ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ መራሔ መንግስቲ ሪፓብሊካዊት ኣልባንያ ተራኺቦም ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ መራሔ መንግስቲ ሪፓብሊካዊት ኣልባንያ ተራኺቦም  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ መራሔ መንግስቲ ሪፓብሊካዊት ኣልባንያ ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ረፓብሊካዊት ኣልባኒያ መራሔ መግንስቲ ኤዲ ራማ ዕለት 5 ለካቲት ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጥ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 5 ለካቲት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ረፓብሊካዊት ኣልባኒያ መራሔ መንግስቲ ኤዲ ራማ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቦሎም ከም ዘዘራረቡን መራሔ መንግስቲ ራማ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር፡ ኣብቲ ዳሕረዋይ ክሌኣዊ ርክብ፣ "ብዛዕባ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ቤተ-ክርስትያንን በርገሳውን ሕብረተሰብን ዘሎ ርክብን ኣብ ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጕዳያትን ኣማእኪሎም ከም እተመያየጡን፡ ከምኡ እውን ኣብ ዞባዊ ጕዳያት "ኣብ ሃገራት ምዕራባዊ ባልካን ዘሎ ኵነታትን ኣልባንያ ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ምሉእ ብምሉእ ንምውህሃድ እትስዕቦ ዘላ መገዲ" እውን ኣቓልቦ ገይሮም ከም እተመያየጡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

06 Feb 2026, 16:01