ድለ

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ዝኽሪ ቀዳማይ ወርሒ ግዳያት ባርዕ ሓዊ ክራንስ - ሞንታና መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ዝኽሪ ቀዳማይ ወርሒ ግዳያት ባርዕ ሓዊ ክራንስ - ሞንታና   (@Vatican Media)

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ዝኽሪ ቀዳማይ ወርሒ ግዳያት ባርዕ ሓዊ ክራንስ - ሞንታና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝኽሪ ቀዳማይ ወርሒ እቲ ቀታሊ ባርዕ ኣብ ክራንስ-ሞንታና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ነቶም ግዳያትን ዜፍቅርዎም ሰባትን ኣብ ክርስቶስ ኩሉ ነባሪ ስለ ዝኾነ ሓጐስ ዚስምዖምን ከም ብሓድሽ ምስ ፍቑራቶም ዚራኸቡላ ዝሓሸት መዓልቲ ኸም ከም ዝመጽእ” ከረጋግጽ እፈቱ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ዕለት 1 ጥሪ ኣብ ክራንስ - ሞንታና ስዊዘርላንድ ዘጋጠመ ዘሕዝን ባርዕ ብውሕዱ 40 ሰባት ዝቐተለ 120 ድማ ከቢድ ጕድኣት ዘስዓበ ኣብ ዝኽሪ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ "ምስ መላእ ቤተ-ክርስትያን ሓቢረ ዘሎኒ ጥቡቕ ርክብን ፍቕርን ክገልጸልኩም እደሊ፣ እታ ብህላወኣ ኣቢላ ብእተኻእለ መጠን ነዚ ጾር እዚ ምሳኻትኩም ክትስከሞ እትደልን ኣብዚ ፈተና እዚ እምነትኩም ምእንቲ ክዕቀብ ናብ ጐይታና ኢየሱስ እትጽሊ ዘላ ቤተ - ክርስትያንን ፍቕራን ክገልጸልኩም እፈቱ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ዕለት 15 ጥሪ ኣብ ቫቲካን ምስ ኣባላት ስድራቤት እቶም ኣብ መዘናግዒ ስፍራ ብዘጋጠመ ባርዕን ነታጒን ዝሞቱ ወይ ዝቘሰሉ ሰባት ከም እተራኸቡ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓዘን ናይቶም ኣባይቲ ስድራ ከቢድ ምዃኑ ብምምልካት፡ ምስ ካህናቶምን ክርስትያናዊ ማሕበረሰቦምን ሓቢሮም፡ "ሓዘን ንምስዓርን ትብዓት ንምዕቃብን እትደልይዎ ሕውነታውን መንፈሳውን ደገፍ" ክረኽቡ ዘለዎም ተስፋስ ከም ዝገለጹ የዘኻኽር።

ሓደ መዓልቲ ምስ እነፍቅሮም ሰባት ክንራኸብ ተስፋ ንገብር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ስድራ ቤት ግዳያት ኣብ ስቓዮም ዝተጠንጠኑ ኮይኑ ክስምዖም ከም ዝኽእል ኣፍልጦ ብምሃብ፡ "ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ሓዘንኩም ኣቕርበላ፡ ሓዘንኩም ኣብ ልባ ኸም ዘሕደረቶ ድማ ርግጸይና እየ” እንክብሉ ኣጕሊሖም፣ ኣብቲ ወዳ እተሳቐየሉን ህይወቱ ዝሃበን መስቀል ምስኣ ሓቢሮም ኺጥምቱ ዓዲሞም፡ በዚ ምኽንያት እዚ ጐይታ ኣብቲ ሎሚ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ነገራት ከም ዝካፈልን ካብኡ ሓሊፉ ድማ "ክብርን ቡራኬን ትንሳኤኡ" ከም ዘካፍሎም እምነቶም ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ በዚ ስምዒት እዚ "ኢየሱስ ብሓቂ ተንሲኡ እዩ - ቢሎም -  ሓደ መዓልቲ ምስቶም ብሞት ዝተፈለይዎም ኣብ ምድሪ እውን ከይተረፈ ከም ዝራኸቡን ሓጐስ ናብ ልቦም ከም ዝምለስን ተስፋ ክገብሩ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክፈልየና ዝኽእል ሓደ’ኳ የሎን

ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮማውያን ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ጠቒሶም፡ ሞት ኰነ ህይወት ህሉው ኰነ መጻኢ ፈተናታት ኰነ ምፍልላይ ወይ ስቓይ ንዓታቶምን ነቶም ዜፍቅርዎም ሰባትን ካብቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልዮም ከም ዘይክእል ኣስተብሂሎም፡ ኣብዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ርግጸይናታት ኩኑ - ቢሎም - ተስፋ ምቝራጽ እኳ እንተ ኣጋጠሞም "ካብቲ ምስኣታቶም ዘሕለፍኩምዎ ባህ ዘብልን ዘሐጕስን እዋናት ንሓዋሩ ኣይጠፍእን እዩ። ኣብዘን ናይ ሓዘንን ጸልማትን መዓልትታት እዚኣተን ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ መስቀል ኪርእዩ ካብኡ ሓሊፉ ድማ "ኵሉ ሳዕ ናብ ሰማይ ኪጥምቱ" ከም እትዕድሞም ብምርግጋጽ፡ "ነቲ ኣብኡ ዝጸነዐን ኢየሱስ ዝሃበኩም መልሕቕ ተስፋ ኣጽኒዕኩም ብምሓዝ ንኽትጸንዑን ጕዕዞኹም ንኽትቅጽሉን ብርታዐን ትብዓትን ክትረኽቡ ኢኹም" እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 Feb 2026, 15:44