ር.ሊ.ጳ. ልዮን፡ ሕውነት ደቂ ሰባት ህጹጽ ኣድላይነት እምበር ግዜኡ ዝሓለፎ ዘይጭበጥ ስነ ሓሳብ ኣይኮነን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሰላም መብዛሕትኡ ግዜ ከም ግዜኡ ዝሓለፎ ዘይጭበጥ ሓሳብን ወይ ኡጦቢያ ተባሂሉ ዝንጸግን ሕውነት ናብ ረቒቕ ርእየተ ዓለም ኣብ ዝወረደሉን ዓለም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሕውነት ደቂ ሰባት ክልሰ -ሓሳብ ዘይኮነስ ህጹጽ ኣድላይነት ምዃኑ ኣብቲ ዕለት 4 ለካቲት ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነትን ስነ ስርዓት ሽልማት ዛየድን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣስሚሮም፡ ካብ ግርጭታትን ምፍልላይን ወጥሪን ዝሓየለ ሕውነት ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ህጹጽ ኣድላይነት ሕውነት
ቅዱስ ኣቦና ኣብ መስልእኽቶም ንሰላም ዓለምን ሓባራዊ ናብራን ዝምልከት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሃር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣሕማድ ኣል ታየብ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ዝተኸተመሉ መበል ሻብዓይ ዓመት ብምዝካር - እዚ ኣጋጣሚ እዚ “ኣብ ሰብኣውነትና ኣዝዩ ክቡርን ኣድማሳውን ዝኾነ: ሕውነትና፣ እቲ ንነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ዝጥርንፍ ዘይብተኽ ምትእስሳር፣ ብኣምሳል እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ” ንምብዓል ዘኽእል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ “ሎሚ ኣድላይነት ናይዚ ሕውነት ርሑቕ ስነ ሓሳብ ዘይኮነስ ህጹጽ ኣድላይነት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሕውነት፡ ቀዳማይ ግዳይ ግርጭታት
ቅዱስነቶም ነቶም ሎሚ ብዘስካሕክሕ ዓመጽን ኲናትን ዝሳቐዩ ዘለዉ ብዙሓት - ኣሕዋትን ኣሓትን ብምዝካር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣሃው ኩልነ ኣብ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም፡ “ቀዳማይ ግዳይ ነፍሲ ወከፍ ኲናት ናይ ሰብኣዊ ስድራቤት ባህርያዊ ጸዋዕታ ሕውነት እዩ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሶም “ብሓባር ሰላም ናይ ምህናጽ ሕልሚ መብዛሕትኡ ግዜ ‘ግዜኡ ዝሓለፎ ኡጦቢያ (ሰናይ ግን ዘይጭበጥ ወይ ዘይብጻሕ)’ ናብ ዝብል ኣገላልጻ ኣብ ዝውረደሉ እዋን፡ ሕውነት ደቂ ሰባት ካብ ኩሉ ግርጭታት፡ ፍልልያትን ወጥሪን ዝሓየለ፡ ብህይወት ዝንብር ክውንነት ምዃኑ ብርግጽነት ክንእውጅ ኣሎና።” እዚ ኸኣ "መዓልታዊ ጭቡጥ ናይ ምክብባርን ምክፋልን ርሕራሐን ቈራጽነት" ክግበር ከም ዘለዎ እዩ ዘመላኽተና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ “ዓውዲ ስነ ሓሳብ” ዘይምጽናሕ
“ቃላት ንበይኑ እኹላት ኣይኮኑን”፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ንኣባላት ሽማግለ ሽልማት ዛይድ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ሓሳብ ብምዝካር - ዓሚቝ እምነትና “ብጭቡጥ ጻዕሪ ቀጻሊ ኩስኮሳ” ከም ዝሓትት ብምምልካት፡ ነቲ Dilexi Te - ኣነ ኣፍቀርኵከ ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ተወኪሶም፡ “ኣብ ዓውዲ ሓሳባትን ክልሰ-ሓሳባትን ምጽናሕ፡ ብቐጻልን ብጭቡጥን ተግባራት ግብረ ሰናይ ብጭቡጥ ክንገልጾ እንተዘይከኣልና እዚ ዓይነት ኣነባብራ እዚ ኣብ መወዳእታ እቲ ኣዝዩ እነኽብሮ ተስፋናን ባህግናን ከይተረፈ ክደክምን ክሃስስን ይገብሮ - ቢሎም - ኣስዒቦም “ኣሓው ኩልነ” ዘርእስቱ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓዋዲ መልእኽቲ ጠቒሶም፡ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኩላትና ኪኖ ወሰን ክንሰግርን “ብዝዓበየ ናይ ሓድሕዳዊ ቤተይናይ መንፈስ ክንቀራረብን” ተጸዊዕና ኣሎና ከም ዝበሉ ዜና ቫታካን ይሕብር።
ተቐበልቲ ሽልማት “ዘራእቲ ተስፋ” ኢዮም
ሽልማት ዛይድ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም፡ ነዞም ክብርታት እዚኣቶም ናብ “ሓቀይና ምስክርነት ሰብኣዊ ሕያውነትን ፍቕርን” ዝትርጉሙ ሰባት ክብሪ ዝህብ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ንተቐበልቲ ሽልማት ዛየድ 2026 ናይ ረፓብሊካዊት ኣዘርበጃን ርእሰ ብሔር ኢልሃም ዓሊየቭ፤ ናይ ረፓብሊካዊት ኣርመንያ መራሔ መንግስቲ ኒኮል ፓሺንያን፤ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንነዊሕ እዋን ደቂ ኣንስትዮ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰለን ክይገሃስ እትጣበቕ ዛርቃ ያፍታሊ፤ ታኣዎን እተሰምየ (ማሕበር ድሕነት) ዘይመኽሰባዊ በርገሳዊ ኣብ ጀነቫ ኣብ 1983 እተመስረተ ትካል ግብረ ሰናይ እናሓሰቡ፡ “ኣብታ ብዙሕ ግዜ ኣብ ክንዲ ድልድል መንደቕ እትሃንጽ ዓለም ዘራእቲ ተስፋ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ካብቲ ቀሊል መንገዲ ዘይምግዳስ ንላዕሊ ነቲ ጠለብ ዘለዎ መንገዲ ምትሕግጋዝ ብምምራጽ፡ እቲ ኣዝዩ ሱር ዝሰደደ ምፍልላይ ከይተረፈ ብጭቡጥ ስጉምቲ ክፍወስ ከም ዝኽእል ዘርኣዩ - ቢሎም - ኣገልግሎቶም ድማ ብርሃን ሕውነት ኣብ ልዕሊ ጸልማት ቅትለት ሕውነት ክስዕር ከም ዝኽእል ዘረጋግጽ ህያው ምስክርነት እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ኣፍሊጡ።
ድሕሪ ደጊም ጎረቤትና ከም ጓና ወይ ከም ስግኣት ኣይርአ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ተበግሶ ብጽኑዕ ዝድግፍ ርእሰ ብሔር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ከምኡ’ውን ንሽማግለ ዛየድ ስለቲ "ራእይን ስነ-ምግባራዊ እምነትን" ምስጋናኦም ብምቕራብ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ “ናይ ሕውነታዊ ፍቕሪ ንጡፍን ናይ ኩሉ ሓባራዊ መንገዲ ምእንቲ ክኸውን፡ እቲ ‘ካልእ’ ድማ ድሕሪ ደጊም ከም ጓና ወይ ከም ስግኣት ከይርአ፡ ከም ሓው ወይ ሓፍቲ ኣፍልጦ ክወሃቦ ፡ ብሓባር ኣብ ምስራሕ ክንቅጽል” ተላብዮም መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
