ር. ሊ. ጳ.፦ ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣጽዋር ኣብ ዚጓዝመሉ ቦታ እውን እንተ ዀነ መሰኻኽር ኢየሱስ ኢኹም
ኣባ ተወልደ መብራቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ንክርስቶስ ብዝያዳ ንምስዓብ ብዝገበርኩምዎ ቆራስነት፣ ማለት ኣብቲ ንገዛእ ርእሱ ባዶ ዝገበረሉን፣ ኣብቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝንበር ህይወቱን ብምክፋል፣ ዓለም ንግርጭታት እትሰግረሉ መገዲ ኸተርእዩ ትኽእሉ ኢኹም፣ ብሓርነት ከምቶም ብዘይ መጠን ዜፍቅሩን ይቕረ ዚብሉን፣ ሕውነት ክትዘርኡ ትኽእሉ ኢኹም" ክብሉ ተላበውዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነዚ ሓያል ለበዋ እዚ፣ ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ፣ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተመስረተ፣ ዓመታዊ ኣብ ዕለት 2 ለካቲት ኣብ ዝኸብር ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣብ ዘካፈልዎ ስበከት ቃል ኣማልኽ ኢዩ ዝንበረ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ስብከቶም፣ ኣብ በዓለ ወፈያ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ቤተ መቕደስ ኮይኑ፣ ከምቲ ወንጌል ቅዱስ ሉቃስ ዘዘንተዎ ነቢይ ስምኦንን ሃናን ንኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ መሲሕ ምዃኑ ብኸመይ ከም ዝፈለጡን ከም ዝኣወጁን ይገልጽ፣ "እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ኣብ መንጎ ኽልተ ተግባራት ፍቕሪ ዝፍጸም ርክብ እዩ፣ እዚ ድማ እቲ ንህዝቡ ኼድሕን ዚመጽእ ኣምላኽን፣ ከምኡውን እቲ ብንቑሕ እምነት ዝጽበ ሰብኣዊ ተስፋን" ኢዩ ዘመልክት።
ነዚ ትርኢት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፣ መበል 30 ዓመት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰብ ውፉይ ሕይወት ከነብዕል ከሎና፣ እቶም እተወፈዩ ሰባት ከም ምስሊ ተልእኾን፣ ገዳማውያን ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ዓለምን ኣፍልጦ ክህቡሉ ከም ዘለዎም ገለጹ።
ኵሉ ነገር ንኣምላኽ ሃቦ
መስረቲ ማሕበራትኩም ንተግባር መንፈስ ቅዱስ እዙዛት ኰይኖም ነዚ ተልእኾ እዚ ብኸመይ ብተኣማንነትን ብውጽኢታውን መገዲ ኽትፍጽሞ ኸም እትኽእሉ ዘደንቕ ኣርኣያታት የቕርቡልኩም እዮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ኣብ መንጎ ምድርን ሰማይን ቀጻሊ ውጥረት ስለ ዝነበሮም "ብእምነትን ብትብዓትን ኪምርሑ ብኸመይ ከም ዝፈቐዱ" ድማ ኣስተንተኑ።
"ካብ መኣዲ ቅዱስ ቍርባን ምስ ወጹ ገሊኦም ናብ ጸጥታ ገዳም ገሊኦም ከኣ ናብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ተመርሑ። ገሊኦም ናብ ክፍልታት ኣብያተ ትምህርቲ፣ ገሊኦም ኸኣ ኣብ ጐደናታት ወይ ንዕዮ ወንጌላዊ ተልእኾ ወፈሩ።"
ኣብቲ ተጻባኢ ዝኾነ ሃዋህው ናብ ህልውና ጸሎት ምእታው
እዛ እምነት እዚኣ "ደጋጊማ ብትሕትናን ብጥበባትን" ናብ እግሪ መስቀልን ናብ ማሕደሩን ኪምለሱ ኸም ዝደረኸቶም እውን ገለጹ፣ "ኣብኡ ኸኣ ንኵሉ ዘለዎም ዘበለ ኣወፈዪ፣ ምንጪ ዅሉ ተግባራቶም ከኣ ኣብ ኣምላኽ ረኸቡ።"
ብሓይሊ ጸጋ እውን ሓደገኛ ዕዮታት ከም ዝጀመሩ ገለጹ። "ኣብ ተጻባኢ ወይ ተገዳስነት ዘይብሉ ሃዋህው ብጸሎት ይእከቡ ነበሩ። ለጋስ ኢድን ምቕሉል መንኵብን ኣብ መንጎ ውርደትን ተነጽሎን፣ ከምኡውን ዓመጽን ጽልእን ኣብ ዝመልኦ ዅነታት ናይ ሰላምን ዕርቅን መሰኻኽር ኮኑ።"
ኣንጻር ማዕበል ንምኻድ ድልው ምዃን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ "ኣንጻር ህሉው ኩነታ ምኻድ ዜምጽኦ ሳዕቤን ኪጾሩ ድሉዋት እዮም ዝንበሩ፣ ብክርስቶስ 'ምልክት ናይቲ ንሓድሕዱ ዚጋጮ' ሓድሓደ ግዜ እውን ክሳዕ ሰማእትነት ከብጽሕ ዝኽእል ኩነታት ከይተረፈ ድሉዋት ነበሩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ኣብቲ ድሕሪ ሲኖዶስ ኣብ ዝጸሓፍዎ ሓዋርያዊ ምሕጽንታ “ቃል ኣምላኽ”፣ "ትርጓሜ ቅዱሳት ጽሑፋት ነቶም ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ዝነበርዎ ምስማዕ ዘየጠቓልል እንተ ዘይከውን ነይሩ ምሉእ ኣይምዀነን" ክብሉ ከም ዝጸሓፉ ዘኪሮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፣ "ሎሚ ነቶም ቅድሜና ዝነበሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይዚ 'ትንቢታዊ ልምዲ' ነኽብሮም ልዕሊ ዅሉ ድማ ውርሻኦም ብምቕጻል ኢና እንነብር ዘሎና" በሉ።
ካብ 'ናይ ሰብ ሓሶትን መነኣኣስን ርድኢት' ተጠንቀቑ
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስብከቶም ሎሚ እውን እንተ ዀነ በቲ ንልኡኻነ ወንጌል ምኽርን በቲ ዚፍጽምዎ ብዙሕ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎታትን "ኣምላኽ ኣብ ታሪኽ ንዅሎም ህዝብታት ከም ዘድሕን ክምስክሩ ተጸዊዖም እዮም፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ ህላዌ ዘሎ ግጉይን ናይ ምንርእኣስ መረዳእታ፣ ነቲ ኣብ መንጎ እምነትን ህይወትን ዘሎ ጋግ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ሕብረተሰብ እውን ከይተረፈ ኪምስክሩ ተጸዊዖም እዮም።"
"መንእሰያት ዓበይቲ ድኻታት ሕሙማትን እሱራትን ልዕሊ ዅሉ ኣብ መሰውኢ ኣምላኽን ኣብ ልቡን ቅዱስ ቦታ ኸም ዘለዎም ክትምስክሩ ተጸዊዕኩም ኢኹም" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ወሲሎም ድማ "ነፍሲ ወከፎም ኣብ ቅድሚኦም ክንምበርከኽ ዘሎና ዘይተገልጹ መቕደስ ህላወ ኣምላኽ እዮም። በዚ ኸምዚ ድማ ንዕኡ ድማ ኣምልኾን ክብርን ሃብዎን" በሉ።
ኣጽዋር ኣብ ዝጓዝመሉ ቦታታት እውን ከይተረፈ ሃይማኖታዊ ተሰምዶ ንህዚ ኣይጥንጥኖምን ኢዩ
ነዚ ዜረጋግጽ መርትዖ ድማ ኣብ ማሕበራትኩም ኣብ እተፈላለየ በዳሂ ዅነታት ዋላ እውን ኣብ ማእከል ግጭት ዝቐውም ሓያል "ሰፈር ወንጌል" ኪርአ ኸም ዚኽእል ሓበሩ።
"እዞም ማሕበራት እዚኣቶም ንህዝቦም ኣይሓድጉን ኣይሃድሙን እውን። መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ኵሉ ድሕንነት እተፈልየ፣ ነቲ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዅነታት ህይወት ዘሎ ዕሽሽ ዘይበሃል ቅድስና ህያው መዘኻኸሪ ዀይኖም ይጸንሑ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣስዒቦም፣ "ኣጽዋር ኣብ ዚጓዝመሉ ዘሎን፣ ትዕቢትን ኣንነትን ጥቕሚ ርእስኻ ምኽዕባትን፣ ዓመጻን ኣብ ዚሰፍነሉ እዋን እውን ከይተረፈ ህላወኦም ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ ቃላት ዝሰብኩ ዘለዉ ኢዮም፦ 'ካብዞም ንኣሽቱ እዚኣቶም ንሓደ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኵሉ ጊዜ ኣብ ሰማያት ገጽ ኣቦይ ይርእዩ ኣለዉ” ክብሉ ድማ ተላበዉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ንካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምዝካር፣ "ቤተ-ክርስትያን... ንፍጽምና ብኽብሪ ሰማይ ጥራይ እያ እትቕበል። ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ ዓሌት ደቂ ሰብ ኣብ ኣድማስ ንባዕላ ... ኣብ ክርስቶስ ብፍጽምና ክትጸንዕ ኢያ" ንዝበሎ እወን ኣዘኻኸሩ።
እዚ ትንቢታዊ ራእይ እዚ ንዓታቶም እውን ከም ዜገድሶም ገለሱ፣ ከመይሲ "መነኮሳት ሰብኡትን ኣንስትን ኣብቲ ሕጂ ዘሎ ነገራት ሱር ዝሰደዱ ግናኸ፣ 'ኵሉ ሳዕ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዜቕልቡሉ' ክርስቶስ 'ነቶም ምሉእ ህይወቶም ብፍርሂ ሞት ኣብ ባርነት ተኣሲሮም ንዝነበሩ ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ ሞይቱን ተንሲኡን ኢዩ" ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም፡፤
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ ስብከቶም፣ ቤተ-ክርስትያን ንጐይታ ስለ ውፉያት ሰብኡትን ኣንስትን ኣገልገልቲ ዝሃባ ምስጋናኣ ተቕርብ ብምባል፣ "ሓልዮት ኣምላኽ ኣብ ዝመርሓኩም ዘበለ ማይ ብሑቝ ሰላምን ምልክት ተስፋን ክትኰኑ ተተባብዓኩም ኣላ" ክብሉ ውን ኣበራትዕዎም።
"ኣብ መሰውኢ ንመሥዋዕቲ ህይወትና ንኣምላኽ ከነሐድሶ ኸሎና፣ ዕዮና ምስ ኵሎም ቅዱሳን መስረቲ ማሕበራትና ናብ ኣማላድነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሕድሪ ነወፊ ኣሎ" ክብሉ ውን ጸለዩ።
