ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ሓቀይና ጽድቂ ዓብዪ ፍቕሪ ይሓትት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚባሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ምርኩስ ብምግባር፣ ንሓቀይና ጽድቂ ብኸመይ ብዙሕ ከነፍቅር ከም ዘሎና ቃል ወንጌል ከም ዘስተምህረና ኣስተንተኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቅድስሚ ናይ ሰንበተ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ምምርሖም፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ምርኩስ ብምግባር ኣብ ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ " ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብታ ሓዳስ መንግስቲ ኣምላኽ ክንኣቱ ይዕድመና ኣሎ" ብምባል ገሊጾም። ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓንቀጽ ብፁዓን ድሕሪ ምስትምሃሩ፣ ሓቀይና ትርጕም ትእዛዛትን ሕጊ ሙሴን ድሕቲ ብምግላጽ፣ "ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክህልወና ዘለዎ ፍቕሪ" ኣመልኪቱ ዘቕረበልና መጸዋዕታ ገለጹ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ኢየሱስ ነቲ ሕጊ ክፍጽሞ ደአ እምበር ክስዕሮ ከም ዘይመጸ እተዛረበ በሉ።

"እቲ ሕጊ ብፍቕሪ እዩ ዝፍጸም፣ እዚ ኸኣ ነቲ ዓሚቝ ትርጕሙን ናይ መወዳእታ ዕላማኡን እዩ ዝገልጽ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስብከቶም ብምቕጻል፣ ሓቀይና ጽድቂ ትእዛዛት ኣብ ምሕላው ጥራይ እገልጸ ዘይኰነስ፣ "ንክንፋቐር ዝኸፍተናን ንኸነፍቅር ድማ ዘገድደና ኢዩ" ብምባል ኣጕልሑ። ኣስዒቦም ድማ፣ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንገለ ኻብቲ ኣብ ሕጊ ተዘርዚሩ ዝርከብ ንጭቡጥ ጕዳያት ዜመልክት ትእዛዛት ብምግላጽ፣ ኣብ መንጎ ወግዓዊ ሃይማኖታዊ ጽድቅን፣ ጽድቂ መንግስቲ ኣምላኽን ዘሎ ፍልልይ ድማ ገለጹ። ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ እዚ ሕጊ እዚ ንሙሴን ንነብያትን እተዋህበ ትእዛዝን ንኣምላኽን ከምኡ ውን ነቲ ንታሪኽን ንዓናን ዘለዎ መደባት ንምፍላጥ ዘገልግል መገዲ ምዃኑ የርእየና በሉ።

"እግዚኣብሔር ባዕሉ ብኣካልነት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ሕጊ ብምፍጻም ውሉድ ኣቦ ገይሩ ምስኡ ኸም ውሉድ ምስ ነሓድሕድና ከአ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኴንና ክነብር ዘኽእለና ጸጋ ሂቡና እዩ። ጐይታናን መድሕኒናንን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቀይና ጽድቂ ኣብ ፍቕሪ ኸም ዝጠቓልልን፣ ኣብ ኵሉ ትእዛዛት ሕጊ ድማ ንፍቕሪ ዝጽውዓ ጉዳያት ብኸመይ ከም እነለልን ክንለማመድ ከም ዘሎና ምሂሩና እዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ነቲ ኢየሱስ ዝሃቦ ኣብነታት ዘኪሮም፣ ተራ ጽድቂ ክሳዕ ክንደይ እኹል ከም ዘይኰነን፣ "ዓብዪ ፍቕሪ" ከም ዘድልየናን፣ እዚ ድማ ሳላ ሓይሊ ኣምላኽ ዝከኣል ምዃኑን ገሊጹ እዩ። ቅድስቲ ድንግል ማርያም 'ምእንታና ከተማልድን' ከምኡውን 'ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕና ንኽንርዳእን፣ ነቲ ጽድቂ ዘቕርበልና ጻውዒት ንኽንፍጽምን ክትሕግዘና' ብምጽላይ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

16 Feb 2026, 11:47