ድለ

UKRAINE-RUSSIA-CONFLICT-WAR UKRAINE-RUSSIA-CONFLICT-WAR  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብዚ ግዜ በረድን ዝወርዶም ዘሎ ደብዳብ ቦምባታትን ምእንቲ ዩክረይን ጸልዩ

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብፍላይ ነቲ ሕዝቢ ፖላንድ ንሕዝቢ ዩክረይን ንምሕጋዝ ዝገበርዎ ዘለዉ ተበግሶታት ጸሎትን ምስጋናን ኣወፍዮም። ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ መወዳእታ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ምእንቲ ሕዝቢ ዩክረይን ጸሎት ክግበር ተማሕጺኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሎሚ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ዘካየድዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ ዩክረይን ዘለዎም ፍልይ ተገዳስነት ብምግላጽም፣ ንሓያሎ መዓልትታት ብኸቢድ ወተሃደራዊ ስጕምትታት ይሳቐዪ ምህላዎምን፣ ንህይወት ሰላማዊ ህዝቢ ዝያዳ እተሓላለኸ ይገብሮ ከም ዘሎን ገሊጾም። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ኣብ ጸልማት እዮም ዚርከቡ ዘለዉ፣ እዚ ዅሉ ዜስዕቦ ኸቢድ ጸገማት ከኣ ነቲ ከቢድ እዋን ቝርን በረድን ክሰግርዎ ኣይከኣሉን ዘለዉ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ልዮን መበል 14 ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ፦

“ነቶም ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፣ በቲ ኣብ ናይ ጸዓት ትሕተ ቅርጺ ዝወረደ ደብዳብ ቦምባታት ዘስዓቦ ከቢድ ሓደጋ ኣጸቢቖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ብጸሎት ክትድግፍዎም እምሕጸነኩም ኣለኹ” ክብሉ ተላበዉ።

ምዉቕ ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ

ይኹን እምበር ኣብዚ ጽንኩር ኵነታት እዚ፣ ብርሃን ሓድነት ካብ ጐረባብቲ ሃገራትን ደገፍ እታ ካብ መጀመርታ እቲ ውግእ ኣትሒዛ ኣብ ግንባር ንጡፍ ሓገዝ ዝገብረት ቤተ-ክርስትያንን ይበርህ ኣሎ። እዚ ድማ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ንምግባር ዝተወስደ ስጉምቲ ኢዩ ዝንበረ።

“ነቲ ካብ ኣብ ሃገረ ፖላንድን ካልኦት ሃገራትን ዝረከባ ካቶሊካውያን ኣብያት ክርስትያናት እተገብረ ናይ ሓገዝን ረድኤትን ተበግሶታት ምስጋናይ እገልጽ” እውን በሉ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ጳጳሳዊ ቤትጽሕፈት ግብረ ሰናይ፣ ንህዝቢ ዩክረይን ክዳውንትን መሞቒን እተዓሸገ ምግብን ናብ ማእከል ሰላማዊ ህዝቢ ካብታ ኣብ ምብራቃዊ ክፋል ከተማ ሮማ ካብ እትርከብ ቤተክርስትያን ቅድስቲ ሶፍያ ክተኣኻኸብ ብምሕታት ጻውዒት ኣቕሪቡ ከም ዝንበረ ዝዝከር ኢዩ። እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ ድማ ደድሕሪ እቲ ኣብ ካርኪቭን ኦዴሳን ዝተኻየደ ሓድሽ መጥቃዕትታት፣ ኣብ መንጎ ኪየቭን ሞስኮን ኣብ ኣቡ ዳቢ ብማእከላይነት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘተ ክጅመር ኣብ ዝሰናደውሉ ዘለው ግዜ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ።

04 Feb 2026, 15:33