ድለ

2026.02.12 parrocchia Regina Pacis di Ostia

ር. ሊ. ጳ. ፋልማይ ጕስነታዊ ምብጻሕ ኣብታ ኦስቲያ እትርከብ ናይ ሮማ ቍምስና ክግብሩ ኢዮም

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ክፍለ ከተማ ኦስቲያ ሊዶ፣ እትርከብ ናይ ሮማ ቍምስና ደብረ ቅድስተ ማርያም ንግሥተ ሰላም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ መጀመርታ ጕስነታዊ ምብጻሕ ከካየዱ ኢዮም፣ እዚ ድማ ንምእመናን እዛ ካቶሊካዊት ቍምስና ፍሉይ ህሞት ክኸውን እዩ። ቅዱስ ኣቦና ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 15 ለካቲት ናብታ ቍምስና ክበጽሑ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እታ ንማሕበር ካህናት ፓሎቲነ (ማሕበር ካቶሊካውያን ሓዋርያት) ብሕድሪ እተዋህበት፣ ኣብ ኦስቲያ ሊዶ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ከተማ ሮማ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ፒያሳ ሳንታ ረጂና ፓቺስ ዝተሰምየ ዓብዪ ኸባቢ እትርከብ ደብሪ ኢያ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ልክዕ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቐትሪ ናብታ ቍምስና ክበጽሑ፣ ምስ ኣስታት 400 ዝዀኑ መንእሰያትን ህጻናትን ኣብ ሓደ ትምህርተ ክርስቶሳዊ መደብ ብምርካብ ምብጻሕ ከካየዱ ከመደብ ታታሒዙ ኣሎ፣ ንቅዱስነቶም ድማ ኣብቲ ድሕሪ እታ ቤተ-ክርስትያን ዝርከብ ቀጽሪ ክቕበልዎ ኢዮም። ብድሕሪኡ ነቶም ኣብ ናይ ቁምስና ናይ ስፖርት ኣዳራሽ ተኣኪቦም ዝጸንሕዎም ኣስታት 400 ዝኾኑ ኣባላት እታ ቍምስና ማለት እንተላይ ምስ ሽማግሌታትን ሕሙማንን ድኻታትን ከምኡውን ምስ ወለንተኛታት ማሕበር ካሪታስ ናይቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ትካል ረድኤት ግብረ ሰናይ ዝኾኑ ኣባላትን ታራኸቡን ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ከካፍልዎምን ኢዮም።

ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንብር ሰበኻ ሮማ ብዛዕባ እቲ ጕስነታዊ ምብጻሕ ዝርዝር ሓበሬታ ድማ ኣቕሪቡ ይርከብ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘዕርግሉ ልክዕ ሰዓት 5፡00 ድሕሪ ቐትሪ ድማ እቲ ምብጻሕ ክዛዘም ምዃኑ ገሊጹ ይርከብ። ምስ ቅዱስነት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝሳተፉ ብፁዕ ካርዲናል ባልዶ ሬይና ዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሮማን፤ ብፁዕ ኣቡነ ሬናቶ ታራንቴሊ ባካሪ ናይ ደቡባዊ ክፋል ሰበኻ ሮማ ምኽትል ዓቃቤ መንበርን ከምኡውን ከምኡውን ክቡር ኣባ ጆቫኒ ቪንቸንዞ ፓታኔ ቆሞስ እቲ ደብርን ክኾኑ ኢዮም። ካብ ከባቢ ኦስቲያ ዝመጹ ሓያሎ ካህናት እቲ ሰበኻን፣ ጓሳ ናይ ኢጣልያ ቍጠባዊ ኣኽብርቲ ጸጥታን ከምኡውን ካልኦት ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ቆሞሳትን እውን ክሳተፉ ኢዮም። ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ቅርዓት እቲ ቍምስና ተኣኪቦም ዝጸንሕዎም ምእመናን ሰላምታ ቕድሚ ምሃቦም፣ ምስ ቤት ምኽሪ እታ ቍምስና ክራኸቡ እዮም፣ እቶም ቅርዓት ዝጸንሑ ምእመና ድማ ነቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተባሂሉ ብዝተዳለወ ዓብዪ ስክሪን ኪከታተልዎ እዮም።

ክቡር ኣባ ፓታና ኣብቲ ናይ ሮማ ቤትጽሕፈት ዓቃቤ መንበር ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳባት፣ ምሳልያዊ ኣገዳስነት ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝወሰድዎ ምርጫ ኣመልኪቶም ኣስተንተኑ። እዛ ቍምስና ንቅድስቲ ማርያም ንግሥተ ሰላም እተወፈየት እያ፣ እዚ ኩስሚ እዚ ምስቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቲ "ኣጽዋር ዘይብሉን ኣጽዋር ዘራግፍን ሰላም" ክብሉ ዝገለጽዎ ቅዉም ሓባብ ዘጕልሕ ስያሜ ምስ ምዃና ድማ ከም ዝሰማማማዕ ኣመልከቱ። እቶም ቆሞስ ከም ዝገለጽዎ፣ ነቲ ፍሉይ መንፈሳዊ ውርሻ ክፍለ ከተማ ኦስቲያ እውን ኣጕልሑ - ክፍሊ ሰበኻ ሮማ እኳ እንተ ዀነ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ጠበቓ ከም ዘለዎ መጠን ድማ፣ ቅዱስ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ከም ምዃኑ ድማ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ፍሉይ ኣገዳስነት ኣለዎ ክብሉ ኣመልከቱ።

እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣብ መላእ ማሕበረሰብ እቲ ቍምስና ዓብዪ ትጽቢት ኣሕዲሩ ይርከብ ኣሎ። ተሳትፎ ኣብቲ መደባት ብፍትሓዊ መንብገዲ ንምግባሩ ድማ ናይ ዕዱማት ቲከት መልክዕ ሎተሪ ይዕደል ኣሎ። ምእመናን ነቲ ምብጻሕ ከም ዓብዪ ኽብሪ ጥራይ ዘይኰነስ ንምሕዳስን ንስንድውነትን ከም ኣጋጣሚ ገይሮም እዮም ዝርእይዎ ዘለዉ። ከምቲ ክቡር ኣባ ፓታና ብዋዛ ዝገለጽዎ ንምጽራይን ንምምሕያሽን ዜሐጕስን ኣጋጣሚ ኮይንዎም ኣሎ።

ልዕሊ ዅሉ ድማ እቲ ማሕበረሰብ ነቲ ምብጻሕ ከም ናይ ቅርበት ምልክት ገይሮም እዩ ዝርእይዎ ዘለዉ። ክቡር ኣባ ፓታና ኣብ መደምደምታ፣ "ንሶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኢዮም፣ ንዓና ግና ብቐዳምነት ጳጳስና ብምዃኖም ንቤተ-ክርስትያኖም ክበጽሑ ዝመጹ ዘለዉ ጓሳና ኢዮም" በሉ።

13 Feb 2026, 14:31