ድለ

2025.11.22 Udienza Giubilare 2025.11.22 Udienza Giubilare  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ኵላትና ደለይቲ ኣምላኽን ፍቕሩን ኢና

ኣብ ናይ ወርሒ ለካቲት ሕታም መጽሔት ፒያሳ ሳን ፒዬትሮ ወግዓዊ መጽሔት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ኣብ ኣምላኽ ንምእማን ዝቃለስ ዘሎ ሮኾ ምላሽ ጽሒፎምሉ፣ እቲ ናይ ሓቂ ጸገም ኣብ ኣምላኽ ምእማን ወይ ዘይምእማን ዘይኰነስ ንዕኡ ምድላይ ምዃኑ እውን ኣጕልሑ

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝወጸ እትሕተም ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጲጥሮስ ወግዓዊ መጽሔት “ፒያሳ ሳን ፒዬትሮ "፣ “ስቓይ እትጸወር እምነት" ኣብ ዝብል ዓምዲ፣ ነዛ ናይ መልሲ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣሕቲሙ ይከብ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ምስ ኣንበብቲ ንምዝርራብ እተወፈየ ኽፍሊ፣ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ኣብ ዝርከብ ሬጂዮ ካላብሪያ ዝነብር ሓደ ኢኣማኒ ዝኾነ፣ ሮኾ ንዝስሙ ሰብኣይ፣ ኣብ ኣምላኽ ንምእማን ንዝገበሮ ቓልሲ ዝገልጽ መልእኽቲ ኣመሓላለፉሉ።

ሮኾ፣ ንኣምላኽ ዝደሊ ዘሎ ኢኣማኒ

ሮኾ ኣብታ ናብ ቅዱስ ኣቦ ዝጻሓፋ ደብዳበኡ፣ ብዛዕባ ምብራቕ ጸሓይን ዕራርቦ ጸሓይን፣ እቲ ብኸዋኽብቲ ዝተሰለመ ሰማይን፣ መላእ ተፈጥሮን ምዕዛብ ዝጸሓፎ ግጥሚ ጠቒሱ ይርከብ፣ እዚ ድማ ብዛዕባ "ምስጢር ስህደት ተፈጥሮ" ከም ዘስተንትን ስለ ዝገብሮ ኢዩ። እቲ ግጥሚ ኸምዚ ብምባል ይዛዝም፦ "ከም ዘይኣምን ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ ኣይኰንኩን፣ ንኣምላኽ ሃረር እብል ኣሎኹ። ድራመይ ኣምላኽ እዩ! ህርፋነይ እውን ኣምላኽ እዩ!"

ሮኾ ኣብታ መልእኽቱ፣ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ብምሕታት ሓገዝ ብምድላይ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ክብል ሓሳባቱ የቕርብ፦ "ከመይ ጌርካ ኢኻ ንገዛእ ርእስኻ ኢኣማኒ ጌርካ ኽትርእያን፣ ንኣምላኽ ከተፍቅርን እትኽእል? ንኣምላኽ ከፍቅሮ ኸም ዘሎኒ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኒ፣ ኰይኑ ግና ንገዛእ ርእሰይ ከም ኣብ ኣልቦ እግዚአብሔር ዝኣምን ሰብ ገይረ እየ ዝቘጽራ፣ ወይ ከኣ ሓደ ምዃነይ እኣምን ኣብ ውሽጠይ ንኣምላኽ እውን እደሊ ኣለኹ?"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዝሃብዎ ምላሽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ሮኾ ዝጸሓፈሎም ደብዳቤ ኣብ ዝሓብዎ ምላሽ፣ ንቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብምጥቃስ፣ "ንስኻስ [ኣምላኽ] ኣብ ውሽጠይ ነበርካ፣ ኣነ ግና ኣብ ወጻኢ ነበርኩ፣ ኣብኡ ድማ እደልየካ ኣለኹ" ብምባል ሓብሳባቶም ኣካፈልዎ።

"በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢለ፣ እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ እቶም ብቕንዕና ልቢ ዝደልይዎ ኢኣማንያን ዝኾኑ ሰባት እንታይ ከም ዝመስሉ ኺነግረካ ምደለኹ" ክብሉ እውን ጸሓፉሉ።

ኣስዕብ ኣቢሎም እውን፣ "እቲ ሓቀይና ጸገም ኣብ ኣምላኽ ምእማን ወይ ዘይምእማን ዘይኰነስ፣ ንኣምላኽ ዘይምድላይ እዩ" በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ ኣምላክ "በቲ ሃሰስ ዝብሎ ልቢ ኺርከብ ይፈቅድ እዩ፣ ምናልባት እውን እቲ ቅኑዕ ፍልልይ ኣብ መንጎ ኣመንትን ዘይኣመንትን ዘይኰነስ ኣብ መንጎ ደለይትን ዘይደለይቲ ኣምላኽን ኪኸውን ይኽእል እዩ" በሉ።

እቶም ዘይኣምኑ ዚመስሎም እውን ከይተረፉ ንኣምላኽ ብጽኑዕ ደለይቱ ኺዀኑ ኸም ዚኽእሉ ኣመልከቱሉ። "ሮኾ፣ ኵላትና ንፍቕሪ ሃረር ንብል ኢና፣ ኵላትና ደለይቲ ኣምላኽ ኢና። ክብርን ጽባቐን ህይወትና ድማ ኣብኡ እዩ ዘሎ" ክብሉ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቶም ደምደሙ።

25 Feb 2026, 14:39