ር. ሊ. ጳ.፦ መሰላት ቈልዑ ክኽብርን፣ ካብ ሓደጋ ከዕቆቡን ከም ዘለዎም ደጊሞም ገሊጾም
ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሓሙስ ዕለት 5 ለካቲት፣ ንኮሚተ ኣዳለውቲ ናይቲ "ካብ ቅልውላው ናብ ካቶሊካዊ ክንክን ቘልዑን ህጻናትን" ዘርእስቱ ተበግሶ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገሱሎም ቃል ምዕዳን፣ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ እተገብረ ኣህጉራዊ ጉባኤ መሰላት ቈልዑን ህጻናን ዝጀመሮ ዕዮ ክቕጽሉ ኣተባብዕዎም።
ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንመሰላትን ክብርን ድሕንነትን ቈልዑን ህጻናን ንምሕላው ዘቕረብዎ ህጹጽ ጻውዒት እተወልደ እዚ ካቶሊካዊ ተበግሶ ንቘልዑን ህጻናትን፣ ብተቕዋማት ቅድስቲ መንበርን ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ብምትሕብባር፣ ብጳጳሳዊ ኮሚሽን ዕቝባ ቈልዑን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ከምኡ ውን እተፈላለያ ሃይማኖታውያን ጉባኤታትን ምእመናን ክኢላታትን ዝምወል ኢዩ።
ኣብ ሓሙሽተ ኣህጉራት ምስ ቈልዑን ስድራ ቤታትን ብቐጥታ ብምዕያይ፣ ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ወይ ህጻን ብድልዱልን ምሉእን ስርዓት ኣብ እተደገፈ ድሕንነትን ክንክን ስድራ ቤትን ከም ዝረክብ ንምርግጋጽ፣ ንመራሕቲ ቤተ-ክርስትያንን ማሕበረሰባትን መሻርኽትን ንምድጋፍ፣ ህዝባዊ ናይ ትግባሬ መደባት ንምውዳብን ዕላማ ኣለዎ ኮሚቴ ኢዩ።
ሎሚ ንብዙሓት ቈልዑ ህጻናትን ዜጋጥሞም ዘሎ ዜሕዝን ክውንነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን እተገብረ ኣኼባ፣ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ንቘልዑን መንእሰያትን ዘጋጥሞም ዘሎ ዘሕዝን ኩነታት ከም ዘተሓሳሰቦም ብምግላጽ፣ "እቶም የሱስ ናብኡ ክመጹ ዝደለዮም ቈልዑን መንእሰያትን ዓለምና መብዛሕትኡ ግዜ ክንክንን መሰረታዊ ኣድላይነታት ህይወትን ዘይረኽቡን" ምዃኖም ዘሕዝን ምዃኑ ገለጹ።
ኣስዕብ ኣቢሎም እውን ቅዱስነቶም፣ መብዛሕትኡ ግዜ "ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ተኽእሎ ንምፍጻም ብዙሕ ኣጋጣሚታት የብሎምን" ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ድማ እዚ ዅነታት እዚ ከም ዘይተመሓየሸ ገለጹ።
"ንቘልዑ ኻብ ሓደጋ ኣብ ምዕቋብ ዕቤት ከም ዘይተገብረ ምፍላጥ እውን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኢዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ዓለምለኻዊ ቀዳምነት ዝወሃቦም ነገራት ካብቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ወገናት ዝረሓቐ እንተ ደአ ዀይኖም ኣብ ሕቶ ብምእታው፣ ብዙሓት ቈልዑ ኣብ ክቱር ድኽነት ዝነብሩ፣ ዓመጻ ዝወርዶም፣ በስገዳድ እተመዛበሉ ከምኡውን ሥርዓተ ትምህርቲ ዘይረኸቡ ቈልዑን ህጻናትን፣ "ካብ ስድራቤቶም ተፈልዮም ወይ ተነጺሎም" እናሃለዉ ክንሶም፣ "ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ንቀዋሚ ምዕባለ ዝግበሮ መብጽዓታት ተሓዲጉ ድዩ?" ዝብል ሕቶ ኣቕረቡ።
ንትምህርቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምዝካር ድማ ብዛዕባ ኣገዳስነት ስድራቤት ደጊሞም ኣጕልሑ፣ እቲ ቘልዑን ህጻናን "ካብ ኣደን ኣቦን ፍቕሪ ናይ ምርካብ መሰሎምን፣ ክልቲኦም ወለዲ ንሓደ ቘልዓ ምሉእን ስንምረት ዘለዎን ምዕባለ ንክረክብ ኣድለይቲ ኢዮም" በሉ።
ኣድላይነት ሓፈሻዊ ግንዛቤ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዘለገስዎ ቃለ ምዕዳን ናብ ዕዮ እዚ ኮሚተ እዚ ምልስ ብምባል፣ ነቲ ኣብ ኣኼባኦም እተላዕለ ሻቕሎት ጭቡጥ ምላሽ ንምድላው ዝገበርዎ ቘራጽነት ኣመስገንዎም፣ ብዛዕባ ተልእኾኦም ድማ ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ጠቒሶም።
ብቐዳምነት 'ኣብ ክንዲ እቶም ድምጺ ዘይብሎም ክጣበቑ' ኸም ዘለዎም ኣዘኻኸርዎም፣ ተስፋ ምቝራጽ ፍሽለት ተበግሶታት ወይ ዘይምግዳስ ኬጋጥሞም ከሎ ድማ ጽንዓት ኪገብሩ ኣተባብዕዖም።
"እብቲ እትገብርዎ ዘሎኹም ሠናይ ነገር ንቕድሚት ከም እትስጕሙ ይኹን" ክብሉ ድማ ተላበውዎም።
ካልኣይ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ነቲ "ተሳጋሪ ድሌታት ቈልዑ" ምምላእ ኣድላዪ ምዃኑ ድማ ኣስተንቲኖም፣ ክንክን ቘልዑን ህጻናትን ኣብ ሓደ ኸባቢ ጥራይ እተሓጽረ እኳ እንተ ኾነ፣ ዕሽሽ ክበሃል ከም ዘይከኣል ኣጠንቀቑ።
ኣብ ውሽጢ መዋቕር ቤተ-ክርስትያንን ተቕዋማት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን ዘሎ እተፈላለየ ባህርያትን ፍልልያትን ኣፍልጦ እኳ እንተ ሃቡሉ፣ ንናይ ቈልዑን ህጻናትን "ሚዛናዊ" ዝኾነ ከምኡውን "ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ድሕንነቶም" ኣቓልቦ ዝግበረሉ ክንክን ምእንቲ ክልገሰሎም ዝያዳ ስኒትን ምትሕብባርን ከም ዘድሊ ተማሕጺኖም።
ንቘልዑን ህጻናትን ስምዕዎም!
ነቲ ካብቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ ዝቐረበ ደገፍን ብምትሕብባርን፣ ካብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ትምህርትን ህይወትን፣ ሕብረት ላዕለዎት ጠቕለልቲ ኣሕሉቕ ማሕበራትን፣ ኣህጉራዊ ሕብረት ዞባውያን ኣሕሉቕን ላዕለዎት ሓለፍትን፣ ነዚ ሓባራዊ ሓላፍነታት ንምፍጻም "ጭቡጥ ስጕምትታትን መደባትን ተግባራትን" ከዳልዉ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ልዕሊ ዅሉ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንቘልዑን ህጻናትን ክንሰምዖም ግዲ ምዃኑ ንዝመስከርዎ ሓዊ ዘኪሮም ዳግም ኣጕልሕዎ፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እተገብረ ኣኼባ "ምሳኻትኩም ኴንና ንዓለም ካብ ሕማቕ ነገራት ከነናግፋን፣ ብምሕዝነትን ኣኽብሮትን ክንሕብሕባን፣ ከምኡውን ንዅሉ ወድሰብ ሰብ፣ ጽቡቕ መጻኢ ንምህናጽ ክንሕግዘኩም ንደሊ ኢና" ብምባል ኣዘኻኺሮምዎ ።
"ንዅላትኩም ቡራኬ ጐይታ ንልምነልኩም፣ ብፍላይ ከኣ ንቘልዑን ህጻናትን፣ ከምኡ ከኣ ነቶም ዝሳቐዩን፣ ንህይወት ዘድልዮም መሰረታዊ ድሌታት ዘይረኸቡን ብጸሎት ንዝክር ኢና" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።
