ድለ

FILES-SNOWBOARD-OLY-2026-MILANO CORTINA FILES-SNOWBOARD-OLY-2026-MILANO CORTINA  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ቀቅድሚ ናይ ኣብ ክረምቲ ዝካየድ ኦሎምፒክ 2026 ውዕል ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀቅድሚ እቲ ኣብ ዕለት 6 ለካቲት ዝጅምር ናይ ክረምቲ ውድድራት ኦሎምፒክ፣ ኣብ ግጭት ንዝርከባ ዘለዋ ሃገራት ነቲ ባህላዊ ናይ ኦሎምፒክ ልማደ ዕርቂ ከኽብራ ተማሕጺኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ጽሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ክረምታዊ ውድድር ኦሎምፒክስ ሚላኖ-ኮርቲና ክጅምር ኣብ ዝሰናደውሉ ዘለዉ፣ እቲ ጥንታዊ ልምዲ ኦሎምፒክስ ክኽበር ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ሰንበት ኣብ ጽሎት ምልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ፣ ውድድራት ኦሎምፒክን ፓራሊምፒክን ኣገዳሲ መልእኽቲ ሕውነት ከም ዘመልክትን ተስፋ ሰላማዊ ዓለም ከም ዘነቓቕሕ እውን ገሊጾም።

"እዚ እውን ትርጕም ናይቲ ውድድራት ኦሎምፒክ ዕርቂ ኢዩ፣ እዚ ድማ ምስቲ ጸወታታት ዝተሓሓዝ ኣዝዩ ጥንታዊ ልምዲ ኢዩ" በሉ።

ኦሎምፒካዊ ዕርቂ ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ካብ 776 ቅ.ክ. ኣትሒዙ ዝጀመረ ልምዲ እዩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ተወዳደርቲ ሃገራት ኣጽዋረን የራግፋ ነበራ እውን በሉ።

"እቶም ኣብ መንጎ ህዝብታት ንሰላም ኣጸቢቖም ዝግደሱን ኵሎም ስልጣን ዘለዎም ሰባትን ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሞም ውጥረት ንምቅላልን ዘተ ንምድላይን ጭቡጥ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ኪገብሩ ተስፋ እገብር" ክብሉ እውን ዘለዎም ተስፋ ገለጹ።

ናይ 2026 ክረምታዊ ኦሎምፒክ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኢጣልያ ብ6 ለካቲት ክጅምር ከሎ፣ ክሳዕ ዕለት 26 ለካቲት ድማ ክቕጽል ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቅድሚ ኦሎምፒክ ኣብ ዝካየድ ውድድራት ክልተ መልእኽትታት ኣመሓላሊፎአም ይርከቡ፣ እዚ ድማ ስፖርተይናታትን ወለንተይናታትን ነቲ ሓቀይና ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ስፖርት ከኽብሩ ንምምሕጻን ኢዩ ዝንበረ፣ እዚ ድማ "ፍትሓዊ ውድድራት፣ ኣኽብሮት፣ ናይ ጕጅለ መንፈስን መስዋእን፣ ከምኡ እውን ማሕበራዊ ሕብረትን ናይ ምርኻብን ሓጐስን ኢዩ ዘፍሪ" ክብሉ እውን ገለጽዎ።

 

02 Feb 2026, 12:06