ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንጉባኤ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ  ሎሳንጀለስ፡ ሓቀይና መንፈሳዊ ምሕዳስ ዝጠልብ እዋን እዩ ር.ሊ.ጳ. ንጉባኤ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ሎሳንጀለስ፡ ሓቀይና መንፈሳዊ ምሕዳስ ዝጠልብ እዋን እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ንጉባኤ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ሎሳንጀለስ፡ ሓቀይና መንፈሳዊ ምሕዳስ ዝጠልብ እዋን እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምኽንያት ኣብ ግዝኣት ካሊፎርያ ርእሰ ሰበኻ ሎስኣንጀለስ ከተማ ኣናሃይም ናብ ዝካየድ ዘሎ መበል 70 ዓውደ ጉባኤ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ናብ ናይ ሎስ ኣንጀለስ ሊቀ ጳጳሳት ኾሴ ጎሜዝ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ "ምስ ኢየሱስ ዘለኩም ርክብ ምዕማቕን እሙናትን ሕጉሳትን ደቀ መዛሙርቲ ምዃንን" ንመምህራን ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ሓቀይናን ውጽኢታውያንን ከም ዝገብሮም ደጊሞም ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምኽንያት ኣብ ግዝኣት ካሊፎርያ ከተማ ኣናሃይም ካብ ዕለት 19 – 22 ለካቲት ናብ ዝተኻየደ መበል 70 ናይ ርእሰ ሰበኻታት ሎስአንጀለስ ዓውደ ጉባኤ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ፡ ናብ ናይ ሎስ ኣንጀለስ ሊቀ ጳጳሳት ኾሴ ጎሜዝ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ "ምስ’ቲ ሓቂ ዝኾነ ኢየሱስ ዘለኩም ርክብ ብምዕማቕ ኣብ መዓልታዊ ህይወትኩም እሙናትን ሕጉሳትን ደቀ መዛሙርቲ ምዃንኩም ብምቕጻል፡ ከም መምህራንን መራሕቲ ትምህርተ ክርስቶስን መጠን ዘለኩም ርግጸይናነትን እውነተይናነትን፡ ምስ ጎይታ ሓቀይና ርክብ ብዘስዕብን ነባርን ህይወት ዝህብን ባህሊ ኣብ ምህናጽ ኣበርክቶ ብዝገብር መንገዲ ወንጌል ከተመሓላልፉ የኽእለኩም" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዚ ብናይ ርእሰ ሰበኻ ሎሳንጀሎስ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዝተዳለወ ዓውደ ጉባኤ ለምዘበን ‘ብምሕረትን ብዝተሓደሰን ተስፋ ዝተኸደንኩም!’ ዝብል መርሕ ቃል ዝገበረን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናን መምህራንን መራሕቲ ኣገልግሎትን ካብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኪኖኡን ዝመጹ ተጋባእያን እውን ኣሳቲፉ’ ብዓውደ መጽናዕትታት፡ ምስዋዕተ ቅዳሴን፡ ምርኢታት፡ ቀንዲ መደረታትን መንፈሳዊ ጽምብላትን ዘጠቓልል ኮይኑ እምነቶም ከዕምቑ ዝሕግዞም ከም ዝኾነ የዘኻኽር።

ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ምሕዳስ ዕድል

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ንመላእ ርእሰ ሰበኻ ሎስኣንጀለስን ንኣዳለውትን ተሳተፍትን ምዉቕ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ እዘን መዓልታት ጸሎትን ሕንጸትን ሕብረትን "ንሓቀይና መንፈሳዊ ምሕዳስ ዕድል ዘቕርብ" ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ “እውነተይና መምህር ንባህጊ ሓቂ የለዓዕል - ቢሎም እቶም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ  ኣንስትዮን መምሃራን ትምህርቲ ስነ ሃይማኖት ኣብዚ ተልእኾ እዚ ውፉያት ብምዃኖም ድማ ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኢየሱስ ምጽንናዕን ሓይልን ይህብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ መንእሰያት "ልቦም ንፍቕሪ ኣምላኽ ክኸፍቱ" እውን ኣተባቢዖም፡ ፍቕሪ፡ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ምእንታና ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ከም ዝሃበ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምሳና ኣብ ቅዱሳት ምስጢራት እውን ህልው ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ "ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ ኣብቲ ዋዕላ ኣተሕልፍዎ ተመክሮ "ህላወ ኢየሱስ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ኵሉ ዅነታት ህይወት ዘየቋርጽ ምንጪ ምጽንናዕን ብርታዐን ንኽትረኽቡ" ክሕግዞም ድማ ጸሎቶም ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ ንኹሎም ተሳተፍቲ ንእኖናን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንግስተ መላእክት ኣማዕቝይቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 Feb 2026, 15:41