ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናብ ኣፍሪቃ፣ ስጳይናን ሞናኮን ሓዋርያዊ ጉዕዞ ክገብሩ እዮም ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናብ ኣፍሪቃ፣ ስጳይናን ሞናኮን ሓዋርያዊ ጉዕዞ ክገብሩ እዮም  (@VATICAN MEDIA)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናብ ኣፍሪቃ፣ ስጳይናን ሞናኮን ሓዋርያዊ ጉዕዞ ክገብሩ እዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ንዓሰርተ መዓልታት ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣልጀርያ፣ ካሜሩን፣ ኣንጎላን ኢኳቶርያል ጊኒን፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ድማ ኣብ ምምሕዳር ንግስትነት ሞናኮ ንሓደ መዓልቲ፤ ከምኡ’ውን ኣብ ወርሒ ሰነ ንሽዱሽተ ማዕልታት ዝቕጽል ከተማ ማድሪድ፡ ባርቸሎናን ደሴታት ካናሪን ዘጠቓልል ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ንዓሰርተ መዓልታት ዝጸንሕ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ኣፍሪቃን ካልኦት ክልተ መገሻታት ድማ ኣብ ኤውሮጳን ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕትምን ቤት ጽሕፈት ዕለት 25 ለካቲት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እንከመላኽት፡ እቲ ቀዳማይ ዑደት ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ዝምልከት ኮይኑ፡ ድሕሪኡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ንዓሰርተ ማዕልታት ዝቕጽል ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣልጀሪያ ካመሩን ኣንጎላን ኤጓቶሪያል ጊኒን ዘጠቓልልን ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ወርሒ ሰነ ንሽዱሽተ መዓልታት ዝጸንሕ ጉዕዞ ናብ ስጳይናን ኣብ ደሴታት ካናሪን ከካይዱ ምዃኖም ይሕብር።

ኣፍሪቃ

እቲ ዝነውሐ ሓዋርያዊ ዑደት ካብ ዕለት 13 ክሳብ 23 ሚያዝያ ኣብ ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ኣሰር ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ብምስዓብ ኣብ ኣልጀርያ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ካሜሩን ኣንጎላ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኢኳቶርያል ጊኒ ዘጠቓልል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ኣምሕተምን መግለጺ የመላኽት።

ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካብ ሰበ ስልጣን ብተደጋጋሚ ብዝቐረበሎም ዕድመ መሰረት ኣብ ዋዜማ ሰሙነ ሕማማት ዕለት 28 መጋቢት ኣብ ኤውሮጳ ሃገረ ርእሰ ምምሕዳር ንግስነት ሞናኮ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም። ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ንግስነት ሞናኮ ካቶሊካዊ እምነት ናይ መንግስቲ ሃይማኖት ዝዀነሉን ኣብ መንጎ በርገሳውን ትካላትን ቤተ - ክርስትያንን ዝግበር ዘተ ኣብ ህዝባዊ ክትዕ ጭቡጥ ኣገዳስነት ዘለዎ ጕዳይ ዝዀነሉ፡ ናይ ኣውሮጳ ክውንነት ኢዩ። ብተወሳኺውን እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዘመናዊ መዋእል ንር.ሊ.ጳጳሳት እትቕበል ሃገረ ሞናኮ ንሰላም ዘለዎ ቘራጽነት ኣገዳስነቱ ዘጒልሕ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።

ስጳይና

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 6 ክሳብ 12 ሰነ ኣብ ስጳይና ምብጻሕ ከካይዱ ከምዝኾኑን፡ እዚ ምብጻሕ እዚ ብቐዳምነት ኣብ ከተማ ማድሪድ ቀጺሉ ናብ ባርቸሎና፡ ኣብኡ ድማ ነቲ ሓድሽን ኣብ ዓለም እቲ ዝነወሐ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ቤት ክምርቝ እዮም። እዚ ምብጻሕ ኣብ መበል ሚእቲ ዓመት ዝኽሪ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ ኣንቶኒ ጋውዲ ዝተባህለ ነታ ባዚሊካ ሕንጸት ዘበገሰ ህቡብ ናይ ስነ ህንጻን ስነ ንድፍን ሊቅ ዝሓለፈ ዓመት ቤተ ክርስቲያን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ቢላ ዝኣወጀቶም ዝተተሓሓዘ እውን ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ብምቕጻል ካብ ባርቸሎና ናብ ደሴታት ካናሪ ክጐዓዙ ከም ዝኾኑን ከምቲ ናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ኾሴ ኮቦ ካኖ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝገለጽዎ፡ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ናብቲ ደሴታት ካናሪ ክገብርዎ ዝምነይዎ ዝነበረ ሓዋርያዊ ዑደት ሓሳብ ዝገበረ እውን ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ደሴታት ካናሪ ኣብ ዝገብርዎ ዑደት ደሴታት ተነሪፍን ግራን ካናርያን ዘጠቓልል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።

ዝተፈላለዩን ትርጉም ዘለዎምን መዳረግቲ ቦታታት

በዚ ሰለስተ ሓዋርያዊ ጉዕዞታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዝተፈላለየ ዓይነት ሃገራትን ኩነታትን ናይ ምርኻብ ዕድል ክህልዎም እዩ። ካብታ ክርስትያን ውሑዳትንን ዘርኢ ሕውነትን ዝኾኑላ ኣስላማዊት ሃገር ኣልጀርያ ናብተን ኣብ ማእከል ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝርከባ ብዙሓን ክርስቲያን ዝኾኑለን ሃገራት፡ ምስ ብድሆታተን፡ ግን ከኣ ብሓጎስ እምነት ናብ ዝምስክራ ሃገራት ንተመሳሳሊ ሓዋርያዊ ዑደት ክኸዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

26 Feb 2026, 16:14