ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ሰላም ብህጹጽ የድሊ፡ ሓላፍነታዊ ውሳነታት የድሊ! ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ሰላም ብህጹጽ የድሊ፡ ሓላፍነታዊ ውሳነታት የድሊ!  (ANSA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ሰላም ብህጹጽ የድሊ፡ ሓላፍነታዊ ውሳነታት የድሊ!

ሰንበት ዕለት 22 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ምስቶ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ነጋድያንን በጻሕትን መሪሖም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ኣጽዋር ስቕ ክብልን ቦምባታት ምፍንጃር ደው ክብልን ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት ብትሪ ከም ዘሐደሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣጽዋር ስቕ ይብል ቦምባታት ምፍንጃር ደው ይበል፡ ህጹጽ ስምምዕ ደው ምባል ቶኽሲ ይረጋገጽ፡ ናብ ሰላም ዝወስድ መገዲ ንምጽራግ ዝሕግዝ ዘተ ድማ ይተባባዕ" እንክብሉ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት ሰላም ብትሪ ከም ዘሕደሱን፡ እቲ ኣንጻር ዩክረይን ዝተበገሰ ኣርባዕተ ዓመት ዘቝጽር ዘሎ ኲናት እናሓሰቡ፡ ነቶም ብኩናት ዝሳቐዩ ዘለዉ ፍሉይ ኣቃልቦ ገይሮም፡ "ብዙሓት ግዳያትን ህይወት ኣባይቲ ስድራን ዓንዩ ክትገልጾ ዘይከኣል ዕንወትን ስቓይን ዘስዕብ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ውግእ ብሓቂ ኣብ መላእ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ዝወረደ መጉዳእቲ እዩ። ናይ ሎሚ ሞትን ዕንወትን ንወለዶታት ስቓይ እዩዩ ሓዲጉ ዝሓልፍ፡ እቲ ከነመሓላልፎ ዘሎና ሰላም ኣብ ልብና መንበሪ ክረኽብን ሓላፍነት ኣብ ዝስምዖ ውሳነታት ክትርጐምን ዘለዎ ህጹጽ ኣድላይነት ኢዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕብረት ኣብ ጸሎት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እቲ ንነዊሕ እዋን ንጽበዮ ዝነበርና ህያብ ሰላም ኣብ መዓልትታትና ምእንቲ ክበርህ፡ ነፍሲ ወከፍና ነቶም ኣብ ውግእ ዝርከብ ህዝቢ ዩክሬንን ንኹሎም ብሰንኪ እዚ ውግእን ኣብ ዓለምና ዘሎ ግጭትን ዝሳቐዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንጽልይ ኣትሪሮም ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ተደጋጋሚ ጻውዒት ሰላም

ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ናይ ሰላም ጻውዒት እቲ ለምዘበን ራብዓይ ዓመቱ ዘቑጽር ዘሎ ሰፊሕ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን፡ መሪር ሓዘን የስዕብ እውን እንተሎ፡ ተስፋ ግን ህያው ኰይኑ ይቕጽል፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ማእከል ኣውሮጳ ሰላም ንኽሰፍን ልቢ ዝትንክፍ ብቐጻሊ ዘቕርብዎ ዝነበረ ምሕጽንታ ንህዝቢ ዩክረይን ነቶም ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ኵሎም ካብ ዝነበሮም ዓብዪ ሓልዮት ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብምዝካር ነቲ ውግእ "ትርጕም ኣልቦ" እንክብሉ ገሊጾም "ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ናብ ሓቀይናን ፍትሓውን ነባርን ሰላም" ክብጻሕ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ኵሎም እሱራት ሓራ ምውጻእን ናብ ሩሲያ ዝተወስዱ ሕጻናት ዩክረይናውያን ናብ ስድራ ቤቶም ክምለሱን ተማሕጺኖም፡ ብፍላይ ድማ ኣብዚ እዋን ኣዋርሕ ቁሪ ዝፍጸም ዘሎ ደብዳብ ዘስዕቦ መጒዳእቲ ከም ዘተሓሳስቦምን "ውግእ ደው ይበል፣ እቶም ኣብኡ ዝሳተፉ ወገናት ከኣ ብደገፍን ቆራጽነትን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ቅኑዕን ቀጥታውን ምክብባርን ዝዓሰሎ ዘተ ከካይዱ” ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ልባዊ ቅርበት ንግዳያት ኲናት

ር.ሊ.ጳ. ል ዮን መበል 14 ነቲ ቅድሚኦም ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንህዝቢ ዩክሬን ዘርኣይዎ ቅርበትን ሓልዮትን ብምቕጻል፡ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ግብረ ሰናይ ጉዳያት ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣቢሎም ናብ ዩክሬን ተደጋጋሚ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝሰደዱ ዝዝከር ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ምስ ርእሰ ብሔር ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብስልኪ፣ ምስ ግዳያት ኲናት፣ ኣዴታትን ኣንስቲ ኣብ ውግእ ዘለዉ ወተሃደራት ዩክሬን፡ ዕድላት ዝተሓረሙ ህጻናትን መንእሰያትን ብቐረባ ነቲ ማሕበረሰብ ምስ ዝገልግሉ ዘለዉ ምስ ዩክረይናውያን ኣባላት ውሉደ ክህነትን ሰብ ውፉይ ህይወትን ከም እተራኸቡን ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ እውን እምነት ናይታ “ብምስክርነት ብዙሓት ቅዱሳንን ብዙሓት ሰማእታትን" ሃብታም ዝኾነት መሬት ከም ዘመስገኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ምስ ናይ ዩክሬን ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ኣብ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ፣ ቅድስቲ መንበር ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክረይንን ክሌኣዊ ዘተ ንምእንጋድ ድልውቲ ምዃና ደጊሞም ከም ዝገለጹን ንኣድላይነት ጥንቁቕ ክውንነት ኣገዳስነቱ ከም ዘስመሩሉን፡ ናብ ኪየቭ ምብጻሕ ኸካይዱ ድላይ ከም ዘለዎም ዝፍለጥ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

23 Feb 2026, 15:45