ር. ሊ. ጳ.፦ ካብ ጥቅውና ዘይብልካ ምዃንን፣ ካብ 'ነብያት ጥፍኣትን' ርሓቑ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ቀዳም ንኣባላት ናይቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1995 ብበዓል ጥዑም ዝኽሪ ክቡር ኣባ ማሪዮ ኦፐርቲ ኢጣልያዊ ካህን እተመስረተ፣ ኣብ ኣገልግሎት መንእሰያት ዝዓምም ውጥን ፖሊኮሮ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፦ "ኣቱም መንእሰያት ንስኻትኩም ተስፋ ዘይቈርጽን ኢዱ ዘይህብን፣ ናይታ እጅጌኣ ዓጺፉ በእጋራ እትምለስን ጽብቕቲ ገጽ ኢጣልያ ምሳሌ ኢኹም" ክብሉ ኣሞገስዎም።
ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ እዚ ተበግሶ እዚ፣ ፈለማ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ፣ ጸኒሑ ኸኣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዕድል ስራሕ ንምክፋት እዩ ዚጽዕር ዘሎ።
እዚ ውጥን እዚ ኣብ መዞጆርኖ ወይ ኣብ ደቡብዊ ክፋል እታ ሃገር ብዝፍጸም ገበናት ንዝሳቐዩ ማሕበረሰብ፣ ኣብ ቝጠባዊ ጽጉማት ዝመልኦ ኸባቢ ተወሊዱ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ካብ ናይ ስራሕ ዕድላት ሓሊፉ እውን ዘገልግል ዘሎ ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣንጻር ብልሽውና፡ ምዝመዛ ሰራሕተይናታን፡ ዓመጽን ምጕዳል ፍትሕን ዝገብርዎ ዕዮ ነኣድዎም፣ ካብ ማፍያ እተወስደ ንብረት ናብ ማሕበራዊ ተበግሶታትን ንመንእሰያትን ኣብ ዝገብሮ ደገፍ ከም ኣጕልሐ።
ውዕዉዕ ስምዒት ምዝርጋሕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ "ብፍላይ ኣብዚ ቈራሪ ወቕቲ እዚ መንእሰያት ተስፋ ክቘርጹን ናብ ውሽጦም ከዕጸዉሉን ዝኽእሉ ኣዝዩ ተነቃፊ ኸባቢታት ናይታ ሃገር፣ ናይ ኣገልግሎት ተጸምዶ የድልየና ኢዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ "ውዕዉዕ ስምዒትኩምን ተነቃፊነትኩምን ናብቶም ኣዝዮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ከባቢታትን ናብራ ዝኸበዶም ሰባትን እውን ከይተረፈ እትዝርግሓሉ ግዜ ኢዩ" በሉ።
ውጥን ፖሊኮሮ ተልእኾኡ ንምፍጻም ኣብ "ሓደ ብሶላ" ክምርኰስ ይኽእል ኢዩ፣ እዚ ብሶላ ድማ "ንልብን ንዓለምን ዝቕይር ሓቀይና ሓይሊ ዝሓዘ ወንጌል ኢዩ ከምኡውን ትምህርቲ "ነዚ መዋእል እዚ ንኸነፍቅሮ ዝሕግዘና" ከምኡውን "ንሓቂ ንምትርጓም መሳርሒ ዝህብና" ኣብ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ-ክርስትያን ክምርኰስ ይኽእል ኢዩ ክብሉ ተላበውዎም።
ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም፣ ንኣባላት እዚ ውጥን "በቶም ንዅሉ ነገር ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ነብያት ጥፍኣት ከይስሓቡ" ድማ ኣጠንቀቑ።
ምስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ፍቕራዊ መደብ ብምስምማዕ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ማእከላይነት ሰብኣዊ ክብሪ፣ ሓባራዊ ረብሓ፣ ሓድነት፣ ምትሕብባርን፣ ኣድማሳዊ ዕላማ ሃብትን፣ ተሳትፎ፣ ምሉእ ሥነ ኣከባቢያዊ ሰላምን ክንርስዕ ዘማዕብል ኢዩ ክብሉ እውን ኣስመሩሉ።
ቅድምና ማሕበረሰብ
እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝጠቐስዎ፣ ሳልሳይ ምንጪ ድማ እቲ ማሕበረሰብ "ከም መዕቈቢ መጻኢ" መጠን ምዃኑ ኢዩ ዝንበረ። እዚ ኣብዚ ዘመና ዘሎ ባህሊ ግሉልነትን ውድድርን ጽውጽዋያት ቍጠባን፣ ስራሕብ፣ ፖለቲካን መራኸቢታትን፣ ናይ በይኑ ብልሒ ዘተባብዕ እኳ እንተዀነ፣ እዚ ዓውድታት እዚ ግን ኣብ "ክኢላታት ማሕበራዊ ርክባት" እተመርኰሰ እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብምቕጻል፣ "ናይ ማሕበረሰብ ህይወት እናዓበየ ምስ ከደ ኣብ ሕብረተሰብ ከምኡ ውን፣ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ህይወት ንኽምዕብል ኵነታት ንፈጥር ኢና" በሉ። "ንናይ ማሕበረሰብ መርበባዊ ርክባት ክንከናኸን ከሎና ፍረ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ምስትውዓል ተውህቦ ፍልጠት ማሕበራዊ ውዳቤ ትግሃትን ሳላ ጽቡቕ ርክባት እዩ ዝምዕብል" ክብሉ ድማ ተላበዉ።
እቶም ኣብዚ ውጥን ዝሳተፉ ሰባት፣ ኣብቶም ንዘመናት ዝጸንሐ ንማሕበራዊ ግዴታኦም ብሲቪላውን ናይ ግብረ ሰናይን ኣገልግሎታትን ዝዋጽኡ ሰባት፣ መንፈሳውያን ኣቦታትን ኣዴታትን፣ ቅዱሳንን መሰኻኽርን ኮይኖም ክግለጹ ይከኣሎ”፣ በዚ ኸምዚ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ብዛዕባ ህይወቶም ክመሃሩን ታሪኾም ከካፍሉን ኣተባብዕዎም፣ ምኽንያቱ "ንማሕበረሰብና ፍረ ዝፈሪ ዝገበረ ወሓዚ ማይና ቅድስና ኢዩ" ክብሉ ድማ ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።
