2026.02.08 Angelus 2026.02.08 Angelus  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ኣምላኽ ከቶ ኣይድርብየናን እዩ

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ደድሕሪ ዓንቀጽ ብፁዓን ምስትምሃሩ ንዝበሎ ቓላት ብምስትንታን፣ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ሓቀይና ሓጐስን ጣዕምን ብርሃንን ብኸመይ ከም ዘምጽኣልና ኣጕልሑ፣ ተስፋ ኣብ እንቖርጸሉ እዋን ከይተረፈ እውን ኣምላኽ ኣቦ "ሰለ ስምናን ፍሉይነትናን ይሓልየልና ኢዩ" በሉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰንበት ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝነበሩ ምእመናንን መንፈሳውያን በጽሕትን ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ብዛዕባ ዓንቀጽ ብፁዓን ድሕሪ ምስባኽ ነቲ ጐይታንን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ ቃላት ጠቒሶም ኣስተምሃሩ። ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ነተን ሸሞንተ ዓንቐጽ ብፁዓን ዘርዚሩ ጥራይ ዘይኰነስ፣ "ነቶም ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ ሳላኦም ምድሪ ደጊም ከም ቀደማ ከም ዘይኰነትን፣ ዓለም ከኣ ኣብ ጸልማት ከም ዘይትነብርን መስከረሎም" ክብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስተምሃሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ሓቀይና ሓጐስ ነቲ ጸልማት ዝኾነ ክፋላት ህይወት፣ ጣዕምን ብርሃንን ይህቦ። "እዚ ሓጐስ እዚ ካብ ኣነባብራ ዝምንጩ፣ ደቂሰባት ኣብ ምድሪ ዝነብሩሉ መገዲ ከምኡውን ብሓባር ምንባር ክድለዩን ክመርጹን ከም ዘለዎም ዘመላኽ ኢዩ" በሉ። እዚ ሓድሽ ኣነባብራ እዚ ኣብ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ኣብተን ቅዱሳት ቃላቱን ተግባራቱን ተጸባሪቑ ይርከብ።

ሓደ ሰብ ነቲ ድኻ ዝመንፈሱ፡ ትሑት፡ ጥዑይ ዝልቡ፡ ፍትሒ ሃረር ዚብል ኢየሱስ ሓንሳእ ምስ ረኸቦ ናብቲ ከንቱን ዜሰልኪን ህይወት ኪምለስ ኣይክእልን እዩ። "ምሕረትን ሰላምን ከም ናይ ተሓድሶን ዕርቅን ሓይልታት" ኣብዚ ርክብ እዚ ይኽፈቱ።

ኣብ ጸልማት ዘሎ ብርሃን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እንካብ መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ንዘይፍትሓዊ ተግባራት ክንዋጽኣሉ እንኽእል ጭቡጥ መገድታት ዘርዚሮም ድማ ይነግሩና፣ እዚ ኸኣ "ምስ ዝጠመዩ እንጌራ ምክፋል፣ ንድኻታትን መጽለሊ ዘይብሎም ናብ ቤትና ምቕባል፣ ነቶም ከም ዕሩቓት ጌርና እንርእዮም ሰባት ንጐረባብትናን ነቶም ኣብ ገዛና ዘለዉን ዕሽሽ ክብሎም ከም ዘይብልና" ድማ ኢዩ።

ነብዪ ኢሳይያስ "ሽዑ ብርሃንኩም ከም ወጋሕታ ኺበርህ እዩ፣ ምድሓንኩም ከኣ ቀልጢፉ ኺበቍል እዩ" (58፡8) ይብለና። ቅዱስ ኣቦ ናብ ዕምቈት ናይ'ዚ ሓረግ እዚ ብምእታው ድማ ክልተ ገጻት ከም ዘለዎ ሓበሩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከም ጸሓይ ንጸልማት ስለ ዜጥፍእ ኪሕባእ ዘይክእል ብርሃን ኣሎ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ሓደ እዋን ዘቃጽለና ከም ዝንበረ ቝስሊ ይሓዊ ድማ በሉ።

ንሱ ነስማትና ይፈልጦ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ "ጣዕሚ ምጥፋእን ኣብ ሓጐስ ተስፋ ምቝራስን፣ እኳ እንተ ዀነ እዚ ቝስሊ እዚ ግን ኣብ ልቢ ኺህሉ ይኽእል እዩ" በሉ። ጐይታናን መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነብሩ ሰባት ተስፋ ኸይቈርጹ ድማ ኣጠንቀቖም። ጣዕሙ ዝጠፍአ ጨው "ንዝዀነ ይኹን ነገር ኣይጠቅምን እዩ፣ የግዳስ ተደርብዩ ኣብ በእግሪ ኢዩ ዝይረግጽ" ድማ በሉ።

ቅዱስ ኣቦ ውሲኾም፣ "ምናልባት ንሕና ንባዕልና ዋጋ ዘይብሎም ወይ እተሰበርና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና። ብርሃኖምና ከም እተሓብአ እዩ ዚመስለና ዘሎ።

ይኹን እምበር ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽና ፈጺሙ ኸም ዘይድርብየና ዝገልጽ ናይ ተስፋ ቃል ሂቡና ኣሎ እውን በሉ። ንሱ ንስምና ይፈልጦን ብግልና ይሓልየልና እዩ። "ነፍሲ ወከፍ ቍስሊ እንተላይ እቲ ከቢድ ቍስሊ እውን ከይትረፈ፣ ንዓንቀጽ ብፁዓን ብምቕባልን ናብ መገዲ ወንጌል ብምምላስን ኪሓዊ ይኽእል እዩ" ክብሉ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣጕሊሖም።

ንሓጐስና ዳግም ንምሕዳስ

ንኻልኦት ግልጽነትን ቈላሕታን ምግባር ኣብ ህይወት ንሓጐስ ከም ብሓድሽ ንምርካብ ይሕግዝ። እንተዀነ ግን "ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራዊ ውሳኔ ቀሊል ብምዃኑ ምስ ዓለም ከም እንጋጮ ይገብረና ኢዩ" ክብሉ ድማ ኣመልከቱ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ በረኻ ብእተፈላለየ መገድታት ክኸይድን መንነቱ ክገልጽን ተፈቲኑ እዩ። ይኹን እምበር ነቲ "ነቲ ሓቀይና ጣዕሚ ሓጐስ የጥፍእን፣ ማለት ነቲ ወትሩ ሰንበት እንቆርሶ እንጌራን ዝህበና ህይወትን ልኡም ዝኾነ ፍቕርን ንዘጥፍእ ኩሉ መገድታት” ነጺግዎ ኢዩ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ንዅሎም እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእማንን "ምስ ጐይታናን መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሕብረት ኪምገቡን ኪበርሁን" ተማጸንዎም። ከይተጃሃሩ "ሽዑ ከምታ ኣብ እምባ እተሓንጸት እትርአ ጥራይ ዘይኰነትስ ዝደመቐትን እትቕበልን ከተማ ኽንከውን ኢና፣ እዚኣ ኸኣ ኵሉ ሰብ ኣብ ውሽጣ ኺነብርን ሰላም ኪረክብን ዝደሊ ኸተማ ኣምላኽ እያ" በሉ።

ውሲኾም ድማ ኩሎም ምእመናን 'ደቀ መዛሙርቲ ወዳ ንክዀኑን' ጸሎቶም ነታ ኣፍ ደገ ሰማይ ዝዀነት ድንግል ማርይም ብሕድሪ ከወፍዩን ተማሕጸንዎም።

09 Feb 2026, 14:26