣብነታውን ዓርኪ ምዃን ዝሓትት እዩ። ነዚ ኩሉ ክስዕብዎ ዘለዎም ኣብነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቶም ኣብቲ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሳልሳይ ምሉእ ዓመታዊ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን፡ ዋላ’ውን እቲ ዘጋጥሞም ብድሆታት ሓድሓደ ግዜ ካብ “ዓቕሞምን ጸጋታቶምን” ንላዕሊ ክመስል እንከሎ፡ ተስፋ ከይቆርጹ ተላብዮም፡ ንዅሎም ኣብ ቅድስት ድንግል ማርያም ክውከሉን ንእምነታ ክመስልዎን ኣተባቢዖም፡ “ብንእሽቶ ጀምሩ፡ ነቲ ወንጌላዊ ስነ-መጐት ናይ ‘ዘርኢ ኣድሪ’ ተኸቲልኩም፡ ጎይታ ኣብ ትኽክለይና ግዜ፡ ዘድልየኩም ጸዓትን ህዝብን ጸጋን ከቕርበልኩም ፈጺሙ ከምዘይበኩር ብምትእምማን” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
