ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ስፖርት ንሰብኣውነት ኣገዳሲ እዩ፡ ዕርቂ ኦሎምፒክ ኣኽብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ስፖርት ንሰብኣውነት ኣገዳሲ እዩ፡ ዕርቂ ኦሎምፒክ ኣኽብር 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ስፖርት ንሰብኣውነት ኣገዳሲ እዩ፡ ዕርቂ ኦሎምፒክ ኣኽብር

ቅድሚ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ክረምታዊ ውድድር ኦሎምፒክ ሚላኖ-ኮርቲና 2026 ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ዋጋ ስፖርት ዝገልጽ ሰፊሕ ሰነዳዊ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ ሒደት ሰዓታት መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ክረምታዊ ውድድር ኦሎምፒክ ሚላኖ-ኮርቲናን፡ ቫቲካን ንዋጋ ስፖርት ዝምልከት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ኣብ ናይ ስፓርት ክቡር ዋጋ ዝጸንዐ ፍድፋድ ሕይወት  ዘርእስቲ ሰነዳዊ መልእኽቲ ወግዓዊ ከም ዝገበረ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ መበል 25 ክረምታዊ ውድድር ኦሎምፒክ ካብ ዕለት 6 – 22 ለካቲት ከምኡ’ውን መበል 14 ናይ ኣካለ ስኵላን ክረምታዊ ውድድር ኦሎምፒክ ካብ ዕለት 6–15 መጋቢት፡ ነቶም ብቐጥታ ዝሳተፉ ሰባት ሰላምታ ንምቕራብን ሰናይ ትምኒቶም ንኽገልጹ ድላዮም ምዃኑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምምልካት ንኹሉ ሰብ ብዛዕባ ስፖርት ዝምልከት ሰፊሕ ኣስተንትኖ የቕርቡ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ሰነዳዊ መልእኽቲ ንስፖርት ብምንኣድ፡ ብዛዕባ እቲ ንሰብኣዊ ሕውነት ዘተባብዕን ንውልቀ-ሰባት ጽቡቕን ቅዱስን ነገር ንኺስዕቡ ዚሕግዞም ብዙሕ መገድታት ከም ዘስተንተኑን፡ ኣብ ዝሓለፈ ኦሎምፒካዊ መደባት፡ እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ስፖርት ንረብሓ ደቂ ሰብ ብፍላይ ከኣ ሰላም ኣብ ምድንፋዕ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ ኣጕሊሖም ምንባሮም ብምዝኽኻር፡ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣህጉራዊ ሽማግለ ኦሎምፒክን ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ዓለም ዕርቂ ክህሉ ዘቅረብዎ ጻውዒት እውን ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስፖርት ከም መሳርሒ ሰላም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ኣብዛ ሰላም ዝጸመኣ ዓለም 'ንስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃም ሓይሊ ምርኣይ ከምኡውን ንልዕልና ሕጊ ዘይምግዳስ' ደው ከብል ዘኽእል መጋበርያታት የድልየና እዩ፡” ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና እንርእዮ ዘሎና ዝሰፍሕ ዘሎ ናይ ሞት ባህሊ ብምዅናን፡ "ዓመጽን ውግእን ኵሉ ሳዕ ንደቂ ሰብ ስዕረት እዩ" እንክብሉ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን ጉስነታዊ ክንክን ከተቕርብ ትጸዋዕ

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓውዲ ስፖርት ብሓባርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣቢላ ቀረባ ክትከውንን ከተሰንይን ምስትውዓልን ተስፋን ከተቕርብን ትጽዋዕ - ቢሎም - ነታ ኣብ 2018 ከም ወግዓዊት ጋንታ ቅድስቲ መንበርን ብመሪሕነት ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝቖመ ኣትለቲል ቫቲካን ብምጥቃስ፣ እዚ "ስፖርት ናይ ዓቕለሲያዊ ኣገልግሎት ኣካል ምዃኑ" ዝምስክር ተበግሶ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ "ስፖርት ብሓቂ ናይ ህይወት ቤት ትምህርቲ ክኸውን ይኽእል'ዩ፣ ኵሉ ሰብ ከኣ ብዝዀነ ይኹን ሃብቲ ብዓወት ዘይኰነስ ካብ ምክፋል ንኻልኦት ብምኽባር ከምኡውን ብሓባር ብምምልላስ ካብ ዚርከብ ሓጐስ ከም ዚመጽእ ኪመሃር ይኽእል እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስፖርት ንናይ ሓባር ረብሓን ውልቃዊ ምዕባለን የገልግል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ቤተ-ክርስትያን ምስቲ ሞያተይናታትን ብሉጻትን ስፖርተይናታት ዝሳተፍዎ ዓወትን ሀብትን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዘቕርብን ስፖርት ቀረባ ክትከውን እንኮላ ብፍላይ ብዛዕባ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ሃብቲ ዘይብሉ ግን ከኣ ብሰብኣዊ ርክባት ሃብታም ዝዀነ መሰረታዊ ስፖርታዊ ንጥፈታት ብምሕሳብ እዩ" እንክብሉ ኣብሪሆም፡ ቤተ-ክርስትያን ብጭቡጥ ክትህሉን ከተሰንይን ምስትውዓልን ተስፋን ክትህብን ጻውዒት ኣቕሪቦም። በዚ ኸምዚ ስፖርት ብሓቂ ናይ ህይወት ቤት ትምህርቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣነጺሮም፣ ሃብቲ ብዝዀነ ይኹን ዋጋ ካብ ዓወት ዘይኰነስ ካብ ምክፋልን ንኻልኦት ብምኽባርን ብሓባር ኣብ ምጕዓዝ ዝርከብ ምዃኑ ይምህር።” ብተወሳኺ እውን "ንስፖርት ካብቲ ናብ ትርኢት ወይ ፍርያት ዝቕይሮ ነካዪ ኣተሓሳስባ ሓራ ምውጻእ የድሊ” እንክብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ስፖርት ንፖለቲካዊ ወይ ቍጠባዊ ረብሓ መጋበርያ ከይከውን ድማ ኣጠንቂቖም፡ ኣብ ክንዳኡስ ንውልቃዊ ምዕባለን ሓባራዊ ጥቕምን ንምግልጋል ዘለዎ ተልእኾ እሙን ክኸውን ከም እተማሕጸኑ ኣፍሊጡ።

07 Feb 2026, 17:06