ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ፖርቱጋል ማርሴሎ ሬበሎ ደ ሶዛ ዕለት 2 ለካቲት ኣብ ሃዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ማርሴሎ ረበሎ ደ ሶዛ ካብ ቅድሱነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።
ብመሰረት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ጽሕፈት ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ዳሕረዋይ ክሌኣዊ ርክብ "ንጽኑዕ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ፖርቱጋልን ኣብ ፖርቱጋል ዘላ ናይቲ ከባቢ ካቶሊካዊት ቤት ክርስቲያንን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ሓድሕዳዊ ሞሳ ዳግማይ ከም እተረጋገጸ" ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ መግለጺ ኣስዒቡ፡ ድሕሪኡ ብሰንኪ ህቦብላ ክሪስቲን ዘጋጠመ ዕንወትን ነቲ ጎዳኢ ሳዕቤናቱን ኣቓልቦ ከምዝተዋህበሉ የመላኽት።
ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ "ሃገራውን ኣህጉራውን ማሕበረ - ፖለቲካዊ ኩነታት ዘተ ከም እተኻየደን፡ ብፍላይ ኣብ ዓለም ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ዝብል ሃሳብ መሰረት ብፍላይ ነተን ቋንቋ ፖርቱጋል ዝዛረባ ሃገራት ኣቓልቦ ብምሃብ ከም እተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
