ድለ

2026.01.25 Angelus 2026.01.25 Angelus  (@VATICAN MEDIA)

ር. ሊ. ጳ.፦ ዓንቀጽ ብፁዓን መለክዒ ሓጐስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ዓንቀጽ ብፁዓን ሓጐስ ከምጽኣልናን ንጽልግልግ ዓለም ብርሃን ከብርህን ከምኡ ውን ልባትና ከሐድስ ከም ዝኽእል ኣስተምሂሮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰንበት ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፣ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ዓለም ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት ተስፋ ይህቦም ኢዩ በሉ።

ዜና ቫቲካን - ጸሎት መልኣከ እግዚብሔር

ቅዱስነቶም ነቲ ወንጌል ማቴዎስ ዘዘንትዎ ብዛዕባ ዓንቀጽ ብፁዓን ዝዛረብ ክፍሊ ወንጌል ብምጥቃስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዅሎም ደቂ ሰባት ብስራት ውንጌል ከም ዝኣወጀ ገሊጾም።

"እዚ ብሓቂ እዚ ነቲ ጐይታ ኣብ ጸልማት ታሪኽና ዘብርሆ ብርሃናት እዩ ዘመልክት፣ ነቲ ኣቦ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስን ወልዱ ኢየሱስ ክርስቶስን ኣቢሉ ዚፍጽሞ መደብ ምድሓን ድማ ይገልጽ” በሉ።

ንህይወትና የሓድሶ

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ከረን ተቐሚጡ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጽላት እምኒ ዘይተጻሕፈ ሓድሽ ሕጊ ሃቦም፣ "ዓለም ዝወደቐትን መከራ ዝመልኣትን እኳ እንተ መሰለት እዚ ዓንቀጽ ብፁዓን ግና ንህይወትና ዜሐድስን ዘነቓቕሕን እዩ" ይብሉ።

ኣምላኽ ጥራይ እዩ "ንድኻታትን ንጥቑዓትን ብሓቂ ብጹኣን ክብል ክጽውዖም ዝኽእል፣ ከመይሲ ንሱ ንዂሉ ብፍቕሪ ገዛእ ርእሱ ዘወፊ እቲ ዝለዓለ ሰናይ ክንዲ ዝኾነ" ውን በሉ፣ ኣስዒቦም ድማ "ንሱ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ፣ ነቶም ሰላምን ፍትሕን ዚደልዩ ኼዕግብ ዝኽእል፣ ንሱ ፍትሓዊ ፈራዲ ዓለምን ምንጪ ዘልዓለማዊ ሰላምን እዩ"።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም "ትሑትን መሓርን ንጹሑን ልቢ ከኣ ፍጻሜ ትጽቢቶም ስለ ዝዀነ፣ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ እዮም ነዚ ሓጐስ እዚ ክረኽቡ ዝኽእሉ" ኣብ ስደት ድማ ድሕነት ይረኽቡ፣ ኣብ ሓሶት ከኣ "መልህቕ ሓቂ" ይረኽቡ ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

'ተሐጐሱን ደስ ይበልኩምን'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል፣ "ስለዚ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 'ተሐጐሱ ደስ ውን ይበልኩም' ክብል ኣበሲሩና እዩ" ብምባል ውን መስከሩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም እቶም ሓያላትን ወትሩ ንምድሪ ኺገዝኡ ዝደልዩ ሰባትን፣ ዕዉታት ወይ ብፁዓን ኪመስሎም ከም ዝኽእል እውን ኣፍልጦ ሃቡሉ።

እቶም ብሃብታቶም ዝሕጐሱ ዝመስሎም ሰባት፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ከም እተታለለ ይኣምኑ ይዀኑ። ይኹን እምበር እቲ ምትላል ኣብ ክርስቶስ እምነት ስለ ዘይብልና ኣብ ምዃና እዩ ዝምርኰስ" በሉ።

ይኹን እምበር ክርስቶስ፣ "ምስ ኵሉ ህይወቱ ዘካፍል ድኻ፣ እቲ ንመከራ ዝዕገስ ትሑት፣ ኣብ መስቀል ክሳዕ ሞት ዝስደድ ገባር ሰላም" ምዃኑ እውን ኣረጋገጹ።

በዚ ኸምዚ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንትርጕም ታሪኽ ኣብሪህዎ ኢዩ ውን በሉ። ድሕሪ ደጊም እዚ ታሪኽ እዚ በቶም ሰዓርቲ ዘይኰነስ ዝጸሓፍ፣ በቲ ንጭቁናት ብምድሓን ክስዕር ዝኽእል ኣምላኽ እዩ ተጻሒፉ" ብምባል እውን ኣጕልሑ።

ሚዛን ሓጐስ

ኣብ ርእሲ እዚውን "ዓንቀጽ ብፁዓን ንዓና መለክዒ ሓጐስ ይዀነና ኢዩ" በሉ። "ከም እንዕድጐ ነገር ዲና እንርእዮ ወይስ ከም ህያብ ጌርና ንርእዮ እንተ ዄንና ንርእስና ክንሓትት እውን ይመርሓና፣ ወይ ውን ኣብ ሓላፊ ነገራት ዲና እነቐምጦ ወይስ ኣብቲ ዘሰንየና ርክባት ኢና እንረኽቦ?" ክብሉ ውን ሓተቱ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ቅዱስ ኣቦና፣ ሳላ ክርስቶስ "መሪር ፈተና ናብ ሓጐስ እቶም እተበጀዎም ይለወጥ። ጐይታናን መድሓኒናንን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ምጽንናዕ ዘይኰነስ ብዛዕባ እቲ ወትሩ ዝድግፈና ዘየቋርጽ ጸጋ እዩ ዝዛረብ ዘሎ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ግዜ ጸበባና ክብሉ ድማ ኣስመሩሉ።

"ዓንቀስ ብፁዓን ንትሑታት ክብ የብሎም፣ ንዕቡያት ከኣ ብውሽጦም ፋሕ ከም ዝብሉ ይገብሮም" በሉ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነታ ዅሎም ወለዶታት ብፅዕቲ ክብሉ ዝጽውዕዋ ኣገልጋሊት ጐይታ ዝኾነት ድንግል ማርያም ከም ብፁዓን መጠን ብዓንቀጽ ብጽዕና ክንነብር ክትሕግዘና ክብሉ እውን ጸለዩ።

02 Feb 2026, 12:05