ድለ

US orders new tariffs on countries supplying oil to Cuba US orders new tariffs on countries supplying oil to Cuba  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ምስ ጳጳሳት ኲባ ብምሕባር ምስ ሕ.መ.ኣመሪካ ዘተ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኲባን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ከም ዘተሓሳሰቦም ገሊጾም፣ ምስ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሃገረ ኩባ ብምሕባር ድማ ኣብታ ሃገር ዘተን ዓሚቝ ተሓድሶን ከምኡውን ሰብኣዊ ክብሪ ክኸብር ጻውዒት ኣቕረቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መንጎ ሃገራት ኩባን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ወጥሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ ንረብሓ ህዝቢ ኲባ ክብሉ ንዅሎም ወገናት "ቅኑዕን ውጽኢታውን ዘተ" ክገብሩ ጸዊዖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ሰንበት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዘካፈልዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ብዛዕባ እቲ ዅነታት "ዓብዪ ሻቕሎት" ከም ዘለዎም ገሊጾም።

"ምስ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሃገረ ኩባ እሓብር ኣለኹ፣ ዓመጽን ስቓይ ህዝቢ ኲባ ከጋድዶ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ስጕምቲ ንምውጋድ፣ ኵሎም ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ቅኑዕን ውጽኢታውን ዘተ ከስፋሕፍሑ እዕድም ኣሎኹ" እውን በለ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ንዅሎም ሕዝቢ ኲባ ክትሕልዎም ድማ ጸልዮም።

"እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘፍቅረ ኤል ኮብሬ ንዅሎም ደቂ እዛ ፍቅርቲ ሃገር ትሓግዞምን ተዕቁቦምን!" ክብሉ ድማ ጸለዩ።

ጳጳሳት ሃገረ ኩባ፣ 'ጥዑይ ብዝሓውነት' ንክኸብር ዘቕረብዎ ጻውዒት

ዝሓለፈ ቀዳም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሃገረ ኩባ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቍጠባውን ማሕበራውን ሰብኣውን ኵነታት ዘለዎም ሻቕሎት ብምግላጽ፣ "ንዅሎም እቶም ጽቡቕ ድሌት ዘለዎም ኲባውያን" መልእኽቲ ኣመሓላለፉ።

እቶም ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ "ሃገረ ኲባ ለውጢ የድልያ እዩ፣ ህጹጽ እናዀነ ይኸይድ እኳ እንተ ነበረ፣ ተወሳኺ ስቓይን መከራን ግን ኣየድልያን እዩ" ክብሉ ጸሓፉ። "ኣብ ስድራቤታት ሃገረ ኲባ ደም ኰነ ሓዘን ኣይኪህሉን እዩ። ኣብዚ ቐረባ ታሪኽና እዚ ኩነታት እዚ ብብዙሕ ኣጋጢሙና እዩ!"

ጳጳሳት ኲባ ኣስዒቦም፣ "እተሓደሰትን ብልጽግናን ሕጉስትን" ሃገረ ኩባ ኺረኽቡ ኸም ዝምነዩ እኳ እንተ ገለጹ፣ ተወሳኺ ስቓይ ክኽሰት ከም ዝኽእል ድማ ገለጹ።

ነቲ ኣብ ልዕሊ እተን ነዳዲ ዘይቲ ዝሸጣ ሃገራት ወሰኽ ቀረጽ ኣመሪካ ከም እተገብረ ብምጥቃስ፣ "ማሕበራዊ ሕንፍሽፍሽ ናይ ሓቂ ቀረባ ኢዩ ዘሎ" ብምባል ኣመልኪቶም።

እቶም ጳጳሳት ወሲኾም፣ "እቲ ዘይቅየር ኣቕዋም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝሰማማዕ ከም ምዃኑ፣ መንግስትታት ንዘይምስምማዕን ግጭታትን ብግዲ ወይ ብውግእ ዘይኰነስ ዘተን ብዲፕሎማሲያዊ መንገድን ክፈትሕዎ ይኽእሉ እዮም" በሉ።

ይኹን እምበር ይብሉ እዞም ጳጳሳት፣ "ኣኽብሮትን ናጽነትን ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ብናይ ወጻኢ ግጭታት ክግዛእ ወይ ክቈጻጸር ኣይክእልን ኢዩ" በሉ።

ጳጳሳት ኩባ ኣስዒቦም ኣብ ሃገረ ኩባ "ጥዑይ ብዝሓውነትን ሓባራዊ ምክብባርን ዘለዎ ሃዋህው" ክሰፍን ጻውዒት ኣቕሪቦም ኢዮም፣ ከመይሲ እዚ ረቛሒታት እዚ ኣብ ኣህጉራዊ ደረጃ ፍረ ዘለዎ ብትሕብባር ብቐጥትዊ ኣበርክቶ ኢዩ ክግበር ዘለዎ በሉ።

ኣብ መደምደምታ እቶም ጳጳሳት እታ ኣብዚ ኸባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፣ ንዅሉ ወድ ሰብ ናብ ሃይማኖታዊ ተሓድሶ ወንጌል ብምስባኽን ንዅሎም እተሸገሩ ብምግልጋልን ኣብ መንጐ ህዝቢ ኩባ ብቀጻሊ ከም እትጽዕር ተመባጽዑ።

02 Feb 2026, 12:08