2026.02.11 Udienza Generale 2026.02.11 Udienza Generale  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ዘሎ ውጥረት ንምስጋር ሓድነት ንኽምለስ ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ንኣውሮጳ ውጥረት ክትሰግርን ሓድነት ክትረክብን ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ስለ ሕሙማት ጸለዩም፣ ነቶም ኣብ ኮሎምብያ ብብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት እውን ዘኪሮም፣ ንዘመነ ጾም ብኸመይ ክንዳሎ ከም ዘለና እውን ቃለ ምሕጽንታ ኣመሓላሊፎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱሳን ቆርሎስን ሜቶድዮስን ሓዋርያት ስላቫውያን ጠበቓታት ኣውሮጳን ንመንፈሳዊ ህያውነት፣ ኣህጉር ኣውሮጳ ንምሕዳስ ክሕግዙ ከም ዝኽእሉ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብቲ ብዕለት 11 ለካቲት 2026 ነቶም ኣብቲ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተረኽቡ ፖላንዳውያን ነጋድያን ሰላም ኣብ ዘቕረቡሎም ቃል ሰላምታ ኣዘኻኺሮም።

እቶም ብዕለት14 ለካቲት ክብረ በአሎም ዝኸብር ክልተ ቅዱሳን፣ "ኣቦታት ክርስትናን ቋንቋን ባህልን ህዝብታት ስላቭ" ምዃኖም እውን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምሕጽንታ፣ ምእመናን ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘተባብዖም ናብ ሓዋርያዊ ዕዮኦም ክምለሱ እውን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ምእንቲ ሕሙማት እተጸለየ ጸሎት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ዝሓለፈ ረቡዕ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሕሙማት ምንባሩ ብምዝካር ምእንቲ ሕሙማትን ንስድራ ቤቶምን ብምጽላይ ኣብ ክንክን ቅድስቲ እኖናን ብሕድሪ ኣወፈይዎም።

ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ንምዝካር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ምስ በጽሑ፣ ክብረ በዓል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሉርድ ብምባሩ ኣብቅድሚ ኣይቆና ድንግል ማርያም ሓደ ሽምዓ ኣብርሁ። ሎሚ ናብቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ቫቲካን ዝርከብ በዓቲ ሉርድ ከይዶም ሽምዓ ከብርሁ ምዃኖም እውን ኣመልከቱ፣ "ምልክት ጸሎት ምእንቲ ዅሎም ሕሙማት፣ ሎሚ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሕሙማት ብፍሉይ ፍቕሪ ንዝክሮም" ከም ዘለና እውን ኣዘኻኸሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብቛንቋ ስጳንኛ እንክዛረቡ ድማ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ሕሙናን ኣብ ቺክለዮ ፔሩ ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ እኖ ቅድስቲ ድንግል ማየም ንግስተ ሰላም ከቢሩ ከም ዝወዓለ እውን ዘኪሮም። "ብመንፈሳዊ መዳይ ምኣታቶም ሓድነት ኣሎኒ" ብምባል ከአ፣ ነቲ ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ከም ፍሉይ ወኪሎም ከም ዝለኣኽዎም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሎም እቶም ኣብ ኮሎምብያ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ዝሞቱን እተጐድኡን ሰባት ድማ ናብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሕድሪ ብምውፋይ፣ ንብምሉኡ እቲ ማሕበረሰብን ነቶም እተጐድኡ ስድራቤታትን ብግብረ ሰናይን ብጸሎትን ክድግፉ ተማሕጺኖም።

ጾም እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ናይ ጸሎት እዋን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ፣ ነቲ ምጅማር ዘመነ ጾም ብምዝካር ብቋንቋ እንግሊዝ ኣብ ዘካፈልዎ ቃል ምሕጽንታ፣ እዚ ዘመን እዚ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዘሙን ከም ዝጅምር ገለጹ። ፍልጠትናን ንጐይታ ዘሎና ፍቕርን እነዕምቘሉ፣ ንልብናን ህይወትናን እንምርምረሉ፣ ከምኡውን ኣብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስን ክርስቶስን ኣብ ፍቕሩን እነተኵረሉ እዋም ምዃኑ ከአ ኣዘኻኺሮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ዝተማሕጸንዎ፣ ክርስትያን ምእመናን ኣብዚ ዘመን እዚ፣ መዓልታዊ መስቀሎም ተሰኪሞም ንክርስቶስ ኣብ ምስዓብ ክጽመዱ ኸለዉ መዓልትታት ጸሎትን ጾምን ምጽዋትን ምንጪ ብርታዐ ክዀና ተስፋ ብምግባር ድማ ቃለ ምሕጽንታኦም ዛዘሙ።

13 Feb 2026, 14:27