ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሃገረ ስብከት ሮማ ኣርባዕተ ተራዳእቲ ጳጳሳት ሰምዮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሃገረ ስብከት ሮማ ኣርባዕተ ተራዳእቲ ጳጳሳት ሰምዮም  (AFP or licensor)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሃገረ ስብከት ሮማ ኣርባዕተ ተራዳእቲ ጳጳሳት ሰምዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንርእሰ ሰበኻኦም ሮማ ኣርባዕተ ሓደስቲ ተራዳእቲ ጳጳሳት ጠቕላሊ ዓቃቢ መንበር ከም ዝሰመዩ፣ እቶም ዝተሰምዩ ኣርባዕተ ሓድስቲ ተራዳእቲ ጠቕላሊ ዓቃቤ መንበር ናይ ሰበኻ ሮማ ካህናት ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳስ ሮማ ንሃገረ ስብከቶም ሮማ ኣርባዕተ ሓደስቲ ተራዳእቲ ጳጳሳት ሸይሞም፡ ንሳቶም ድማ ኣባ ስቴፋኖ ስፓራፓኒ፡ ኣባ ኣሌሳንድሮ ዜኖቢ፡ ኣባ ኣንድርያ ካርለቫልን ኣባ ማርኮ ቫለንትን እዮም። ኣርባዕቲኦም ድማ ናይ ርእሰ ሰበኻታት ካህናት ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ።

ኣባ ስቴፋኖ ስፓራፓኒ ዕለት 24 ሓምለ 1956 ኣብ ሮማ ዝተወልዱ፡ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ላተራንነንሰ መንበረ ጥበብ ብፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ቀዳማይ ማዕርግ ዝረኸቡን ኣስዒቦም ብስነ ግብረ ተገባዊ ቲዮሎጊያ ካልኣይ ናይ ትምህርቲ ማዕረግ ዘምስከሩን ዕለት 4 ጥቅምቲ 1991 ዓ.ም. ኣብ ርእሰ ሰበኻታት ሮማ ማዕርገ ክህነት ከም እተቐበሉን ኣብ ሰበኻ ሮማ ኣብ ቁምስንታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታትን ርእሰ ሰበኻታት ሮማ ከም ዘገልገሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣባ ኣሌሳንድሮ ዜኖቢ ዕለት 10 ሕዳር 1969 ኣብ ሮማ ዝተወልዱ ኣብ ናይ ሰበኻ ሮማ ጳጳሳዊ ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ዘረኣ ክህነት ዝተመሃሩን ዕለት 28 ሚያዝያ 1996 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ኣብ ርእሰ ሰበኻታት ሮማ ኣብ ዘተፈላለዩ ጽፍሕታት እውን ዘገልግሉ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቶም ሳልሳይ ቅዱስ ኣቦና ተራዳኢ ጳጳስ እንክብሉ ዝሰመይዎም ኣባ ኣንድረያ ካርለቫለ ዕለት 8 ሚያዝያ 1971 ኣብ ሮማ ዝተወልዱን ኣብ ጳጳሳዊ ሮማዊ ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዝተመሃሩ፡ ዕለት 3 ግንቦት 1998 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከም እተቐበሉን ምኽትል ቆሞስን ቆሞስን ኮይኖም ዘገልገሉን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ርእሰ ሰበኻታት ሮማ ዘገልገሉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ኣባ ፍራንቸስኮ ማርኮ ቫለንቲ ኣብ ዞባ ሮማ ብሸነኽ ሰሜን እትርከብ ከተማ ሳቢና ዕለት 28 ለካቲት 1961 ዝተወልዱ፡ ኣብ ናይ ርእሰ ሰበኻታት ሮማ ንኡስን ዓቢይን ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዝተኸታተሉን ሮማ ካብ ዝርከብ ሳፔንዛ መንበር ጥበብ ብስነ ጽሑፍን ስነ ታሪኽን ቀዳማይ ናይ ትምህርቲ ማዕርግ ምስ ረኸቡ ፍልስፍናን ቶዮሎጊያን ኣጠናቒቖም ዕለት 26 ሚያዝያ 1986 ማዕርገ ክህነት ከም እተቐበሉን ተራዳኢ ቆሞስን ቆሞስን ብምዃን ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ርእሰ ሰበኻ ሮማ ከም ዘገልገሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

26 Feb 2026, 16:11