ር. ሊ. ጳ.፦ “ቤተክርስትያን ኣብዚ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ዘሎ ግዜና፣ ዕርዲ ፍቕሪ ኽትከውን ኣለዋ!”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ ብግዜ ቅዱስ ጆን ቦስኮ እተሃንጸ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ናይ ኑዛዜ ጻጹን ትማሊ ሰንበት 22 ለካቲት 2026 ማለት ኣብቲ ኣብ ጥቓ ካስትሮ ፕሪቶሪዮ ኣብ ማእከላይ ዞባ ከተማ ሮማ ዚርከብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ሓደ ናይ ተሌፎን ቻርጀር ተንጠልጢሉ ነበረ።
ገለ ገእለ እዋናት ብታህዋኽ ዝተረስዐ ኢዩ ዝመስል፣ ኣብ ማእከላይ ክፋል ናይቲ ቤተክርስቲያን ብምንባሩ ድማ የዒንቲ ብዙሓት ሰባት ስሒቡ ኢዩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እውን ኣብቲ ቀቅድሚ በዓል ትንሳኤ ኣብ መላእ እታ ሰበኻ ሮማ ናብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ዝገበርዎ ዘለዉ ጕስነታዊ ምብጻሕ፣ ኣብዛ ብማሕበር ሳሌዝያውያን እትምራሕ ቤተክርስትያን ኣትዮም እና ረኣዪ ክሓልፉ ከለዉ ነዚ ዝተረስአ ናይ ተሌፎን ቻርጀር ረኣይዎ።
ኣብቲ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ድማ፣ "ቅርበትን" ከምኡውን "ፍቕሪ" ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝርአ ዘሎ "ሰፊሕ ዓመጻ" ንምክልኻል መሳርሒ ክኸውን ኣለዎ፣ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣርእስተ ዜና ጸሊም ነጽቢ ኮይኑ ኢዩ ዝርአ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ብዛዕባ እቶም ብበሰላታት ሕይወት እተኸድኑ ስደተኛታትን ሕሙማትን ሰብኡትን ኣንስትን ዝገልጽ ዛንታታት እዩ ዜዘኻኽረና ክብሉ ድማ ኣመልከቱ። ወሲኾም ድማ "ካብዚ ቦታ እዚ ኣብ ውሽጢ ሒደት ርሕቐት ጥራይ፣ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ፣ ዘይምስምማዕ ክትትንክፎ ትኽእል ኢኻ" በሉ፣ ልክዕ ከምቲ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ጥቓ እቶም ዝያዳ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት፣ ኣብ መደበር ተርሚኒ ባቡር ኪጐዓዙ ዝጓየዩ እውን ኣለዉ።
ምናልባት ሓደ ቤት ዘይብሉ ወይ ንሓንቲ ለይቲ ጥራይ መሕደሪ ዝሰኣነ ሰብ ዝሓደጎ እተረስዐ ቻርጀር ክኸውን ይኽእል ኢዩ ክብሉ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝጠቐስዎ፣ "ብቕርበት" ሓቀይና ስምዒት ክርከብ ይከኣል ኢዩ። ቤተክርስቲያን ከአ ኣብ ጥቓ ታቦት መዕቈቢ ጥራይ ዘይኰነትስ መግቢ ወይ ውዑይ ማይ ንሒደት ሰዓታት ክትረኽበሉ እትኽእለሉ መትረብ እያ።
ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
ትማሊ ሰንበት ዕለት 22 ለካቲት ኣብ ናይ ንግሆ ሰዓታት እዩ ዝንበረ። ኣብታ ቤተ-ክርስትያን እትርከበላ ቪያ ማርሳላ እትርከብ ኮይና፣ እቲ ናብ መደበር ባቡር ዚወስድ ዓብዪ ኣዳራሽ ተዓጽዩ እኳ እንተ ነበረ፣ እቶም ናባኡ ዝመጹ ዝንበሩ እሙናን ግን ብሃንቀውታ ይንቀሳቐሱ ነበሩ፣ ነቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ቤተ - ክርስትያን ዘሎ ቅርዓት ድማ መሊኦምንዎ ነበሩ።
ሰንደቕ ዕላማ ከተማ ቫቲካን ድማ ነቲ ትርኢት እቲ ሕዝቢ ዓብሊልዎ ነበረ፣ "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳ ልዮን መበል 14 እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም" ዚብል ጽሑፋት ድማ ሂዞም ብሃንቀውታ ይጽበዩ ነበሩ።
እቶም ምእመናን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተቐበልዎም፣ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ቅዱስነቶም ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ እተሳተፉን፣ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ዝሰምዑን ምእመና ነቲ "ንሓድሕዱ እተፈላለየ" ዝመስል ኩነታት ኢዮም ዘንጸባርቑ ዝንበሩ። ኣባኡ ድማ ዓበይቲ ጃኬታት እተኸድኑ መንእሰያትን ከምኡውን ብዙሓት ተወከልቲ እተፈላለያ ማሕበራትን ውድባትን ናይቲ ቁምስናን፣ ነቶም እተሸገሩን መሳኪንን ዝሕግዙ፣ ንኣብነት ንድኻታትን ሽጉራትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍ ዘካይዱ ማእከላት ምስማዕ እውን ኣባኡ ነበሩ ኣለዉ። ከምኡ ውን ወትሩ ዓርቢ ምሸት ነቶም ግዳም ሓደር ዝዀኑ ሰባት ምግብን መስተን ዚዕድሉ "ታለንት ባንክ" ናይ ዝተሰምዩ ጕጅለ ወለንተኛታት እውን ነበሩ።
ካብ ሰለስተ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ዝመጻ ኣሓት ደናግል እውን ኣባኡ ነበራ፣ ደቂ ማርያም ረድኤት ክርስትያን (ሳሌስያን ኣሓት ደናግል ዶን ቦስኮ)፣ ፍራንሲስካውያን ልኡኻት ኣሓት ቅዱስ ቍርባን፣ ከምኡውን ልኡካነ ወንጌል ኣሓት ደናግል ዝተንስአ ክርስቶስ ኣባኡ ተሳቲፈን ኢየን።
እድናቖት እቶም ዝተሸገሩ ሰባት
ልክዕ ሰዓት 8፡15 ናይ ንግሆ እቲ ትጽቢት ተዛዘመ፣ ብሃንደበት ጣቕዒት ከም ባርዕ ክዝርጋሕ ጀመረ ተሌፎናት ድማ ስእሊ ከልዕላ ጀመራ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብቲ ኣብ ጥቓ ቤተ - ክርስትያን ዚርከብ ቅርዓት ተረኽቡ።
ቅዱስ ኣቦና ኢዶም ዘርጊሖም ድማ ናብቶም ሕዝቢ ክጥምቱ ጀመሩ። ክልተ መጻምድቲ ድማ "ክንምርዖ ኢና፣ ባርኹና?" ክብሉ ተማሕጸንዎም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ድማ ባረኽዎም። ነቶም ቈልዑን ፍሽኽታ ዝመልኦምን ህዝብን፣ ነቶም በቲ ቍምስና ዝሕገዙ ድኻታትን ሰላምታ ኣቕረበሎም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ኣብዚ ምርኣየይ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ!" ክብሉ እተሰምዖም ሓጐስ ገለጹ። "ኣጣቕዑሎም!” ብምባል “ሕጉስ ህይወት ክንነብር፣ ነዚ ጐይታ ዝሃበና ውህበት ህይወት ክነስተማቕር ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ" ድማ በሉ።
ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ሰላምታኦ ድማ፣ ነቲ ቅድሚኦም ዝንበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ኣብ 2014 ናብዚ ደብሪ እዚ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ዝገበሩሎም ተቕባል ብሞሳ ብምዝካር "ምዉቕ ኣቀባብላ" ኢዩ ዝንበረ ክብሉ እውን ዘከርዎ።
"ጐይታ ልክዕ ከምዛ ቍምስና እዚኣ ክረኽበናን ኪቕበለናን ከም ዚደሊ ኵላትና ንፈልጥ ኢና! ኵሉ ሰብ ኣብ ዝርከበሉ ቦታ ምርካብ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ! ንዅላትኩም አመስግነኩም፣ ነዛ ደብሪ እዚኣ ኣመስግን" በሉ።
"ሎሚ ንግሆ ብሓባር ዝጸውዓና ፍቕሪ ኢየሱስን ምሕረቱ እዩ"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ቅርዓት ዝተገብሮም ምውቕ ተቕባል፣ ብዛዕባ ስም እቲ ቍምስና ኣስተንተኑ፣ ከምዚ ድማ በሉ፣ "ምልክት ፍቕርን ልግስን ናይቲ ደረት ዘይብሉ ፍቕሪ ጐይታ" እዩ። እዚ ፍቕሪ እዚ ዕንቅፋታት ዘይፈልጥን፣ ናብ ካልኦት ዜጋታት ሓሊፉ እውን ዝኸይድ ልግሲ እዩ፣ ከመይሲ ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጹ ሰባት ኣብ መንጐ እቶም ኣብ ቅርዓት እቲ ቤተ ክርስትያን እተረኽቡ ኣሽሓት ዝቝጸሩ ምእማናን እውን ነበሩ።
"ነዚ ሓድነትን ሕብረትን ሕውነትን እዚ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ ክገብሮ ዝኽእል፣ ብሓባር ምንባር ድማ የመልክት" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ኣብቲ ሰካፈልዎ ቃል ሰላምታ ኣጕልሑ። "ፍቕሪ ኢየሱስን ምሕረቱን እዩ እዚ ሎሚ ንግሆ ኣኪቡና ዘሎ" ድማ በሉ።
ብድሕዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ሳሌስያውያን ሰላምታ ኣቕረቡሎም። ብዛዕባ ክቡር ታሪኾም ብምስትንታን ድማ እዚ ንዝሓለፈ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነቲ ህሉው ንጥፈታት እውን ዘነቓቕሕ ኢዩ ብምባል፣ "ኣብዚ ባህ ዘብል ልማድ ኣገልግሎትን ልግስን ምስ መንእሰያት ምዕያይን" ድማ ኢዩ በሉ።
ንናጽነትና እንደገና ምምርማር
ኣብ መንጎ እቶም ህዝቢ ኣብ በዓል ትንሳኤ መባእታዊ ምስጢራት ዝቕበሉ ሓሙሽተ ንኡሰ ክርስቲያን ነብሩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መኽፈቲ እቲ ስብከቶም ንዅሉ ሰብ ዜገድሶም ሓድሽ ጅመራ ኸም ምዃኑ ከም ምልክት ገይሮም ጠቐስዎ።
"ብፍላይ ኣብዚ ዘመነ ጾም ንናጽነትና ብዝለዓለ ኣኽብሮት ክንከላኸለሉ፣ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዝነብርን ብተለዋዋጢ መገዲ ዜሰንየናን ምንጪ ህይወት ዝዀናን ጸጋ ጥምቀት እንደገና ኽንረኽቦ ተጸዊዕና ኢና" ክብሉ እውን ተላበዉ።
ቀጺሎም ድማ ቅዱስ ኣቦና፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ገነት ኤደን ዝንበረን ናይ ጉይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድረ በዳ ዘሕለፎ ጥንታዊ ፈተናን ናጽነትን ወድሰብ ዘዘንቱ "ድራማ" ዘኪሮም ኣስተንተኑ።
"ወንጌል ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጸገም ዳግም ዝጠቕሶ እዩ ዝመስል፦ ንኣምላኽ 'ሕራይ' ብምባል ንህይወተይ ምሉእ ብምሉእ ክነብሮ እኽእል ድየ? ወይስ ናጻን ሕጉስን ምእንቲ ክኸውን ንገዛእ ርእሰይ ካብኡ ሓራ ኽወጽእ ኢየ ዝደሊ?" ክብሉ ውን ሓተቱ።
ቤተክርስትያን ናይ ምቕርራብ ዕርዲ ኢያ
እዞም ሕቶታት እዚኣቶም ረቀቕቲ ኣይኰኑን፣ የግዳስ ኣብቲ በብመዓልቱ በዚ ቍምስና እተወደበ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎታት ኣቢሎም፣ ንኻልኦት ከገልግሉ ዝመረጹ ሰባት ጭቡጥ ተግባራት ከም ብሓድሽ ክግለጽ ይርከብ ኣሎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 ነቲ ቅዱስ ጆን ቦስኮ "ድሕሪ ግዜ ዝያዳ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎ ፍሉይ መስቀላዊ መገዲ እታ ኸተማ" ክህነጽ ዘቕረቦ ሕቶ ጠቒሶም እውን ኣስተንተኑ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ካስትሮ ፕሪቶሪዮ ዘሎ ብድሆታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ነዚ ቦታ እዚ ከም ሓደ "ዕርዲ ምቅርራብ" ገይሮም ከም ዝርእይዎ ኣመልከቱ።
ኣብዚ መዳይ እዚ፣ እዚ ኸባቢ "ብዙሓት መንእሰያት ተመሃሮ መናብርተ ጥበባብትን ንስራሕ ዚመጹን ዚኸዱን ተጓዓዝቲ ስራሕ ዚደልዩ ስደተኛታት ከምኡውን ሳላ ተበግሶ ማሕበር ሳሌዝያውያን ምስ ኢጣልያውያን መዛኑኦም ክራኸቡን ውጥናት ምትሕብባር ንኺገብሩን ኣጋጣሚ ዝረኸቡሉ ኢዩ" ክብሉ እውን ኣስፊሖም ገለጹ።
ኣብ ጐረባብቲ ዘሎ ዘይምስምማዕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ብዛዕባ እቶም "ቤት ዘይብሎም ኣሕዋትን" ብምዝካር፣ ነቶም ኣብቲ ኣብ ቪያ ማርሳላ ዝርከብ መዕቈቢ ካሪታስ ብምኩሕኳሕ ኣብቲ "ዶን ሉዊጂ ዲ ሊግሮ" ዝበሃል መቐበሊ ኣጋይሽ ስፍራ ክረኽቡ ዝደልዩ ኣሕዋት ኣተኵሮም እውን ተዛረቡ።
"ኣብ ውሽጢ ሒደት ሜትሮ ሓደ ሰብ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ዝመስል ነገራት ክትትንክፎ ይኽእል ኢዩ፦ ሓልዮት እቶም ምስ ኵሉ ነጻ ኣገልግሎት ክረኽቡ ዚመጹን፣ ናሕሲ ዘይብሎምን፣ ሳዕቤን ናይ ብዙሕ ስእነት ተኽእሎታትን፣ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዓመጽን፤ ብቕንዕና ናይ ዘይምዕያይ ባህግን፣ ዘይሕጋዊ ንግዲ ሓሽሽን ምንዝርናን እዩ" በሉ።
ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝቐረበ ህያባት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ነቲ ማሕበረሰብ "ከም መባዅዕዚ ወንጌል" ክኾኑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም። ኣብቲ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ድማ ብፁዕ ካርዲናል ባልዶ ሬና ጠቕላሊ ዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሮማን፣ ናይቲ ቍምስና ስዩም ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ጁሰፔ ቨርሳልዲ ነበር ህየንተ ናይ ቅዱስ ማሕበር ብዛዕባ ጉዳያት ካቶሊካዊ ሥነ-ትምህርቲ ናይ ዝሓሊ ዝነበረን፣ ክቡር ኣባ ፋቢዮ ኣታርድ ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ሳሌዝያውያን፣ ክቡር ኣባ ሮበርቶ ኮላሜዮ ሓለቓ ማሕበር ሳሌስያን ማእከላይ ኢጣልያን፣ ክቡር ኣባ ኻቭየር ኦርቲዝ ሮድሪጐዝ ቆሞስ እቲ ቍምስናን ተረኺቦም ንበሩ።
ክቡር ኣባ ኦርቲዝ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስእሊ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ከም ገጸ በረኸት ብምቕራብ፣ ስለቲ ዝገበሩሎም ጉስነታዊ ምብጻሕ ኣመስገንዎም። ክቡር ኣባ ኦርቲዝ ከም ዝገለጽዎ፣ እቲ ምብጻሕ ነቲ ኣብ ጐረባብቲ እቲ ቁምስና ዘሎ ዘሳቒ ኩነታት ብምጥቃስ፣ "ማሕበራዊ ቝስሊ" ክብሉ ዝጸውዕዎ ፈውሲ ክኸውን ተስፋ ከም ዝገብሩ ገለጹ፣ "ልክዕ ከምቲ ሰላምን ተስፋን ክርስትያናዊ ቘራጽነትን ዝመልአ ማሕበረሰብ ንምህናጽ ልዑል ፍጥነት ዘለዋ ባቡር ዘድሊ፣ ልክዕ ከማኡ ድማ ንዅሉ ሰብ ዝበጽሖ ናይ ጕስነት ውጥናት ዳግም ንምጅማር" ክኸውን ተስፋ ከም ዝገበሩ ኣመልከቱ።
ቀቅድሚ መሥዋዕተ ቅዳሴ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዚርከብ "ክፍሊ ቅዱስ ዶን ቦስኮ" በጺሖም። ናብ ቫቲካን ቅድሚ ምምላሶም ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ክፍሊ ንቍሩብ ግዜ ደው ብምባል ጸልዮም።
እዚ ኽፍልታት እዚ ብድሕሪ እቲ ክፍሊ መዘምራንን ሳክርስትን ኣብ ሓደ ኵርናዕ ናይ ቪያ ማጀንታን ቪያ ቪቸንዛን ኢዩ ዝርከብ። ካብ ዕለት 30 ሚያዝያ ክሳዕ ዕለት 18 ግንቦት 1887 ኣብ መበል 20ን ናይ መወዳእታን ዓመት ጕዕዞኡ ቅዱስ ጆን ቦስኮ ዝተቐመጠሉ መንበሪ ኮይኑ ዘገልገለ ቤት ከአ ኢዩ። እዚ መንበሪ ክልተ ተራ ክፍልታት ዘለዎ ኮይኑ፣ እቲ ሓደ መደቀሲኡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ነቶም ክርእይዎን ከዘራርብዎን ዝመጹ ብዙሓት በጻሕቲ ንምቕባል ዘገልግል ዝንበረ እዩ። እቲ ቦታ ብ1934 ቅዱስ ጆን ቦስኮ ቅድስናኡ ምስ ተኣወጀ ንበጻሕቲ ክፉት ኮነ።
